Quada quadinoy

Quada quadinoy Artistic page focuses on social issues and profile of people with amazing wisdom

31/08/2026

"እቲ ዕቡድ ሰብ እናሳዕሰዐ እንከሎ ከበሮ ዝሃርመሉ ዘሎ፡ንሱ እዉን ካብቲ ዕቡድ ዝሓይሽ ኣይኮነን፡፡"

ምስላ ኣፍሪቃ

31/08/2026

"ዝሞትካ እሞ ምሰል፡መን ኣጸቢቁ ከምዝፈትወካ ክትዕዘብ ኢኻ"

ምስላ ኣፍሪቃ

31/08/2026

"ኦ ኣምላኬ!ብፍርሒ ናይ ጋሃነብ-እሳት የምልኸካ እንተሃልየ፡ኣብ ሲኦል ደቕድቐኒ፡፡ብተስፋ ናይ መንግስተ-ሰማያት ምእታው የምልኸካ እንተሃልየ፡ካብ ገነት እንዶ ገዚዕካ ኣትርፈኒ፡፡"

Pyramid Consciousness

31/08/2026

"ብትዕቢት ቅጽጽ እንተኢልካ፡ንልቦና ቦታ ኣይክተረኽበሉን፡ኢኻ፡፡"

ምስላ ኣፍሪቃ

31/08/2026

"ድኹም ሰብ ኣብ መንጎ እኩባት ኮይኑ ኣድህቦን፡ተቐባልነትን፡እዩ ዝደለ፡፡ሓያል ሰብ ግን በይኑ ብምዃን ሰላም ይደልን፡ነብሱ ድማ ይሃንጽን፡፡"

ምንጪ፡CEO mindset

ክንዳኻ ዘይአኽላስ,.,ንኽብርኻ ክወዳደርዎ ምስዘይክእሉ፡ንኽብርኻ ከዕንዉ እዮም ዝፍትኑ፡፡ነብሲ ወከፍ ከጥቀዐካ ዝፍትን ኩሉ ሳዕ ስለእትጋገ ኣይኮነን፡እንታይ ዳአ ምዕባለኻ ዉሕስነት ይኸልኦም፡...
31/08/2026

ክንዳኻ ዘይአኽላስ,.,

ንኽብርኻ ክወዳደርዎ ምስዘይክእሉ፡ንኽብርኻ ከዕንዉ እዮም ዝፍትኑ፡፡ነብሲ ወከፍ ከጥቀዐካ ዝፍትን ኩሉ ሳዕ ስለእትጋገ ኣይኮነን፡እንታይ ዳአ ምዕባለኻ ዉሕስነት ይኸልኦም፡ኣደብካ ነቲ ሃለውለዎም ስለዝብደሆ፡ዓወትካ ድማ ነቲ ዝሳአንዎ ክኾንዎ ዝደልዩን፡ዉድቀቶምን፡ስለዘዘኻኽሮም፡ይሓምዩኻ፡ንጽቡቕካ ናብ ሕማቕ ነገር ብምጥዋይ ይፈርዱኻን፡ወረኻ ብሕማቕ ንምብታን ይዋፈሩ፡፡

እስኻ ግን ህድእ በል።ነቲ ዕዉት ባህርኻ ተኸላኸለሉ፡ብዛዕባኻ ንዝሰማዕካዮ ሕማቕ ወረ ክትምልሰሉ ኣይትጓየ፡፡ሓያል ክብሪ ብጽንዓት፡ብጻዕሪ፡ብርእሰ-ኣኽብሮትን፡ብግብራዊ ስጉምቲ ዝተነድቀ እምበር ብዘረባ መግለጺ ብምሃብ ዝመጸ ክብሪ ኣይኮነን።

ሰባት ስምካ ብሕማቕ እናልዓሉ ከምዚ እዩ ከምዚ እዩ ክብሉኻ ይኽእሉ እዮም፡፡ኣብ ነዊሕ ግዜ ግን ባህርያትካ ነቲ ሓቂ ከግህዶ እዩ፡፡ምዕባለታትካ ቀጽሎ፡ዓወታትካ ብዕጽፍታት ይዕበ፡መጋብርካ ንርእይቶታቶም ይመልሰሎም፡፡ከምዚ እንተጋጠመ ድማ ኣይትገረም ከምቲ ኣብ ምስላ ትግርኛ ክንዳኻ ዘይአኽላ ብአኻ ይዋዓል ዝባሃል እንዳአሉ፡፡

ምንጪ፡Mindsetology HQ

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡31-08-2026
ኣስመራ

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ ስኞር ፕሪሞ ወናኒ ከረን ሆቴል ኣስመራን፡ዳህላክ ሆቴል ማሳዋንሓጺር ድሕረ-ባይታ ፕሪሞጁሰፐ ካብ ኣቡኡ ፕሪሞን፡ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ጉዐይ ካሕሳይ ባዓልቲ ጸዓዘጋ ኣብ ...
29/08/2026

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ

ስኞር ፕሪሞ ወናኒ ከረን ሆቴል ኣስመራን፡ዳህላክ ሆቴል ማሳዋን

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ፕሪሞ

ጁሰፐ ካብ ኣቡኡ ፕሪሞን፡ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ጉዐይ ካሕሳይ ባዓልቲ ጸዓዘጋ ኣብ ዕለት 11ወርሒ 1,1942 ኣብ ቤት መኽአ ተወሊዱ፡፡ኣዲኡ ወይዘሮ ጉዐይ ካብ ካልእ ዝወለደአን ሂወትን፡ነጪን ዝባሃል ኣዋልድ ነበረአን፡፡እዚ ካብ ጥልያን ዝወለደኦ ወዲ ፈለማ ወደን ብምዃኑ ምሒር ተሓጎሳ እሞ፡ናተን ሽም ድማ ኣዉጸአሉ፡ገብረመስቀል ኢለን ድማ ኣጠመቐኦ፡፡ኣቡኡ ናብ ዓዲ ጥልያን ክኸይድ እንከሎ፡ንወዱ ሒዝዎ ክኸይድ እኳ እንተደለየ፡ወላዲቱ ወይዘሮ ጉዐይ ግን ወደይ ምሳኻ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣይከይድን እዩ ኣብዚ ምሳይ እዩ ዝኸዉን ኢለን መንጢለን ኣትረፈኦ፡፡ኣብ ግዜ ህጻንነቱ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ኣኽርያ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ምስተማህረ፡ትምህርቱ ንምቅጻል ናብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ጥቓ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘሎ ኣስኳላ ጥልያን ኣትዩ፡ብቋንቋ ጥልያን ንሰለስተ ዓመት ምስ ተማህረ ፍጹም ትምህርቲ ስለዝጸለአ ኣብቲ ኣስካላ ኣስካላ ጥቓ ምኒስትሪ ትምህርቲ ዘሎ ናብ ኣስኳላ ጥልያን ትድይበሉ ኮይኑ፡ጆርናለን ወይ ጋዜጣን፡መጻሕፍትን ክሸይጥን፡ከለቅሕን ጀመረ፡፡ብንእሽትኡ ናይ ንግዲ መንቋሕቋሕታ ስለዝነበሮ ናይ ንግዲ ዓለም ደስ ይብሎ ነበረ፡፡ኣኩኡ ንፕሪሞ ኣብ ከረን ሆቴል ኮኮ ተቆጺሩ ይሰርሕ ስለዝነበረ፡ፕሪሞ ክጠሚ እንከሎ ናብ ኣኩኡ ይኸይድ እሞ፡ኣኩኡ ድማ እቲ ንወዲ ሓፍቲ ዝዋሃብ ምዉቕ ሰላምታ ብምልጋስ ፓኒኖ ሰሪሑ የብልዖ ነበረ፡፡

ትምኒት ፕሪሞ ንምዉናን ከረን ሆቴል

ፕሪኖ ጌና ብንእስነቱ ብኣሊበርጎ ኢጣልያ ወይ ከረን ሆቴል ጽልል በለ፡ከምአ ወይ ንዓአ ዋንነቱ ንኽገብራ ድማ ክቱር ድሌት ነበሮ፡፡ወትሩ ናብ ኣኩኡ ኣብ ዝኸደሉ፡ሃሙን-ቀልቡን ምስ ከረን ሆቴል ነበረ፡ሓደ ማዓልቲ ነዚአ ክዉንና እየ ብምባል ድማ ሕልምታቱ ጠርዚ ኣብጸሖም፡፡

ፕሪሞ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጥልያን

ብድሕሪ እዚ ዕድሚኡ ምስ ኣኸለ ማለት መንእሰይ ምስ ኮነ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጥልያን ንምምላእ ናብ ዓዲ ጥልይን ከደ፡፡ንዓሰርተ-ሾመንተ ኣዋርሕ ግቡእ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ገበረ፡እቲ ኣዛዚ ናይቲ ማዓስከር ናይ ታዕሊም ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኮሮኔል ወታሃደር ጥልያን ብምንባሩ፡ፕሪሞ ድማ ካብ ኤርትራ መጺኡ ኣገልግሎት ይገብር ምህላዉ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ፈተዎ፡፡ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ፡እቲ ኮሮኔል ንፕሪሞ ወታሃደር ምዃን ዘይትቕጽሎ በሎ፡ፕሪሞ ድማ ዓሻ ጥልያን የለን፡ጥልያን ዓስከር እዩ ዝገብር እምበር ዓስከር ኣይከዉንን እዩ ምስ በሎ፡እቲ ጥልያን ኮሮኔል እሞ ናዓይ ትጸርፈኒ ኣለኻ በሎ፡ናዓኻ እሞ ከመይ ኢለ ክጸርፈካ ንስኻ በስኳላ ዘምጻእካዮ እዩ ነቲ ክእለትካ፡እንተኾነ ኣነ ወታሃደር ክኸዉን ድሌት የብለይን ብምባል ምላሹ ሂቡ ካብ ዉትህድርና ተሰናበተ። ፕሪሞ ኣብ ማዓስከር ታዕሊም ጥልያን እንከሎ ኣዝዩ ጎያያይ ስለዝነበረ ኣብቲ ናይ ጉያ እግሪ ዉድድር ራሕሪሕዎም ንመወዳርቱ ይአትው ስለዝነበረ በቂላ ዝብል ሳጓ ሃብዎ፡፡እዚ ማለት ድማ ኣበበ በቂላ ዝብል ስም አጠምቕዎ።እታ ሳጓ ግን ኣብቲ ማዓስከር ተዋሂባቶ ኣብቲ ማዓስከር እያ ተሪፋ ምስኡ ንግዳም ኣይወጸትን፡፡

ፕሪሞ ኣብ ስራሕ ዓለም

ኣብ ማጀንታ እትባሃል ትካል መፍረ ጣቓ ናይ ሎን ተቆጺሩ ክሰርሕ ጀመረ፡፡እንተኾነ ሓደ ካልእ ሓንፈጽ ናብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኤርትራ ይመጽእ እሞ፡ንፕሪሞ ምስ ረኸቦ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኣብዚ ናዓናይ ምሳይ ፈቐድኡ በዛ መኪናይ እናኸድና ንሸቅጥ ብምባል ፕሪሞ ስለዘእመኖ፡ፕሪሞ ምስቲ ሓንፈጽ ከምኡ ካዛሬላ ዝስሙ ነቐለ፡፡ካዛሬላ መወጽ፡ባዘሊን፡ቀሽር እዩ ዝሸይጥ፡ፕሪሞ ድማ ምስኡ ብምኻድ ንግዲ ጽቡቕ ጌሩ ስለዝተዐለመ አቕሑ ክሽቅጥ ጀመረ፡፡ብምንፋዓትን፡ስንፍናን ካዛሬላን ይግረም ነበረ ፕሪሞ።ካዛሬላ ኣዝዩ ተዛራባይ ስለዝነበረ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ብመልሓሱ ጌሩ ምእንታኽን ኢና ካብ ኤርትራ ዝአክል መጺና ንሽቅጥ ዘለና ፎርሳ ዳይ ዓድጋ እናበለ የግዝአን እሞ፡ንምሸቱ መኽሰቡን፡ገዛእ ገንዘቡ ሒዙ ናብ እንዳ ባር ኣትዩ ልቡ ክሳብ ዘጥፍእ ይሰቲ ሰበይቲ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ይፈቱ ነበረ እሞ ኩሉ ሰልዱ ሓሺሽዎ እዩ ዝመጽአካ ይብል ዝኽርታት ንእስነቱ ከካፍል እንከሊ ሲኞር ፕሪሞ፡፡ናይ ካዛሬላ የዕሊሉ ኣይዉድእን እዩ ስኞር ፕሪሞ፡ካዛሬላ ምስ ሰኸረ፡ለተንኪኤለይ ተቆነኒ፡ሰለፋ ዝጥዕም ባኒ እናበለ እዩ ዝደርፍ ብምባል ዝኸርታት ካዛሬላ ይዓጽው፡፡ብድሕሪ እዚ ፕሪሞ ጽቡቕ ናይ ንግዲ ኣምር ካብ ካዛሬላ ምስ ተማህረ ካብ ካዛሬላ ብምፍላይ ኣብ ጽርግያታት ሚላኖ ኣቁሑት ዘርጊሑ ክሸይጥ ጀመረ፡፡ ፕሪሞ ኣብ ዕዳጋታት ሚላኖ ዘርጊሑ እናሸጠ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ፍሩይ መልክዑ ይፈትወኦ ስለዝነበራ ዋላ ዘየድልየን ኣቁሑት ይዕድጋሉ ምንባረን ፕሪሞ ይጠቅስ፡፡ሙኑችበ ግና ምስራሕ ከልእዎ እናገፈፉ፡ብድሕሪ እዚ ብሙኑችበ ከማርር ምስ ጀመረ፡ባዕሎም እቶን ሙኑችበ ንስኻ ግቡእካ ዘማላእካ ጥልያን ኢኻ ኪድ ልቸንሳ ኣዉጽእ በልዎ እሞ፡ከምኡ ከምዘሎ ገሪምዎ፡ፕሪሞ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምኻድ ልቸንሳ ኣዉጽአ፡፡ብድሕሪ እዚ ኣብ ሚላኖ ንእሽተይ ድኳን ከፈተ እሞ፡ኣቁሑት እናምጽአ ብሰላም ክሸይጥ ጀመረ፡፡ንግዱ ቀስ ብቀስ ብምዕባይ ናብ ባዓል ፓኪስታን፡ህንዲ፡ታይዋን፡ቻይና፡ኢንዶነጅያ፡ሆንግኮንግ፡ቱርኪ ብምኻድ ኣቁሑት ብምሻጥን፡ብምምጻእን ፍሉጥ ነጋዳይ ኮነ፡፡

ምምላስ ፕሪሞ ናብ ኤርትራ

ደሓን ዝኾነ ካፒታል ስለዝገበረ ናብ ኤርትራ መጺኡ ነታ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ዝምነያ ዝነበረ ኣሊቦርጎ ኢጣልያ ወይ ከረን ሆቴል ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ ገዚኡ ዋንነቱ ገበራ፡፡ብድሕሪ እዚ ንዳህላክ ሆቴል ዋንነቱ ገበራ እሞ ተወሳኺ ሓድሽ ህንጻ ኣብ ዳህላክ ሆቴል ብምህናጽ ብዙሕ መደቀሲ ገበረ።ድሌታቱ በዚ ኣይታዐግተን ኣብታ ብባሕሪ ተኸቢባ ዘላ ንእሽተይ ደሴት ዳሰ 15 ሃዳሙን፡30 ኣጓዱን ብምስራሕ መደቀሲ ኣጋይሽ ሰረሐ፡፡

ፕሪሞ ኣብ ሓዳር

እዚ ዕዉት ባዓል ጸጋ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ኣብ 1972 ምስ ወይዘሪት ማርያ ራምፓሩላ ሓዳር ብምግባር ክልተ ቆልዑ፡ጉዐይን፡ክርስትያንን ዝባሃሉ፡ጓልን ወድን ወለደ።ጉዐይ ብስም ኣዲኡ ስም ዘዉጸአላ 46 ዓመት ጌራ ኣላ፡ክርስትያን ድማ 42 ዓመት ጌሩ ኣሎ፡፡እግዛብሄር ዝተመነኻዮ ስለዘይከልእ ፕሪሞ ዝተመነዮ ኣይሰአነን፡ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ ወናን ኣሊቦርጎ ኢጣልያ እታ ብህጻኑ ዝምነያ ዝነበረ ኮነ፡፡

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡29-08-2026
ኣስመራ

በርሀ ዓሸራ ወይ ዓሰራ ሓያል ክኢላ ማሰን፡መልቀስን፡ካብ ዓሸራ ወይ ዓሴራ ናብ ኣሓዝ ወራዶ መርዓ ወረዱ እሞ፡እቲ ዉራይ ጸለሎ ብዝመስል እንታይ ዝመሰለ ጽራይ፡ሓንቲ ሸሎኻ ምሰተኻ ሙቐት ፈጢሩ...
29/08/2026

በርሀ ዓሸራ ወይ ዓሰራ ሓያል ክኢላ ማሰን፡መልቀስን፡

ካብ ዓሸራ ወይ ዓሴራ ናብ ኣሓዝ ወራዶ መርዓ ወረዱ እሞ፡እቲ ዉራይ ጸለሎ ብዝመስል እንታይ ዝመሰለ ጽራይ፡ሓንቲ ሸሎኻ ምሰተኻ ሙቐት ፈጢሩ ዘበርኸካን፡ኢድ ዘቖርጥም ዝግኒ ጸብሕን፡ቀምበይ ኢሉ፡ዕዱማት ብጽጋብ ተነጊሖም፡ዳስ ብዳሱ ብጽጋብ ጭድድ ዝበለ ማሕለፍያ ዝነበሮ ዉራይ ነበረ፡፡እዚ ኹሉ ሽሻይ እናሃለወ፡ኣብቲ ዳስ ወራድ መርዓ ዝአተዉሉ እዋን ጀበና ብዘይምንባራ፡ማለት ቡን ይቕለው ስለዘይነበረ፡በርሀ ዓሸራ ወይ ዓሴራ ከምዚ ቢሎም ማሰ በሉ፡

ኣሕዝ ኢሎማስ ዓባይ እምበር እያ ዓዳ
ዓዲ ወረጃ እንድያ ኣታ ዓዲ ኮርዒዳ
ዓዲ ሰጋር እያ እምበር ዓዲ ዋርዳ
ካብዘን ኩሉን ዓድታት ዘለዋ ዝያዳ
ኣንታ እዛ ጸላም ላም እምበር መርአይ ስኢነያ
ናበይ ከይዳ
ጸላም ላም ጻዕዳ ዝጓጉዳ
ካብ ሽዋ ዝመጸት ተነጊዳ
ካብ ጅማ ዝመጸት ተነጊዳ
ቁሊሕ ኢለ ስኢነያስ ናበይ ከይዳ
እዛ ዛላምበሳ ዶ ስኢኑ ዝወርዳ
እዛ ጸሮና ዶ ሽልን ሑዙ ኣታ ስኢኑ ዝወርዳ
እዛ መጋርያ ዶ ስኢኑ ዝአጉዳ
ኣታ ዛ ርእሰይ እምበር ከይዳ ተጨዲዳ
እዛ ነብሰይ ዶ ኣታ ባዕለይ ክአባብዳ፡፡

ድሕሪ እዚ እቶም ኣድሃ ባዓል ዉራይ በረምበራስ ኣጽብሃ ንወዶም መጎስ ጸዊዖም፡"ሞጎስ ወደይ መንገዲ መዓልቲ መጺኦምሲ በዛ ዓባይ ጀበና ጌርካ ቡን ኣፍላሓሎም፡ብፍላይ ንበርሀ ዓሲራ ናይ እንዳ'ባ ክኢላን፡ናይ ምሉእ ኣከለጉዛይ ሕጊ ምንዳፍ ክእለት ዘለዎም፡በዛ ዓባይ ፍንጃል ናተይ ጌርካ ቡን ቅድሓሉ"ብምባል ኣዘዙ፡፡ብድሕሪ እዚ ቡን ሰትዮም ናብ ዳስ ምስተመልሱ በርሀ ዓሲራ ባዓል ዓሸራ ከምዚ ክብሉ ማሰ በሉ፡

በረምበራስ ኣጽብሃየ፡በረምበራስ ኣጽባሃየ
ወርቂ ዝሚዛኑ፡ብርቱዕ ገበል ኢኻ 'በር ኣታ ኣርባዕተ ዝዓይኑ
ከም ደበና ዝኸይድ ማይ ጽዒኑ
ቤተ መንግስቲ ዝአቱ ጠኒኑ
ቤተ ንጉስ ዝአቱ ጠኒኑ
እስኻ ኣይትሙተ ሃገር ከይትዓኑ፡፡
በርምበራስ ኣጽብሃየ፡በረምበራስ ኣጽብሃየ
ንዓኻ ዶ ኣለካ ሳንዳ
ጨፈና እንተዘይኮይኑ ባዓል ሎጎ ሳርዳ
ጎጆ እንተዘይኮይኑ ባዓል ጸሓይ ምላዳ
ጽብሩ እንተዘይኮይኑ ወዲ ጻዕዳ
ኣንታ ንዓኻ ዶ ኣለካ ሳንዳ
ኣታ እተን ኣዴኻ ክወልዳኻ ዘይሰምበዳ
ወይ እተን ዝሓዘላኻ ኣይነደዳ፡፡

ብምባል ማሰ በሉ እሞ ወያ ዳስ ብዕልልታን፡ጣቕዒትን፡ጭድድ ክትብል ክሳዕ ትደሊ ድምጺ ናይ ታሕጓስ ንላዕሊ ሃመመ፡፡

ምንጪ፡ኣቶ ዑቕባይ ትኩእ

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡29-08-2026
ኣስመራ

ዉድድር ሞኖሎግ ኣብ ሞንጎ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ድራማን፡ፊልምን 2026 እዛ ትስዕብ ግመ ገምገም ባሕሪ እትብል ዕዮ ብምሓዝ እዮም ተወዳዲሮም፡፡ግመ ገምገም-ባሕሪከማዓልካ ኣንታ ግመ ጫዓይምድሪ...
28/08/2026

ዉድድር ሞኖሎግ ኣብ ሞንጎ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ድራማን፡ፊልምን 2026 እዛ ትስዕብ ግመ ገምገም ባሕሪ እትብል ዕዮ ብምሓዝ እዮም ተወዳዲሮም፡፡

ግመ ገምገም-ባሕሪ

ከማዓልካ ኣንታ ግመ ጫዓይ
ምድሪ ዘይትረግጽ፡ሰማይ ሰማይ
ተዓዊተ ኢልካኒ ብቐዳማይ
ቀትሪ እንከሎ ምሰጥፋእካ ጸሓይ
ዝባን ወጺእካ ትገብረለይ ደሃይ
ሕልፍ ዝበልካኒ ቅድሚ ገዛይ
ሓደርካ እኳ ኢለካ ንፈለማይ፡፡

ግመ ገምገም-ባሕሪ፡ኣለካ ዶ መዉዓሊ
ዛዕዛዕታ ትሕዘብ፡ወሸን ዓጀብ ዓቕሊ
ንስሙጥ-ስንጭሮ፡ትኸድኖ ብላዕሊ
ዘዔምካ ኣብ መዓሙቕ፡ዘይተበራባሪ
እኳ ዘይትሕርንኽ፡ኣንታ ወዲ ባሕሪ፡፡

ምስተሳእካ ትወፍር ኣለዳ
እምባ ተጊርካ፡ሜዳ ማይዳ
ድራም ኣሰጓጓም፡ኣዳም ተዓኒዳ
ንዛሕለ-ቁሪ ኩላ ተዋልዳ
ሓሙስ ኢኻ፡ዘይብልካ እኳ ሳንዳ
ኣንታ ወዲ ባሕሪ፡ትርአ ፈቐዳ፡፡

ክሓተካ ዶ ኣታ ተሓታቲ
እንተገዘትኩኻ፡ብደው ተሟጓቲ
ቅንጅዉጅው ዝበልካ፡ተጠማቲ
ዘብለካ እንታይ እዩ ታሕተ-ታሕቲ
ቅጽበት ህልም ትብል ተኸታቲ
ናበይ ኢኻ ትስወር፡ካብ የዒንቲ
ኣለካ ድዩ ዘሪባ፡ኣለካ ብዓቲ
ጸሓይ ምስወጸት፡ትበኪ ዶ ሓቂ?

ንብርቱዕ ማይ፡ንስኻ ትመርሖ
ንፋስ ባሕሪ፡ባዕልኻ ትገንሖ
ንነጉድን፡በርቅን፡ጥርስ ዘይትፈርሖ
በሪ ናይ ክራማት፡ብአኻ ዝረሖ
ዕሰለ ተዕስል፡ወዲ ፍልሖ፡፡

ክትከይድ እንከለኻ፡ምሳኻ ሰደኒ
ሓመኹሽታይ ሕብሩ፡ፈረሰይ ኩነኒ
ኣብ ዝባንካ ኮይነ፡ክጋልብ ክቕኒ
ናህሪ ዳ ወስኽ፡ከም ብተይ ዓንዳሪ
ዉረድ ሃፍታ ገደል፡ስቶኽ ታሕቲ ታሕቲ
ክትበርር እንከለኻ፡ከይትንዉንወኒ
ክይትድርብየኒ፡ኣብ ድቕድቕ ጸናዕቲ
ዕርብ ከይብለካ ስኢነ መድሓኒ
ግመ ቀቲልዎ፡ከይከዉን መዕለሊ፡፡

ማዓሙቕ ሰፈርካ፡ከም ወዲ ኣራዊት
ኣብቲ ክራማትካ፡ትብህግ ዶ ሰዊት
ጽልእ ዶ ይብለካ፡ትሓምም ትመዉት
ትድቅስ ዶ ለይቲ፡ዓይንኻ ትዕምት
ለይትኻ ዶ ይቕለጥ፡ብሕልሚ ዝዘምት
ተፍትሖ ዶ ከማይ፡ትፈልጦ ብግምት?

መንገደኛ ዲኻ፡ትልምን ንአፍካ
ወይሲ ሓፋር ኢኻ ዘይትአትው ገዛ
እሞ ጨዓይ-ጎጎ፡ምቐረብኩ ሃንዛ
ቀጀም ምበልና፡መዉጋዕና ብላዛ
ሃለውለው ዘይኮነ፡ቁም-ነገር ብትሕዛ
መልበብ ምገበርናሉ፡ብዘይጭርቃን ዋዛ
ፈዉሲ መናደኻ፡እንተልዩኒ ቓንዛ
ኩነኒ በጃኻ፡ከም ዓርከ-መሓዛ፡፡

ክኸይድ ካብ በልካ፡ኪድ ኣይትታዓንቀፍ
ኣብ ካልአይ እግርኻ፡ብገዛና ሕለፍ
ማዓር ተማላእ፡ዝጽዉጸው ዝልከፍ
ዝግኒ እየ ዝቕርብ፡እንተበልካ ሃንገፍ
ኪድ ንባሕርኻ፡ኣባይካ ይሰነፍ
ጨርቂ ይግበረልካ፡ጉዕዞኻ ኣይኮለፍ።

Address

Asmera Estate
Sandton
00291

Telephone

+2917136816

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Quada quadinoy posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category