Quada quadinoy

Call Directions

Quada quadinoy Artistic page focuses on social issues and profile of people with amazing wisdom

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ(ኣባ-ሓበሽ) ካብ ረፋዕ ናብ ሚሊዮነርድሕረ ባይታ ኣባ-ሓበሽኣብ ሃገርና፡ካብ ረፋዕ ናብ ክትኣምኖ ዘጸግም ሃብቲ ዝተሰጋገረ፡ሓደ ኣብነታዊ ሰብ ኣሕ...
16/10/2026

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ

ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ(ኣባ-ሓበሽ) ካብ ረፋዕ ናብ ሚሊዮነር

ድሕረ ባይታ ኣባ-ሓበሽ

ኣብ ሃገርና፡ካብ ረፋዕ ናብ ክትኣምኖ ዘጸግም ሃብቲ ዝተሰጋገረ፡ሓደ ኣብነታዊ ሰብ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ወይ ብናይ ኣስመራ ናይ ልምዲ ኣጸዋዉዓ ኣባሓበሽ ይባሃል።
ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ካብ ኣቡኡ ዑቤድ ብሓበሽን፡ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዘይነብን ኣብ ከባቢ 1879 ተወሊዱ።ኣባሓበሽ ጌና ብንእስነቱ ኣብ ኣስመራ ዝመጸ፡ትሑት መነባብሮ ዝነበሮ የመናዊ እዩ።ካብ የመን ድማ እቶም ብጀበሊ ዝልለዩ ዓሌት ካብኦም እዩ።ንዝነበሮ ትሑት ናይ መነባብሮ ሂወት፡ንኽቕይር ኣሃዱ ቢሉ ስራሕ ርፍዕና ተተሓሓዞ፡ኣብ ትሽክም ድርብይ ሓያሎ እዋን ከርተት ምስ በለ፡ከርፋሕ ናብርኡ በብቑሩብ ክቕይሮ ጀመረ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ሂወቱ፡ተጨራቓይ፡ተዋዛያይ ከም ዝነበረ ገለ ፈለጥቱ የዘንትዉ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ርእሲ ስርሑ ሰሓቓይን ተጻዋታይን ኔሩ።ሞትን፡መቓብርን እዩ ዋዛ ዘየድልዮ እምበር፡ሂወት እኮ ፍቕሪ እያ፡ሂወት እኮ ሰሓቕ እያ፡ሂወት ትልሂት እያ፡ሂወት ትዉፊት እያ፡ይብል ኦሾ ብዛዕባ ዕቱብነት ኣብ ሂወት፡ልክዕ ከም ሓጻዉን ናይ ማሕቡስ ስለዝኾነ ዓነው ነብሎ፡ክንስሕቕ ኣለና፡ዕትበት ኔው ንበሎ ክብል እንከሎ ኦሾ፡ክሳብ ክንደይ ሰሓቕ ንሂወት ጌጽ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።ቀጻሊ ንሰሓቕ ክድጉል ኣለኒ፡ከርእዮ የብለየን፡ክጸቕጦ ኣለኒ ትብል እንትኼንካ፡ኣብ መወዳእታ፡ጋህሚ ናይ ሰሓቕ እዩ ዘጓንፈካ ይብል ነበረ ኣባ-ሓበሽ።፡ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ንሂወት ምስቲ ሓያል ዘይሕለል ሓርኮትኮቱ፡ዋዛ እናተዋዘየን፡ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እናተሳሓቐ እዩ ጉዕዞ ሂወቱ ዛዚምዎ።ከምቲ ሓደ ጎበዝ፡ሓደ ኣቦ ኣብ መንገዲ ምስ ረኸብዎ፡ማሰ ዲኻ ትብል ማሳ ኢኻ ትወቅዕ ምስበልዎ፡እቲ ጎበዝ ትቕብል ኣቢሉ፡ኣነ ዳኣ ማሳ እናወቓዕኩ እየ፡ማሰ ዝብል በሎም እሞ፡እቶም ኣቦ ድማ እዚኣ ኻኣ ግርም በልዎ ይባሃል።እዚ ድማ ዕዮኻ ብግቡእ እናዓመምካ፡ዋዛን ሰሓቕን ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።ኣባ ሓበሽ ድማ ሓርኮትኮቱ ከየማሕደገ፡ተዋዛያይን፡ተጻዋታይን ምንባሩ ፈለጥቱ ምስሉ ብምዝካር የዕልሉ።

ኣባ-ሓበሽ ኣብ ንግዲ

እዚ ስራሕ ዝትእምርቱ ኣባሓበሽ፡ድሕሪ ምርፋዕ እቲ ዉህበት ረቢ ዝኾነ፡ሞያ ኣቦታቱ ንግዲ ጀመረ።ጽርግያ ኣስመራ ባጽዕ ከይተሰርሐ እንከሎ፡ብመጽዓኛን፡ሓይሊ ሰብን ብምጥቃም፡ካብ ማሳዋ ናብ ኣስመራ ብብዝሒ ጅንጅብል እናምጸአ፡ክነግድ ጀመረ።ጽቡቕ ጠመተን፡ምስትዉዓልን ናይ ንግዲ ዝነበሮ ብሓበሽ፡ኣስመራ ብጅንጅብል የዕለቕለቓ።ንኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ መን ምዃኑ ካብ ዘፍለጦ፡ሓደ ካብ ዓይነት ቀመማት ጅንጅብል እዩ።ብልዑል ናህሪ፡መኽሰብን መኽሰባትን እናደለበ፡ናይ መወዳእታ ጫፍ ናይ ሃብቲ ተንከፈ፡፡ንሂወት ኣብ ርእሲ ብርቱዕ ጻዕሩ፡ ብሳሓቕን፡ዋዛ እናመቀራ እዩ ኣባ ሓበሽ ዉሃ ዘበለ ሃብታም ኮይኑ።

ኣባ-ሓበሽ ወናን ብዙሕ ህንጻታት፡መሐበሪ ቦታን

ኣብ ማእከለ ከተማ ዘሎ ገዛዉቲ ብዓብላልነተ ክዉንን ጀመረ።ካብ ጻት ንጻት ኣስመራ፡ኣባሓበሽ፡ኣባሓበሽ ኣበለ።ስሙ ፈቀድኡ ክላዓል ጀመረ፡ ጥቓ ባሕቲ መስከረም ዘሎ፡ክሳብ ሕጂ ብፓላሶ ኣባሓበሽ ዝፍለጥ፡ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሎ፡ክልተ ዓበይቲ ፓላሶታት፡ባር ኪትካት ዘሎ ህንጻ ብዋንነት ኣባ ሓበሽ እዩ ዝፍለጥ።ካልእ እዉን ንሞፍቲ ኤርትራ ዝተረከበ ገዛዉቲ ከምዘለዎ እዩ ዝሕበር።ኣባ ሓበሽ ኣብ ኣስመራ መሐበሪ ቦታ እዩ፡ጥቓ ፓላሶ እንዳ ኣባ ሓበሽ፡ካብ እንዳ ኣባ ሓበሽ ሳልሰይቲ ኣንጎሎ ሕልፍ ኢልኪ ወዘተ እናተባህለ ክሳብ ሎሚ፡ከም ቀንዲ መሐበሪ እዩ ስም ኣባ ሓበሽ።ዝኾነ ዝዓኾኸ ስም ኣባ-ሓበሽ ዘይፈልጥ የለን በተን መሐብሪ ኮይነን ዘለዋ ህንጻታቱ፡፡

ኣባ-ሓበሽ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ

ሓደ ሰብ ግን ተዘካሪ ዝገብሮ፡ብዝዉንኖ ቆዋሚ ህንጻታት ኣይኮነን፡ኣባሓበሽ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከመይ ኔሩ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ይመስለኒ።ክንደይ ኣለዉ እንዶ ብዝዉንንዎ ህንጻታት ዝፍለጡ፡ዛንትኦም ክላዓል እንከሎ ዘስገድግደካ፡እገለ ኣዝዩ በቃቕ እዩ፡ብማይ ጽምኢ ክትመዉት ደሊኻ ኩባያ ማይ ኣይህበካን እዩ፡እገለ ድኻታት ክጸልእ ማዓት እዩ፡ክጻረፍ እንከሎ እዉን ወዲ ሸዉዓተ ድኻ እናበለ እዩ ሰራሕተኛታቱ ዝዝልፍ እናተባህለ ይዕለል እዩ።እገለ ኣብ ክንዲ ንድኻታት ዝሕግዝ ኣሻሓት ኣቕራሽ ኣብ ባራት ዝቐድድ እዩ።እገለ ምራቑ ኣብ ገጽ ጽጉማት ጺቕ ዝብል ብድዐኛ እዩ እናተባህለ ክንገረሎም ንሰምዕ።ገለ ሃብታማት እዉን ዉራይ ክገብሩ እንከለዉ፡ሕምቕ ዝበለ ክዳን ንእተኸድነ፡ብጽያነ ብምሓዝ ነዉኒዎም ካብ ዳስ ዘዉጽኡ ብድዐኛታት ኣለዉ።ገለን ድማ ፈጺሞም ዓጽመ-ስገኦም ዝፍንፍኑ፡ንሓዎም ወደብኦም ወደዲኦም ኣይሓወይን እዩ ዝብሉ፡ዘመድ ሓመድ፡ሓዊ መንደዲ ሓዊ እናበሉ ዝዛረቡ ፈቐድኡ ኣለዉ።

ናይ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሃልዩ፡ኣዝዩ መኽበሪ ሰብ እዩ። ከምቲ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ድማ፡ጸጋመይቲ ኢድካ ክትህብ እንከላ የማነይቲ ኢድ ክትፈልጥ ወይ ክትርኢ የብላን ዝብል ብግብሪ ኣብ ኣባሓበሽ ኢኻ ትሪኦ።
ዓረብ ክምስሉ እንከለዉ፡ኢድካ ንድሕሪት ደርብያ ቀዲማ እያ ትጸንሓካ ዝብል፡ወርቂ ዝኾነ ምስላ ኣሎ።ከምቲ ኣብ መጻሓፍቲ ቡድሃ ዝርከብ ኣባሃህላ እዉን፡ንዝኾነ ጽጉም ክትሕግዝ ኣለካ፡ክትሕግዞ ዘይትኽእል እንተኼንካ ግን፡እንተወሓደ ከይትጎድኦ ዝብል ገዚፍ ልቦና ዝሓዘለ ብህሎ ዳላይሌማ፡እዚ ኣስላማይ እዚ ክስታናይ ከይበለ፡ነታ ረቢ ዝፈጠራ ናይ ማንም ሰብ ሂወት ኣብ ምሕጋዝ፡ላዕልን፡ታሕትን ብምባል ዝፍለጥ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ኣብ ኣስመራ ኣብነታዊ ሰብ እዩ።

ኣባ-ሓበሽ ኣብ ምስራሕ ቤት ትምህርቲ ጃልያ

ትምህርቲ መግቢ ኣእምሮ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ኣሕመድ ኣባሓበሽ፡ዝኾነ ወላዲ ዉላዱ ንኸምህር ቤት ትምህርቲ የድልዮ ዝብል ንጹር ርድኢት ዝነበሮ ሰብ እዩ።ነቲ ካብ ስድርኡ ፍልይ ኢሉ ክማሃር ዝኸይድ፡ቤት ትምህርቲ እዩ ጽቡቕን፡ሕማቕን ዘፍልጦ፡ሓደ ህጻን ድማ፡ናይ ስድራ ቤቱ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ናይ መምሃራኑን፡መማህርቱን ፍልጠት ብምክፋል፡ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ንኽህልዎ፡ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ሓጋዚ ሮቃሒ እዩ ዝብል፡ኣባ ሓበሽ፡ኣብያታ ትምህርቲ ምስራሕ ዓቢ ባህጊ ነበሮ።መርኣያ ናይዚ ድማ፡ኣሕመድ ኣባሓበሽ፡ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ንኽስራሕ፡ሓደ ካብቶም ዝላዓለ ኣበርክቶ ዝገበረ ባዓል ጸጋ እዩ።ኣብ ምምስራት ናይ ጃልያ ኮሚኒቲ፡ልዑል ተራ ዝነበሮ፡ከም ኣቦ ወንበር ተመዚዙ፡ብጽፈት ስርሑ ዘሰላስል ዝነበረ፡ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ነዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ፡ቤት ትምህርቲ ጃልያ ብገንዘቡን፡ጉልበቱን ኣተሓሳስብኡን፡ልዑል እጃም ዝነበሮ ሰብ እዩ።እዚ ብኮሚኒቲ ጃልያ ዝተጀመረ፡ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ፡ኣብ ዞባታት ዘለዋ ከተማታት፡ከም ደቀ-ኣምሓረ፡ኣቁርደት ወዘተ ጨንፈራት ብምኽፋት፡ቋንቋ ዓረብ ምምሃርን፡ብኡ ኣቢልካ ድማ እቲ ኮሚኒቲ ምስ ምንቅስቃስ ሓራካ፡ድልዱል ርክብ ስለዝነበሮ፡ንተማሃሮን፡ወለዲ ተማሃሮን፡ንነጻ ኤርትራ ዝጉስጉስ ጽዑቕ ኣስተምህሮ ይህብ ምንባሩ፡ኣብ ጋዜጣ ኤርትሪያ ኣልሓዲሳ ብዕለት 3 ወርሒ 10 2008 ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ ይሕብር።እቶም ገዛእቲ ሓይልታት፡ነታ ቤትምህርቲ ብዘይካ ቋንቋን፡ትምህርትን፡ካልእ ኣበር የብላን ብምባል፡ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ሃገራዊ ጎስጓስ የስተብህልሉ ኣይነበሩን።ንሙሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ኣሳእላት ኣተሓሒዘ ከቕርቦ እየ።ቤት ትምህርቲ ጃልያ ኣትዩ ዝወጸ ተማሃራይ፡ዓረብ ከም ከብዲ ኢዱ ገላቢጡ ፈሊጥዎ እዩ ዝወጽእ፡መብዛሕቶም ኣብ ጃልያ ተማሂሮም ዝወጹ፡ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ኣለዉ።ሓደ ወዲ ሰብ እቲ ጉቡእ፡መንፈሳዉን፡ዓለማዉን፡ትምህርቲ፡እቲ ንፍቕሪ ዝደፍእ፡ኣብ ሓድሕድ ምትሕቑቋፍ፡ንምድግጋፍን ኣተኪሩ ብዝምህር ቤት ትምህርቲ ዝሓለፈ፡ኣብቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ፡ሕልና ዘለዎን፡ኣበርክትኡ ክንዮ ማንም ዕዙዝ ምዃኑ ምርድኡ ኣሸጋሪ ኣይከዉንን።ወዲ ሰብ ከም ቤት ትምህርቱ እዩ እኳ ዝባሃል።ንኣብነት እዚ ናይ ዉንጌድ ተማሃራይ እዩ ክባሃል እንከሎ፡ብኹለንትንኡ ብሉጽ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሕድረለካ።ኣብዚ እንታይ ንርኢ ተራ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ኣብ ምህናጽ ሃገርን፡ሕብረተሰብን ዘለወን ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ እዩ።ኣባ ሓበሽ ነዚ ብምርዳእ ኣብ ጃልያ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣብ እምነ በረድ ተጻሒፉ፡ኣብ ዉሽጢ ጃልያ ዘሎ፡ብስእሊ ደረጃ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፡፡ኣብ ኣሳእላት ብምርኣይ ነቲ ጽሑፍ ክንርእዮ ንኽእል።

ኣባ-ሓበሽ ኣብ ምግዛእ መቓብር ተኸተልቲ ምስልምንስ

ኣብ መፈጸምታ፡ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ፡ሓመድ ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ ዝብሎ፡ዝኾነ ወዲ ሰብ ኣብዛ ግዝያዊት ዓለም፡ጉዕዝኡ ምስ ዛዘመ፡ናብ ሓመድ ዝምለሰላ መዕቆቢ መካነ-መቓብር የድልዮ።ብምቕጻል ነዛ ኣብ ትሕቲ ሓዝሓዝ ዘላ መቓብር ኣስላም ኣስመራ፡መዕረፊ ብዙሓት ነፍሳት ንኽትከዉን ኣባ ሓበሽ ነዛ መቓብር ንኽትዕደግ፡ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን፡ዝገበሮ ኣበርክቶ እዚ ዘይባሃል እዩ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ነበርቲ ኣስመራ ዓቢ ክብሪ እዩ ኔርዎ፡መርእያ ናይዚ፡መቓብር ኣባ ሓበሽ ንኽርኢ ናብቲ መኻነ-መቓብር ምስ ከድኩ፡ሓደ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ ጸኒሖምኒ፡መቓብር ኣባሓበሽ ደልየ ምስበልክዎም፡ስንብድ ሕጉስ ኢሎም፡ስም ዓቢ ሰብ ኣልዒልካ ብምባል ሒዞምኒ ናብቲ መቓብር ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ወሲዶምኒ፡ኣብቲ መቓብር ምስበጻሕና፡ናዓይ ድማ ኣብ ጎኒ መቓብር እዚ ብሩኽ ሰብኣይ ሰኣለኒ ብምባል እዮም ኣብ ልዕሊ ኣባ-ሓበሽ ዘለዎም ክብሪ ገሉጾምለይ፡፡

ኣባ-ሓበሽ ኣብ ምሕጋዝ ጽጉማት

ኣባሓበሽ ማእለያ ዘይነበሮም ሰባት ዝሕግዝ።ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብዙሕ ዘይድቅስ ሰብ እዩ ኔሩ።ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዳኣ ናበይ፡እንታይ ሚስጢር ስለዝነበሮ እዩ፡ወይስ ኣጸምዩ ምንፋስ ስለዝብርሆ፡ክናፈስ ድዩ ለይቲ ምድሪ ንግዳም ዝወጽእ፡ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እንታይ ኣሎ ድዩ ግዲ፡ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምጽእ ምጽእ ይብሉኻ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ ለይቲ ክኾልል ዝሓድር፡ሰብ ከይራኣዮ ሰናይ ተግባራት ንምፍጻም ድማ እዩ።ገለን ኣዝዩ ቁንጣሮ ነገር ገይሮም፡ኣጋኒኖም ብምዝራብ፡ኣነ ንእገለ ከምዚ ጌረሉ፡እናበሉ ፈቐድኡ ጀሃርሃር ዝብሉ ኣለዉ።ዘይከምዞም ዝጃሃሩ ኣባ ሓበሽ ንኹሎም ግዳም ሓደር፡ደቂሶም እንከለዉ ከይረኣይዎ፡ክርስትያን፡ኣስላማይ ከይበለ፡ሓሓደ ኮቦርታ እናደረበ፡ብትርኣሶም ገንዘብ እናቐመጠ ብለይቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየላልዮ ጸላም ከዉሊ ብምግባር፡ሰናይ ተግባራት ዝገብር ዝነበረ፡ፈሪሃ ረቢ ዝነበሮ ኣዝዩ ብሩኽ ሰብኣይ ነበረ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ።እቶም ግዳም ሓደር መን ይህቦም ከምዝነበረ እዉን ጥርስ ኣይፈልጡን እዮም።ናይ እዝጊ፡ናይ ረቢ ዳኣ ተሓቢእካ ምሃብ እዩ፡የማነይቲ ኢድ ክትህብ እንከላ እኳ፡ካብ ጸጋመይቲ ኢድ ትሕባእ፡ኣባ ሓበሽ ጸላም ከዉሊ ጌሩ ጽጉማት ዝረድእ ዝነበረ ኣቦ ድኻ እዩ።
ኣብ ኣስመራ ግዳም ሓደር ቁሪ ክሕለቡ እንከለዉ፡እቲ ናዓቶም ዝረኽቦም ቁሪን፡ጥሜትን ብሕልና ኣባ ሓበሽ ይካፈሎ፡ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኣባ ሓበሽ ለይተ-ለይቲ ዳርጋ ዘይድቅሶ ይበዝሕ ኔሩ።ቁዱስ መጽሓፍ ሃብ ክህበካ እዩ ዝብል።ገለን ሃብታማት ብመንጽር ኣባ ሓበሽ ክትሪኦም እንከለኻ፡ይትረፍ ንጽጉም ሰብ ክሕግዙ፡ነዛ ነብሶም ዝበቁላ ጽቡቕ ከይበልዑ፡ጽቡቕ ከይረገጹ፡ምእካብ ሰልዲ ዝብል ሕማም ስለዘለዎም፡ክንደይ ክንደይ እንድዮም።ንሶም ከይተጠቕሙ፡ነቲ ዘቐመጥዎ ገንዘብ ምስ ሞቱ፡ደቆም ብገንዘብ ናቶም ዝፋለሱ፡ፈቐዶ ቤት ፍርድን፡ገለን ኮለል ዝብሉ፡ኣረ ገለ ገሊኦም ሲ ብንብረት ኣቡኦም ዝቃተሉ ብዙሓት እንድዮም።ዋላ ሃብትኻ ክስስን፡ዘልዓልካዮ ክምልኣልካ፡ለጋስ ክትከዉን፡ዘለካ ክተካፍል፡እዚ ዋዕዲ እዩ፡እዚ ዋዕዲ እዚ ድማ፡ናይ ብሩኻት ሰባት ትእምርቲ እዩ።

ኣናህብ ኣባ-ሓበሽ

እልቢ ዘይብሉ ቆፎታት መስፈር ንህቢን፡ኣናህብን፡ዝነበርዎ ኣሕመድ ዑቤድ ኣባ-ሓበሽ፡ሓደ ግዜ እንተስ ሓመድ ጨኒዎም፡እንተስ ሽቱ ፈረንጂ ሸቲትዎም ካብ ቆፎኦም ተቖጢዖም ወጺኦም ምእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ነደፉ፡፡ንህቢ ኣባ-ሓበሽ ወዱኡና ዝብል ወረ ኣብ ኣስመራ ተነዝሐ፡፡ኣባ-ሓበሽ በቲ ኣናህቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ ተግባራት ፈጺሙ ሓዘነ እሞ፡መልእኽቲ ሰዲዱ ንኹሎም ብአናህቡ ዝተነኽሱ ክኽሕስ ምዃኑ ተዛረብ እሞ፡ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝተነኽሰን፡ዘይተነኽሰን፡መስርዕ ጌሩ ካሕሳ ካብ ኣባ-ሓበሽ ተቐበለ፡፡ሓደ ዝፈልጦ ሰብ እኳ ሕጂ ወዲ 70 ዓመት ኮይኑ ዘሎ፡ከይዱ ካብ ኣባ-ሓበሽ ካሕሳ ከም ተቐበለ ነጊሩኒ፡፡

ኣባ-ሓበሽ ምስ ፍሉጥ ማፍያ ኣብርሃ ታሌሮ

ኣባ-ሓበሽ ኣብ መስጊድ ኣትዩ ክሰግድ እንከሎ፡ኣብርሃ ታሌሮ ቀምሽ ዓረብ ወድዩ ኩፍይት ኣብ ርእሱ ኣምቢሩ ከም ባዓል ደሓን ዝሰግድ ሰብ ኮይኑ ኣተወ እሞ፡ጥቓ ኣባ-ሓበሽ ቦታ ሒዙ፡ንአባ ሓበሽ ትንክፍ ኣበሎ፡፡ኣባ-ሓበሽ ነቲ ፍሉጥ ማፍያ ኣብርሃ ታሌሮ ይፈልጦ ስለዝነበረ ልቡ ሰተት ክትብል ደለየት ብስንባደ፡፡ሰዓት ኣርባዕተ ገዛኻ ክመጽእ እየ ክንድዚ ሰልዲ ቀሪብካ ትጸንሕ፡ኣይኮነን ክቐትለካ እየ በሎ፡ኣባ-ሓበሽ ብፍርሂ ሕራይ በለ፡፡ኣብ ገዝኡ እቲ ዝደለ ሰልዲ ቀሪቡ፡ኣብርሃ ታሌሮ ሰልዱ ክዘምቶ ይመጽእ ከምዘሎ ንፖሊስ ሓበረ፡፡ፖሊስ እዉን ከባቢ ሰዓት 4፡00 ንቤት ኣባ-ሓበሽ ከበብዋ፡፡ኣብርሃ ታሌሮ ጭሕሚ ኣርተፍሻል ለቢሱ ክዳን ሓጂ ተኸዲኑ፡ኣረጊት ሰብአይ ተመሲሉ፡ነቶም ዝሕልዉ ዘለዉ ፖሊስ ኢድ ነሲኡ ኣተወ፡፡ፖሊስ ንአብርሃ ታሌሮ ዘይፈልጥ ኣይነበረን፡ፍጹም ጋገይዎ እሞ፡ካልእ ሰብ ሽማግለ እዩ ኢሎም የእተዉዎ፡፡ኣባ-ሓበሽ ዘይተጸበዮ ረኸበ፡፡ኣብርሃ ታሌሮ ብገመድ ጌሩ ንአባ-ሓበሽ ኣብ ወንበሩ ኣሰሮ፡፡ኣፉ ድማ ብጨርቂ ጌሩ ኣሰሮ፡፡ኣባ-ሓበሽ ነተን ሰልዲ ቀሪብዎን ስለዝጸንሐ፡ኣብርሃ ታሌሮ ገንዘብ ሒዙ ነቶም ፖሊስ ሰላም ኢሉ ከደ፡፡ፖሊስ ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኮነ ኣብርሃ ኣይመጽእን እዩ ደዉለልና ክብሉ ናብ ኣባ-ሓበሽ እንተኸዱ ተአሲሩ ጸነሖም፡፡ፍጹም ሰንበዱ፡፡መን ኣሲሩካ በልዎ፡፡ኣባ-ሓበሽ ኣብርሃ ታሌሮ ኣሲሩኒ፡እቲ ዝደለዮ ሰልዲ ድማ ሒዙዎ ከይዱ በሎም፡፡ሸኽ ተመሲሉ ንፖሊስ ከም ተጻወተሎም ፈለጡ እሞ፡ፖሊስ ዕብድ ጽልል በሉ፡፡

ዕረፍቲ ኣሕመድ ዑቤድ ኣባ ሓበሽ

ሰብ ንብር ኔሩ፡ቢሉ ቢሉ መልበቡ ሞት እንድዩ፡ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ኣብ ከባቢ ሰማንያ ዓመቱ፡ብ21 ጥቅምቲ 1959 ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።ኣባ ሓበሽ ምስ ሞተ፡ሓመድ ግዳም ቀባራይ እዩ፡ግምጥል ኢሉ ናብ መካነ መቃብር ሸኽ ኣልአሚን ኣስመራ ዕልቕልቕ ብምባል ነዚ ክቡር ኣቦ ሓመድ ኣልቢሱ ዘፋነወ።ህዝቢ ኣስመራ፡ ዝፍሪ ዝፋር ንብዓት እናነበዐ ነቲ ፍትው ወላዲ ኣፋነዎ።እዞም ኩሎም ድኻታት፡ኣቦና ሞይቱ እናበሉ ዕብድ ጽልል በሉ።ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ድሕሪ ቀብሩ፡እዚ ዘይባሃል ወረ ተንዝሐ።ገለ ካብቲ ወረታት፡
መቓብር ኣባ ሓበሽ ለይቲ ለይቲ ንበይና ብርሃን ዓሲልዋ፡ጸዳል ብርሃን ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣባሓበሽ ለም ኢሉ፡መቓብሩ ብቡርቱዕ ብርሃን ወገግ ኢላ፡ክዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ልዕሊ መቃብር ኣባሓበሽ ጥራይ ኣቕኒኖም፡ብለይቲ ብማዕዶ ኬንካ መቃብር ኣባ ሓበሽ በሪሃ እንከላ ክትሪኣ ትኽእል፡ዝራኣይዋ ሰባት የዕሊሎም፡እቲ ብርሃን መሎኮታዊ እዩ ጨረርትኡ ካብ ሰማይ ናብቲ መቓብር ብጋህዲ እዩ ዝረኣይ፡ጸዕዳ ዝተኸድኑ መላእክቲ ድማ በቲ ብርሃን ኔው ነጀው ክብሉ ይራኣዩ፡መቓብር ኣባሓበሽ ለምሊማ፡ማይ ዛርያ፡ብቕጽበት ሓንቲ ንእሽቶ ገረብ ኣቡቂላ፡እዛ ገረብ እዚኣ ሓጋይ ምስ ክረምቲ ኣይትነቅጽን እያ፡ወትሩ ለምለም እያ፡እዚ ዓቢ ገጸ በረከት ናይ ረቢ ንኣሕመድ ዑቤድ ኣባሓበሽ እዩ፡እናተባህለ ብዛዕባ ኣባሓበሽ ኣብ ኣስመራ ነዊሕ ተዘርበ።ኣስመራ ብዕላል ኣባ ሓበሽ ተናወጸት፡ድሕሪ ሞት ኣባሓበሽ፡ስሙ ንላዕሊ ጸለል በለ፡ስግኡ ክቕበር ስሙ ንላዕሊ ዝዓርግ፡ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከም ቀስተ-ደበና ብዝተፈላለየ ሕብሪ ስሙ ክኹላዕ፡ተሰምዐን፡ተራእየን።ስም ገለ ሃብታማት ሓመድ ክለብሱ እንከለዉ፡ስሞም ድማ ምስኦም ይቕበር፡ከምዘይነበረ ስሙ እኳ ኣይላዓልን፡ከመይሲ ቀሪም ዘይብሉ፡ድሕሪ ሞቱ ዋላ ማይ ሒፎ እንተረኸበ፡በየን ኣቢሉ ክጭብጭብ፡ኣብ ከዉሒ እተዘርአ ስም ንዋያ እንዳኣሉ ዝጠፍእ።
ብእወንታ እናልዓልካ፡ስም ባዓል ዉዕለትካ ምዉራቕ፡ዓንዱ ዓንዲ ወርቂ፡መሳኹቱ ብሩረ፡ብራና ልቡ፡ኣማዕዲኻ ዝልለ፡እናበለካ ንገባሪ ሰናይ ስሙ ምዉዳስን፡ኣኽብሮትካ ምግላጽን መግለጺ ሓደ ጭዋ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ኣሕመድ ዑቤድ ኣባሓበሽ ስሙ ከምብሓድሽ ተላዕለን፡ተወደሰን፡፡ኣባ ሓበሽ፡መሕደር ሽሕ፡ናባዩ ኣእላፍ ኔሩ፡እሞ ከምዚ ኢልካ ክብሪ ምሃብ፡ከም ኢድካ እዩ።ኢድ ኣባ ሓበሽ፡ክትህብ ትምናዕ፡ረብሪበ ዘይትብል፡ኣባ ሓበሽ ዝሓለፎ ድኽነት ዘይርስዕ፡ካብ ድኽነት ተናጊፉ፡ተመሊሱ ድኻታት ዝረድእ፡ብሉጽ ሰብ እዩ ኔሩ።ሕብረተሰብ ድማ እንተኣኽቢርካዮ፡ኣብ ዕለተ ሞትካ ኣብ ርእሱ እዩ ዝሰቕለካ፡ስም ከዋኒኡ ጠቐር ከይጽየቕ ይከናኸን፡ኣይትምጽኡኒ ብእኡ ብምባል ስሙ ብከንቱ ክላዓል እንከሎ፡ከም ቆፍኡ እተተንከፈ ንህቢ፡ጸርጸር ኢሉ፡ንመቆናጸብቲ ንኽነድፍ ድልዊ ይኸዉን።ኣባ ሓበሽ የመናዊ ክንሱ፡ወዲ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ።ኩሉ ነገራቱ ብወዲ ሰብ ዝሓሊ፡ዉጹእ ኣርሓ ስለዝኾነ እንሆ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ብጽቡቕ እናተዘከረ ይነብር።
ብዛዕባ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ሓበሬታ ደልየ ላዕልን፡ታሕትን ካብ ዝብል ድሮ ክልተ ወርሒ መሊአ ኣለኹ።መብዛሕትኡ ፈላጢ ኣባ ሓበሽ ብታሕጓስ እዩ፡ሓበሬትኡ ሂቡኒ።ኣብ መፈጸምታ ቀረባ ፈለጥቱ ብምርካብ ነዚ ሓበሬታ ክእክብ ክኢለ ኣለኹ፡ንመስዑድ ዓብደላ ስለ እቲ ዝሃበኒ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፡ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሓዮ፡ወዲ ጀበሊ እዉን ካብኡ ብዘይንእስ ንዝሃበኒ ሓበሬታ የመስግኖ።

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡16-10-2026
ኣስመራ

ዜና ዕረፍቲ ጋሩንቻዉሩይ ተጻዋታይ ኩዕሱ እግሪ ናይ ጋንታ ሓማሴን ዝነበረ፡ማይ ካብ እዝጊ ጎል ካብ ተኽለዝጊ እናተባህለ ዝምሰለሉ ዝነበረ፡ወናኒ ሚስተስ ሆቴል ኣቶ ተኽለዝጊ ተስፋእዝጊ(ጋሩንቻ...
15/10/2026

ዜና ዕረፍቲ ጋሩንቻ

ዉሩይ ተጻዋታይ ኩዕሱ እግሪ ናይ ጋንታ ሓማሴን ዝነበረ፡ማይ ካብ እዝጊ ጎል ካብ ተኽለዝጊ እናተባህለ ዝምሰለሉ ዝነበረ፡ወናኒ ሚስተስ ሆቴል ኣቶ ተኽለዝጊ ተስፋእዝጊ(ጋሩንቻ) ኣብ መበል 84 ዕዲሚኡ ዓሪፉ፡ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣብ ዓዱ ኣርባዕተ-ኣስመራ ሎሚ ዕለት 15-10-2026 ሓመድ ኣዳም ለቢሱ፡፡ንስድራ ቤት መዋቲ ጽንዓት ይሃብ፡፡ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ገጻት ፈይስ ቡክ ዝዘርጋሕክዎ ታሪኽ ሂወት ጋሩንቻ ስዒቡ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ
"ማይ ካብ እዝጊ፡ጎል ካብ ተኽለዝጊ

ሓጺር ድሕረ ባይታ
፡ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ተስፋዝጊ ኩዳነን፡ወላዲቱ ወይዘሮ ጽገወይኒ ጉርጃን ኣብ 1942 ዓመተ-ምህረት ኣብ ዝግብ ተወሊዱ፡፡ዋላ እኳ መቦቂል ዓዱ ኣርባዕተ-ኣስመራ እንተኾነ ኣብ 1942 እንግሊዝ ናብ ኤርትራ ዝአትወሉ ዝነበረ ግዜ ምስ ጥልያን ብርቱዕ ዉግእ የካይድ ስለዝነበረ፡ስድርኡ ንኽዕቆቡ ካብ ዓዶም ናብ ዓዲ ወላዲቱ ንዝግብ ስለዝሃደሙ፡ተኽልዝጊ በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ ዝግብ ተወሊዱ፡፡፡ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ መባእታን ማእከላይን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሕብረት ክማሃር እንከሎ፡ካልአይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ፡፡

ኩዕሶ እግሪ ብኸመይ ጀመረ

ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ተኽለ-ሰዉነቱ ንኹዕሶ እምበር ንኻልእ ኣይተሰርሐን፡፡ቆማት፡ድልዳለ ናይ ኣካላት ዝነበሮ፡ጌና ብንእሽትኡ ክቱር ናይ ኩዕሶ ባህጊ ስለዝነበሮ ኣብ ገዝኡ ድስትታት እናቐለዐ፡ምስ ቆልዑ ገዛዉቱ ማለት ምስ ደቂ ገዛዉቱ ብኩዕሶ ጨርቂ እናተጻወተ እዩ ዓብዩ፡፡ድሕሪ እዚ ናብ ኪዳነ-ምህረት ብምኻድ ኣብ ሹቕ ኩዕሶ ክጻወት ጀመረ፡፡ድሕሪ ጸወታ ናይ ኪዳነ ምህረት ብዙሓት ሰባት ብዝነበሮ ዉሕሉል ክእለት እዚ ሓያል ተጻዋታይ ክኸዉን እዩ ብምባል ጽቡቕ ምንዮት ተመንይሉ፡፡ተኽለዝጊ ንዝነበሮ ክእለት ከዕቢ ናብ ገዲል ናብ ፎሮቭያ ኣተወ፡፡ኣብተን ጋንታታት ናይ ገዲል D,E,F ዝባሃላ ዝነበራ ብምእታው ክጻወት ጀመረ፡፡ኩሉ ኣተሓሕዛ ኩዕሽኡ፡ምልከቱ፡ዉሕሉል ናይ ምክፍፋል ጥበቡ ተሪር ቅልዑ፡ንቦርቴላ ካብ ርሑቕ ቅላዕ ዘሸግር ብምዃኑ ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ጋንታታት ኣተወ እሞ ሽዑ ንሽዑ ናብታ ዓባይ ክለብ ጋንታ ሓማሴን ተሸይጡ ተጸንበረ፡፡

ጋሩንቻ ኣብ ጋንታ ሓማሴን

ጋንታ ሓማሴን ንተኽክዝጊ ጋሩንቻ ኣብ ሕቁፉአ ምስ ጸንበረት፡ኣብ ምክፍፋልን፡እናከፋፈልካ ምጥቃዕን መትሓዚ ተሳእና፡፡ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ምርኡይ ኣከፋፋላይ ኮይኑ ኣብ ዝተጻወቶ ግጥም ልዑል ናእዳ ካብ ታዓዘብትን፡መወዳደርቱን ክረክብ ጀመረ፡፡ልዕሊ ኩሊ ጋንታ ሓማሴን ጎል ምእታው ክትስእን እንከላ ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ካብ ርሑቕ እናወቐዐ ብምምዝጋብ ዓወታት ከም እትሓፍስ ይገብር ስለዝነበረ ንጋንትኡ፡ቲፎዞ ሓማሴን ኣብ ማእከል ሜዳ ስሙ እናልዓሉ ክደርፍሉ ጀመሩ፡፡፡ገለ ካብቲ ናይ ሽዕኡ ደርፍታት ንተኽለዝጊ ጋሩንቻ ዝተደርፈ ንምጥቃስ ዝአክል፡"ማይ ካብ እዝጊ ጎክል ካብ ተኽለዝጊ"ዝብል ፍሉጥ ደርፍን ብህሎን ናይ ሱሳታትን፡ፈለማ ሰብዓታትን ነበረ፡፡ኣብ ኤርትራ ብቕጽበት ስሙ ስለዝተወረየ ኣባል ጋንታ ሕርይቲ ክፍሊ ሃገር ኤርትራ ንኽኸዉን ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ጋንታ ክፍሊ ሃገር ኤርትራ ኣብ ሕቁፍአ ኣዝዮም ብርቱዓት ተጻወቲ ስከዝነበርዋ ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ድማ ዝሓለፈ ክኢላ ብምንባሩ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመርጸ፡፡ብፍላይ ኣብ ጋንታ ሓማሴን ኣብ ዓመተ 1962/63 ጋሩንቻ ተሪኽ ዝሰረሓላ ዓመት ስለዝነበረት ናይ እቲ ዓመት እቲ ብሉጽ ኣመዝጋባይ ሸቶ ተባሂሉ ክስለም እንከሎ፡ኣብቲ ግዜ እቲ ህቡብ ጋዜጠኛ ዝነበረ ተስፋይ ኣብ መጽሔት ዓወት ናይ እቲ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ ብምባል ንተኽለዝጊ ጋሩንቻ ስለዝረቖሖ፡ስም ጋሩንቻ ካብ ጻት ንጻት ኤርትራ ተጋወሐ፡ናብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ድማ ተባጽሐ፡፡ጋንታ ሓማሴን ከም ጋንታ ኤርትራ ትፍለጥ ስለዝነበረት ኣብቲ ግዜ እቲ፡ምስ ካልኦት ጋንታታት ናይ ኢትዮጵያ ክትጻወት እንከላ ዝርያ ናይ ደያኑ ብዝሒ የጋጥማ ስለዝነበረ እዚ ዝስዕብ ደርፊ ይድረፍ ነበረ፡፡
ቦርቴለ እንታይ ጌሩ
ቶርሲን እንታይ ጌሩ
ሪጎለ እናበሉ ሓማየ
ንኺድ ገዛናየ
እናተባህለ ይድረፍ ነበረ፡፡ቲፎዞ ሓማሴን ኣዝዮም ሕሉፋት እዮም ኔሮም፡፡ነታ ጋንታ ከምዚ የድልያ ኣሎ ምስ ዝሰምዑ፡ሃብታሞም፡ድኸኦም ሰልዲ ንምዉጻእ ድሕር ኣይብሉን እዮም፡፡ብፍላይ ኣገዳሲ ጸወታ ምስ ዝህልዋ ጋንታ ሓማሴን፡ኣብቲ ናይ ልምምድ ቦትአ ፎርቭያ ብምኻድ፡ኣብ ግዜ ልምምድ ተዓዛቢ ቲፎዞ ሓማሴን ካብ ጻት ንጻት ርግርግ ኢሎም ከተባብዕዎም እንከለዉ ነዚ እዩ ጋሩንቻ፡ንቲፎዞ ሓማሴን ከም ይሕዋትናን፡ኣቦታትናን ኮይኖም የተባብዑና ስለዝነበሩ ነዚኦም ሞሶኦም ንምምላስ ኣበርቲዕና ንጽዕር ኔርና ብምባል ምስ ሓንቲ ናይ ግሊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ጠቂሱ ኔሩ፡፡

ዝበርትዐ ጸወታ ኣንጻር ሱዳናዊት ጋንታ መሪኽ፡ጋሩንቻ ኸ እንታይ ገበረ?

ገለ ጋሩንቻ ካብ ዝዝክሮ ብርቱዕ ጸወታ፡ሱዳናዊት ጋንታ መሪኽ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ንኹለን ጋንታታት ስዒራ መትሓዚ ተሳኢንዋ ታሪኽ ኣብ ዝሰርሓትሉ፡ታሪኻ ንኽትውጽል ናብ ኣስመራ ምስ ጋንታ ሓማሴን ንኽትገጥም ኣብ ዝመጽአትሉ እዋን፡ጋንታ ሓማሴን ልዑል ምድላዋት ጌራ ተጸበየታ እሞ፡ኣብቲ ካብ ጻት ንጻት ስታድዮም ክሳብ ክፈርስ ዝደሊ ብዝሒ ተዓዛባይ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ጋንታ ሓማሴን ካብቶም ቅያ ንኽትሰርሕ ዝገበሩ ሓደ ጋሩንቻ እዩ፡፡ጋሩንቻ ኣብቲ ግጥም መትሓዚ ተሳእኖ፡፡ካብ 25 ሜትሮ ርሕቀት ብትሪ ዝቀላዓ ኩዕሶ ኣብ ሰክዔት ብዘገርም ፍጥነት ምስ ተጸንበረት ኩሉ ቲፎሶ ሓጎሱ ክገልጽ ኣብ ረርእሲ ተሓናገረ፡፡ሓማሴን ፍጹም ጸብለልታ ኣብ ልዕሊ ጋንታ መሪኽ ኣርአየት፡፡ጋሩንቻ መን ክሕዞ ካልይቲ ጎል እኳ ኣመዝጊቡ እንተነበረ፡ማእከላይ ዳኛ ዝነበረ ኣቶ ስዩም ታረቀ ጎል ኣይኮነትን ስለዝበላ ብዓወት ጋንታ ሓማሴን እቲ ጸወታ ሓደ ብባዶ ተዛዘመ፡፡ቲፎዞ ሓማሴን ሓጎሶም ምቁጽጻር ሰአኑ፡ብታሕጓስ ድማ ንዕዳጋ-ሓሙስ ናብ መንበሪ ቤት ስድራ ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ብምኻድ ጓይላ ገበሩ፡ስድራ ጋሩንቻ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጎሱ፡፡ሽዑ ኣብ ምሉእ ኣስመራ ደርፊ ዝነበረ"ሓማየ ፈዳይት ሕነየ"ዝብል ነበረ፡፡ኣብ ንጋንታ መሪኽ ዝተገብረ መፋነዊ ጽንብል እቲ ሓላው ልዳት ናይ ጋንታ መሪኽ፡ንጋሩንቻን፡ንማእከላይ ዳኛ ኣቶ ስዩም ታረቀ ብምጽዋዕ እታ ካልአይቲ ጎል ኣይኮነትን ዝተባህለት፡ሕንጻጽ ሓሊፋ እያ፡ካብ ድሕሪ ሕንጻጽ እየ መሊሰያ ስለዚ ጎል እያ፡፡ጋንታ ሓማሴን ክልተ ብባዶ እያ ስዒራትና፡ኣብ ሱዳን ሕነና ንፈዲ ንኸዉን ንሻአላህ ከምዝበለ ጋሩንቻ ኣብ ቃለ-መሕትቱ ጠቂሱ ኔሩ፡፡

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ምስ ጋንታ ሓማሴን ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ዋንጫታት ከም ዝዓተረ ባዕሉን፡ፈለጥቱን፡ይምስክሩ፡፡ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኣንጻር ጋንታ ሓማሴን ፑሉሴነ ምስ ዝረኽቡ እቲ ዝቐልዕ ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ስለዝነበረ፡ኩሎም ቲፎዞ ብሓደ ድምጺ ጋሩንቻ እናበሉ ስታድዮም ክሳብ ዝንቕነቕ ሆ ክብሉ እንከለዉ፡ጋሩንቻ ድማ ቅልዑ ጥራይ ዘይኮነ ተሪር፡ልክዕ ቦርታ ዝፈልጥ፡ንሓላው ልዳት ዝገማጥል መትሓዚ ዘይነበሮ ብርቱዕ ተጻዋታይ ሓያል ኣካፋፋላይ እዩ ኔሩ፡፡

ጋሩንቻ ዝብል ሳጓ ብምንታይ ለገቦ

ኣብቲ ግዜ እቲ ጋንታ ብራዚል ኣዝያ ብርትዕቲ ጋንታ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ተጻዋታያ ቁጽሪ ሸዉዓተ ማልያ ዝለብስ ዝነበረ ጋሩንቻ ዝተባህለ ኣዝዩ ሓያል ተጻዋታይ፡ቅልዑ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሪር፡ሓላው ልዳት ክሕዞ ዘይክእል፡እንተሓዞ እዉን ኣብ ኣካላቱ ሓደጋ ዘዉርደሉ ብምንባሩ፡ተኽለዝጊ እዉን ብተመሳሳሊ ኣዝዩ ተሪር ቅላዕ ዝወቅዕ ዝነበረ ሓለዉቲ ልዳትን፡ተኸላኸልትን፡ዘሸግር ምንባሩ፡ነዚ ብቕዓቱ ዘስተዉዓሉ ተዓዘብቲ ምስ ጋሩንቻ ንተኽለዝጊ ስለዘመሳሰልዎ ጋሩንቻ ዝብል ሳጓ ኣጥበቕሉ፡ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ ጋሩንቻ ትብል ሳጓ ጠቢቓቶ፡ደቁ ደቂ ጋሩንቻ እናተባህሉ ይጽዉዑ ኣለዉ፡፡

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ከም ኣባል ማሕበር ሸዉዓተ

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ልዑል ሃገራዊ ወኒ ስለዝነበሮ ኣባል ማሕበር ሸዉዓተ ኮይኑ ተወዲቡ ይሰርሕ ነበረ፡፡ገዝኡ ኣብ መሬት ዓዲ-ስሄል ማይተመናይ፡ጥቓ እንዳ ቦይ ባህታን፡ኣፈወርቂ ሓንቢርን ብምንባሩ፡ኣብቲ ግዜ እቲ ጣሻ ብምንባሩ፡ፈዳይን ዘዕርፍሉ ቤት ስለዝነበረ፡በዝን ወዲ ክንድዝን ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ስለዝአተወ፡ኣብ 1978 ብከረን ኣቢሉ ንሜዳ ወጸ፡፡ስድርኡ እዉን ብድሕሪኡ ሰዓብዎ፡ሱዳን ኣተዉ፡፡

ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ኣብ ስደት

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ እዉን ንሱዕድያ ከምዝኸይድ ተገብረ ካብ ሜዳ፡፡ኣብ ርያድ ድማ ኣብ ሓደ ሕክምና ጸሓፋይ ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ምስ ቆቋሕ እናተሓጋገዘ ድማ ኣብቲ ምዉዳብ ኤርትራዉያን ተጻወቲ ኣብ ስደት ይነጥፍ ነበረ፡፡ብድሕሪ እዚ ስድርኡ ናብ ጀርመን ስለዝሰገሩ ጋሩንቻ እዉን ናብ ስድርኡ ብምኻድ ኣብ ጀርመን ክቕመጥ ጀመረ፡፡ኣብ ጀርመን ሕጂ እዉን ምስ ቆቋሕ ብምዃን፡ህዝባዊ ግንባር መወደቢ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝኸዉን ባጀት ስለዝሰለዓሎም፡ንኹሎም ኤርትራዉያን ኣብ ጀርመን ዝቕመጡ ክኢላታት ኩዕሶ እግሪ በቢዝነብርሉ ከተማ ብምዉዳብ፡ጋንታታት ብምቛም ዉድድር ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከምዝካየድ ገበሩ፡፡እቲ ዉዳበ ኣድማዒ ስለዝነበረ ሓንቲ ናይ ጀርመን ማሕበረ ኮም ጋንታ ከም እትቐዉም ጌሮም፡ዉጽኢቱ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ቦሎኛ ጋንታ ማሕበረ ኮም ጀርመን ንኻልኦት ማሕበረ ኮማት ስዒራ ተዓዋቲት ከምዝኾነት ዝዝከር እዩ፡፡ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ኣብ ናይ ጀርመን ማሕበረ ኮም ካብቶም ቀንዲ ወደብቲ ኣባላት እዩ ዝነበረ፡፡

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ኣብ 1990 ኣብ ክተት

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ኣብ 1990 ከቲቱ ናብ ሜዳ ኣትዩ፡፡ኣብቲ ግዜ እቲ ባጽዕ ሓራ ኮይና ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ትማሓደር ስለዝነበረት፡ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ኣብ ባጽዕ ኣብ ማዘጋጃ ቤት ተመዲቡ ክሰርሕ ጀመረ፡፡ክሳብ ዕለተ-ናጽነት ድማ ኣብኡ ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣብ 1991 ኣስመራ ሓራ ምስ ወጸት፡ናብ ኣስመራ ኣተወ፡፡

ሂወት ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ድሕሪ ናጽነት

ተኽልዝጊ ጋሩንቻ ድሕሪ ናጽነት ሚስተስ ትብል ሆቴል ኣስርሒ ወናኒ ሆቴል ኮነ፡፡ሚስተስ ሆቴል፡ኣብ ቀጽራ መዓድል ነዳዲ ዘለዋ ኣብ መንጎ ማይጭሆትን፡ገዛ-ባንዳ ጥልያንን፡እትርከብ ኮይና ኣብዚ እዋን እዚ ቀንዲ መሐበሪት ከተማ እያ፡፡ኣብዚ እዋን እዚ ጋሩንቻ ዓብዩ ቁሩብ ናይ ምርሳዕ ጸገማት ኣጋጢምዎ፡ኣብ ኣስመራ መንበሪ ገዝኡ ኮይኑ ስድራ ቤታዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ፡፡

ጋሩንቻ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ

ተኽለዝጊ ጋሩንቻ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ሕዉስ፡ኣብ ልዕሊ ደቁን፡ሓዳሩን ፍቕሪ ዘለዎ ኣቦ ሸዉዓተ ዉሉዳት እዩ፡

ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኽጽሕፍ ዝተሓጋገዙኒ ኣቶ ተስፋገርግስ ቆቋሕ፡ዘመንፈስ ተኽልዘጊ ወዱ ንጋሩንቻ፡ስነ-ጥበበኛ ፍጹም ተኽለአብ (ወዲ ቦሮምቦራስ) ንዝሃቡኒ ሓበሬታ ኣመና የመስግን፡፡

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡15-10-2026
ኣስመራ

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዊ ጸጋታታንሳልሳይ ክፋልእንተሎና እንተሎ ሕም ጓርድያ እንተሎ...እናበሉ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ምስ በጽሑ፡ዮዉሓንሰይ ኣቶ ኣብሪህዋ ንባይቶዮዉሓንሰይ ቁዱሰይ ንዘልአ...
15/10/2026

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዊ ጸጋታታን
ሳልሳይ ክፋል

እንተሎና እንተሎ ሕም ጓርድያ እንተሎ...እናበሉ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ምስ በጽሑ፡
ዮዉሓንሰይ ኣቶ ኣብሪህዋ ንባይቶ
ዮዉሓንሰይ ቁዱሰይ ንዘልአለም ንጉሰይ እናበሉ ስብራ እናገበሩ ይአትዉ።ኣቦታት እናመረቑ፡ኣዴታት ዕልልታ እናስምዓ፡ኣዉላድን፡መርዑትን፡ድማ ከምዚ ዝስዕብ እናበላ፡
ሕዪባ ሕዮባ ኣበይ ኣምሲኹም'የ
ሽሕን ጎመዳን ትኹን ባይቶኹም'የ
ኣብ በረኻ ድዮም ከሪሞም'የ
ካአ ወለል በለ እቲ ሽጎም'የ
ሕመላልና ክብሉ ከሪሞምየ
ካአ ወለል በሉ ከም ስገምየ
ሕዮባ መሲሎምየ ሕዮባ ኣምሰሉና
ሰስኑ ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ
ኣታ 'ዛ ዓድና ከይአትዋ ጓና
ሰስኑ ሰስኑ እንቃዓ ጣፍ ኩኑ
ኣታ 'ዛ ዓድና ከይአትዋ ጓና
ኣይተላምዶም ጎቦኻ
በሎም ብሳንጃኻ
ኣይተላምዶም መደረ
በሎም ብዳንዴረ
ዝለለለይ ኮታ ዝለለለይ
ዝለለለይ ልበይ ክአምነለይ።እናበላ ይቕበለኦም፡፡ብድሕሪ እዚ ዓመት ንዓመት ኢሎም ቤተ-ክርስትያን ምስ ዘሩ፡ጸሎት የዕሪጎም፡ጓይላ ተኺሎም ሂር ክብሉ ይሓድሩ፡፡ንጽባሒቱ ቁዱስ ዮዉሃን "ይበላ"እናተባህለ እዩ ዝጽዋዕ፡፡ኣዋልድ ደግራን፡ዓደንገፎምን፡ደርፊ ብምቕራብ እየን ዝዳለዋሉ፡፡ኣዋልድ ደግራ ንመተአኻኸቢ ዝኸዉን ከበሮ ዲም ምስ ኣበላ ይእከባ እሞ፡ንግሆ ንዓደ'ንገፎም ይነቕላ፡ነቶም ደድሕሪኤን ዝስዕቡ ኣወዳት ከምዚ ይብለኦም፡
ይበላ ይበላ በላ ኣያኒየ በላ
ኣነ ዶ ጓሎም ኮይነ ጓልዞም ሓረድቲ ሰብ
ኣብ እምባ ሰተይቲ ሜሰ ኣብ ጎልጎል ሓረድቲ ሰብየ
ኣነ ዶ ጓሎም ኮይነ ጓልዞም ሓረድቲ ሰብየ
ደልሓጭ እንዶ ኣሎዎምየ።
ሰዓብየ ሰዓብ ጓጊናየ ለካሚ ሰዊትየ፡፡
ኣይተላምዶም በጃኻ በሎም ብሳንጃኻ እንዳበለኦም ተአኻኺቦም ንዓደ'ንገፎም ይአትዉ፡፡ዓደ'ንገፎም እዉን ተአኪቦም ይቕበልወን"ልቢ እየ ሕምብርቲ ምድሪ ኣይግበርዶ ትብሊ እናበሉ ጓይላ ይተኽሉ።ዮዉሃንሰይ ብሪየ ሰላም(ለምለም)ጌሮሞ ሃገር ብሃገሩየ፡፡ዕንበባ ሓየት ካዉሎ ፍዮሪ ልብኤ ዓደይ ወርቂ ተመሓድሪ።ኣብ ልቢኤ ዝበረቀት ጸሐየ፡እንገላሪቃ ስራርጊ በጺሓየ።ኣጋ ግዜ ምስ ኮነ ኻአ"ኣነ ዝምነ ንዓመታ እዛ እዋን ከምዛ ቕነ"ምስ በሉ ጓይላ ይብተን፡፡እዚ ኹሉ ዝገብርዎ ናይ ሓባር ጸወታ ኣብ ሰለስተ ፍሉጥ ቦታታት እናተዘዋወሩ እዪም ጓይላ ዝተኽለ።ኣብ ፈለማ ኣባ-ጓይላ ይሕረ፡ከበሮ ዝወቕዑ ይሕረዩ፡ሰብ እምብልታ ንጸወታ ይዳለዉ፡ክሉ ናይ ጓይላ ምሕደራ ብዝተመርጸ ኣባ-ጓይላ እዩ ዝካየድ።ንዓደን ክኸዳ እንከለዋ እኽሊ ቀንጢበን ናብ ሓደ ዓቢ ባዓቲ ይኸዳ እሞ"ኣለለ ወለላ ቅድስቲ ተረዛ እነዋለ"ብምባል ሓደ ዓይነት ጸወታ ይጻወታ።ብድሕሪ እዚ ነቲ ዝቐንጠበኦ እኽሊ ምስ ሻቖጠኦ"ሓሸዉየ"ዝብል ጸወታ ይጻወታ።ክዞራ እንከለዋ ገለ ዝወደቐት ጓል እንተተረኽበት"እገሊት ጓል ለንቃጢት ተሓኒቓ ትሙት"ምስ በላ ነቲ ዝሻቖጦኦ እኽሊ እናበተና"ዓመት ንዓመት ይድገመና፡ናይ ባናና ቅራፍ ናይ ባናና ንዓመታ ድሓን የጽናሓና"እናበላ ዝተፈላለየ ግርሁ እናጣሕሰሳ ኣብ ምቕልቃል ዓዲ ምስ በጽሓ፡ነቲ ዝቐንጠብኦ ሰዊትን፡ዕንበባታትን፡ንላዕሊ ዊጥ ብምባል "ንቡርየ ካብ ዝጠፍእ ሓንቲ ዓይነይ ትጥፋእ"
በረኻ ዉዒልና ሰብ ንቡርየ፡ዓዲ ዝዋዓላ ደናቁርየ።
ኣነስ ዉዒለ ኣብ ምዕንዳረይ፡እንታይ ኮን ይኸዉን ምሸት ድራረይ።
ንእሽቶ ማርያምየ ደብሪ ዓዳ ዊዒላየ
ቁሊሕ በልዮም እኳ ንዓይኖምየ።ኢለን እናደረፋ ንዓዲ ይአትዋ፡ኣብ ዓዲ ድማ መናእሰያት ይቕበልወን እሞ፡"በልየ ዓሳክርካ መሊኦም ጎልጎልየ"ጓይላ ይተኽሉ እሞ ብዉሕልነትን፡ስኒትን፡ብሓባር ትጽዉት ኣቢሎም ነቲ መዓልቲ መደምደምታ ይገብርሉ፡፡

ምንጪ፡መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ
ብሓው ክፍለማርያም ገብረሚካኤል ዝቐረበ

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡15-10-2026
ኣስመራ

ምስትምቓር ቅብአ ነውማን ሙግሃል
14/10/2026

ምስትምቓር ቅብአ ነውማን ሙግሃል

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዉን፡ጸጋታታካልአይ ክፋልጓሶት ንሆየ ዝኾኖም ቆልቋል ወይቀሸም ቆሎ ምራኹት ታህበብ ኣላኺት ኣኪቦም ብልሕጺ ብምጥማር ሆየ ክብሉ እንከለዉ፡ኣዉላድ ድማ"ንሃንሰይ ...
14/10/2026

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዉን፡ጸጋታታ

ካልአይ ክፋል

ጓሶት ንሆየ ዝኾኖም ቆልቋል ወይቀሸም ቆሎ ምራኹት ታህበብ ኣላኺት ኣኪቦም ብልሕጺ ብምጥማር ሆየ ክብሉ እንከለዉ፡ኣዉላድ ድማ"ንሃንሰይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ"እናበላ ዝተመርጸ ከበሮ ብምሓዝ ይዉድሳ፡፡ኣብ ጳጉሜን ኣዉላድ ክሕጸባ ንሩባ ክወርዳ እንከለዋ፡
ኣደየ ኣብራሃለይ ክወርዶ ማየ
ይብራሃልኪ ጓለይ ረድዮ ማየ፡፡
እምኒ ዘይብሉ ዝአረኽዎ
ክርዳድ ዘይብሉ ዝመመኽዎ
ኣደየ ኣብራሃለይ ክወርዶ ማየ
ይብራሃልኪ ጓለይ ረድዮ ማየ።
"ጳጉሜነ ኣብ ማይ ጳጉሜኔ
ትሕጸባ ዶ ኣብ ማይ ጳጉሜኔ"እናበላ ድማ ንናብ ቤተን ይምለሳ፡፡ምሸት ናይ መወዳእታ ወርሒ ጳጉሜን ኣወዳት ሽጎም ኣዋዲዶም፡ብዕንበባ ሕዮባ ጋማ ኣሲሮም፡ኣዉላድ ብመዳየን ዘሎ ጭንግዓተን፡ዘሎ ቑርኖ ቑርኖ፡ዘሎ ጋመ፡ብህልም ዝበለ ቁኖ ተቖኒነን ካብ ዝተፈላለየ ዕንበባ ሓንሰ-መስቀለ(ገልገለ መስቀል) ቀንጢበን ኣብ ፈትሊ ሰሪዐን፡ኣብ ግንባረን ከም ጋማ ኣሲረን፡ዑፍ መስቀል ክመስላ ብኹሉ ተሰሊመን፡ኩሎም በብወገኖም ንባዓል ይቀራረቡ፡፡ምሸት ከብቲ ምስ ኣተዋ ኣጋዕዝ ኣዴታትና ጋዓት ጠስሚ ጌረን ንስድረአን የዳርራ፡፡ብድሕሪ እዚ ኣብ እንዳ ዓቢ ማለት ብዕድመ ኣብ ገበላ ቤቱ ብምትእኽኻብ ሽግ ይዉልዑ፡፡ኣቦታት ካብቲ ዝነደደ ሽግ ብምልዓል ዓመት ንዓመት ብምባል ምስ ጸለዩ ናብ ነብሲ ወከፍ ህድሞ ብምኻድ ዓኾኻይ፡ዓኾኻይ፡ሓምሊ ቁራዕ ዉጻእ ቦሶ ቁራዕ እቶ ብምባል ንነብሲ ወከፍ ቤት ትባርኽዎ፡፡ስድራቤታት ካአ ዓመት ንዓመት ኣድግመና ብምባል ጸሎቶም የዕርጉ።

ደወል ቤተ-ክርስትያን ምስተደወለ ኩሎም ሽጎም ሒዞም ናብ ቤተክርስትያን ይኸዱ፡፡ጸሎት ምስተገብረ ብቖመስ ሓፈሻዊ ጸብጻብ፡ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ክንደይ ከምዝሞቱ፡ክንደይ ከምተወልዱ፡ክንደይ ቃል-ኪዳን ኣሲሮም ክንደይ ከ ቃል-ኪዳን ኣፍሪሶም፡መጀመርያ ቁርባን ዝገበሩ ምስተነግረ፡ብሓድሽ መንፈስ ንሓድሽ ዓመት ብምባል ቡራኬ ሂቦም የፋንዉዎም፡፡ሽዑ ኣጉባዝ ሽግ ሒዞም ዓመት ንዓመት ይድገመና ብምባል ሰለስተ ሳዕ ነቲ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ይዘርዎ፡፡

ሆዮና ሆየ፡ሆየ
ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ
ሓንሰ-መስቀለ እንቋዕ ተቐልቀለ ክብሉ ኣምስዮም ጓይላ ተኺሎም ትጽዉት ይሓድሩ፡፡

ብድሕሪዚ ካብ ወዲ 15 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ሓደ ፍሉጥ መራኸቢ ቦታ ተራኺቦም፡ሕዮባ ጋማ ኣሲሮም ተዓጢቖም፡ጠቐራይ ሸፎ ባዓል ጥርዚ፡ዕሮዕሮዋይ ኣባትሮም ኣዋዲዶም፡በረኻ ዓዶም ብለይቲ ክኾሉ ምድላዋት ይገብሩ፡፡ኣቦ-ጓይላ (ኣቦ-ሕዮባ)ንአሽቱ ኣብ መንገዲ ዘልሓጥ ኢሎም ዘህድዑ ከይህልዉ ኮሊሉ ይርእዮም፡፡ኣዋልድ ብጓይላ፡ኣዴታት ብዕልልታ ያፍንወኦም፡፡ንገለገለ ብትህኪት ዝተረፉ ኣጓብዝ እናሸምጠጣ፡
ጊደበሉ ሓምሊ ጊደበሉ ዘይትወፍር ከምቶም ዝወፈሩ እናበላ ይጸርፈኦም።ወፋሮ ለይቲ ክሳብ ዝምለሱ ድማ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ሓዊ ኣጉደን፡ከበሮ ቀሪበን ይጽበየኦም።እቶም ሕዪባ ኣብ ግዕዘኦም ብዝተፈላለዩ ከረርቲ እናተመርሑ፡ዝተፈላለየ ባህላዉን፡ያታዉን፡ደርፍታት እናደረፉ ዓኾኻይ እናበሉ እዮም ንመሬት ዓዶም ዝኾልዎ።ከም ኣብነት ከረርቲ ዝብልዎን፡ሕዮባ ዝቐበልዎን፡ንምጥቃስ
ሆየ ሆየማ ንበልየ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ዮዉሓንስ መስቀለ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ብርሃን ተቐልቀለ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ኣጆኹም ቆልዑ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ባልደንጓ ጨልቂዑ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ኣጆኹም ጓሶትየ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ባልደንጓ ሰወተ ሆየ ሆየብሆየ
ሆየ ኣጆኹም ጎንበለ ሆየ ሆየ ሆየ
ሆየ ባንደንጓ ሰተለ ሆየ ሆየ ሆየ

እናበሉ ይደርፉ፡፡
ሓንሰ ሓንሰ ሆየ
ጋዓት ዘኾልሰ ሆየ
ኣብርሃም ዓጓ ሆየ
በትሪ መሸንጎጋ ሆየ
ኣብርሃም ጢጡ ሆየ
ክጎዪ ጠሪጡ ሆየ
ኣጆኽን ኣንስቲ ሆየ
ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲሆየ
እንጌራ ዳጉሻ ሆየ
ሓቢርና ንቁረሳ ሆየ
እንዳ ሰዓት ሰዓት ሆየ
ትህረም መርዓት ሆየ
እንዳ ለይቲ ለይቲ ሆየ
ትህረም ሰበይቲ ሆየ
እንዳ ደርሆ-ኖቖ ሆየ
ትህረም መሰንቆ ሆየ

ኣብ ሓንቲ ፍልጥቲ ዳዕሮ ምስ በጽሑ "እዛ ዓባይ ዳዕሮ በሲላ እያ፡ሓቢርና ንብላዓያ"ብምባል ጓይላ ይገብሩ፡፡ቀጺሎም፡
ገብረሂወቴ ኢዳ ሰቢርዋ ሓደ ምሸቴ፡ኢዳ ሰቢርዋ።
ኣያ ዓብደላ ኢዳ ሰቢርዋ ክጥሕን ከላ ኣቡአ ጸዉዑላ።
ግሼ ግሼ ምስ ኣንበሳ ግሼ።
ኣለለ ኮሸምብያ ንዓርኩ ሳቦያ።

ምንጪ፡መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ
ብሓው ክፍለማርያም ገብረሚካኤል ዝተጻሕፈ

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡14-10-2026
ኣስመራ

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዉን፡ጸጋታታቁዱስ ዮዉሃንስ ቅድሚ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ 6 ወርሒ ኣቐዲሙ ብተአምራታዊ መንገዲ ካብ ዘካርያስ ካህንን፡ቅድስቲ ኤልሳቤጥን፡ዝተወልደ ነብይ እዩ፡...
13/10/2026

ወርሒ መስከረም መንፈሳዉን፡ባህላዉን፡ጸጋታታ

ቁዱስ ዮዉሃንስ ቅድሚ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ 6 ወርሒ ኣቐዲሙ ብተአምራታዊ መንገዲ ካብ ዘካርያስ ካህንን፡ቅድስቲ ኤልሳቤጥን፡ዝተወልደ ነብይ እዩ፡፡ዮዉሃንስ ማለት ፍጹም ታሕጓስ ማለት እዩ፡፡ቅዱስ ዮዉሃንስ እቲ ብእግዛብሄር ዝተላእከ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ ነብይን፡ናይ ዘመነ-ሓዋርያት ወይ ሓድሽ ኪዳን መስራትን፡ጀማርን፡እዩ፡፡ዮዉሃንስ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ዘመነ-ትጽቢትን፡ዘመነ-ጸልማትን ከምዝሓለፈ፡ብዘመነ-ሓጎስን፡ዘመነ-ብርሃንን፡ከምዝተተከአ ዝአወጀ፡ንብዙሓት ድማ ናብ ብርሃን ኣምላኽ ዝመረሐ ነብይ እዩ፡፡ተልእኽኡ ድማ ናይ ንስሓ ጥምቀት ክሰብኽን፡ኣብ ክርስቶስ ካአ ምጽአት መንግስቲ ኣምላኽ ንምብሳርን እዩ።

መስከረም ንምንታይ ከም ሓድሽ ዓመት ትቁጸር

እስራኤላዉያን ዘመኖም ዝልዉጥሉ እዋን ወርሒ መስከረም እዩ።ኣብ ሃገርና እዉን ኣብ ናይ ግእዝ ኣቆጻጽራ እቲ ካብኡ ዝተወስደ ልማድ፡መስከረም እታ ናይ መጀመርያ ወርሒ ሓድሽ ዓመት ኮይና ትርከብ፡፡እዚ ኣቖጻጽራ እዚ ምስቲ ኣብ እስክንድርያ ዝርከብ ጰቶሎሚዎስ(በጥሊሞስ) ዝተባህለ ኣቆጻጽራ ዘመን ሓደ ኮይኑ ይርከብ፡፡በዚ መሰረት ካአ ከም ኣቆጻጽራ ባሕረ-ሓሳብ ወይ ኣቡሻክር መስከረም ከም ፈላሚት ወርሒ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ተሰሪዓ ትርከብ፡፡ከምኡ እዉን ድሕሪ ማይ ኣይሂ እቲ ህቦብላን፡ንፋስን፡ዝሃዳአሉ፡ማይን ዕልቕልቕን ኣብቂዑ፡መሬት ክረአየሉን፡ዕንባባታት መሮር ክዕንብብሉን፡ዝጀመረ ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ ዝብል ብሂል እዉን ኣሎ፡፡ኣብ ክሊማ ሃገርና እንተተመልኪትና ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ነሓሰ መወዳእታ ናይ ዝናብን፡ደበናን፡ግዚያት ስለዝኾነ፡ግዜ ጭቃን፡ጨፈቃን፡ዛሕልን፡ቁርን ከምኡ እዉን ግዜ ጸልማትን፡ምፍልላይን፡እዉን እዩ፡፡ጓሶት ከብቶም ከብልዑ ካብ ዘርእቲ ኣርሒቖም በረኻ ዝሰፍርሉ እዋን እዩ።ሓረስታይ እዉን ብወገኑ ንዘራእቱ ካብ ጻህያይን፡ዉሕን፡ካብ ባልዕን፡ተጻይን፡ክከላኸል ብዘይዕረፍቲ ዝሰርሓሉ ኣዋርሓት እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝናብ ክጽሒ ይጅምር፡፡እቲ ብዕንብረ፡ደበናን፡ዝናብን፡ተኸሊሉ ዝጸንሐ ሰማይ ዝቕላዓሉን፡ጸሓይ ድማ ንሰማይ ብሒታ እቲ ፍትው ሙቐታ ንፍጡራታ እትልግሰሉን፡እዋን እዩ፡፡እታ ብጭቃን፡ማይን፡ዉሕጅን፡ብጢቕጥሚቕ ዕረፍቲ ስኢና ጋዕዝያ ዝጸንሐት መሬት፡ግርማ ተፈጥሮአ ለቢሳ ብዕንበባታት ኣጊጻ፡ዝተፈላለዩ እንስሳታት መዐንደሪ ክትከዉን ትጅምር፡ኩሉ ጎቦታትን፡ሓላልምን፡ኮሮብታታትን፡ብዕንባባታት ሃንሰ-መስቀለ ወይ ገልገለ መስቀል ዝኽንተተሉ እዋን እዩ፡፡

ኣብዚ ቅንያት እዚ ማለት ወርሒ መስከረም እቲ ኣብ ዘመነ-ክረምቲ ካብ ቤተሰቡ ተፈልዩ ዝጸንሐ ዝራኸበሉ፡ዘመነ-ጸልማት ሓሊፉ ብዘመነ-ብርሃንን፡ወጋሕታን፡ዝትካአሉ፡ዘመነ-ሸመታ ብዘመነ-ቀዉዒ ዘመነ-ጽጋብ፡ዘመነ-ትጽቢትን፡ተስፋን፡ካአ ብዘመነ-ጋህዲ ዝትካአሉ ምዃኑ፡ካብቲ ቅድሚኡ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ፍሉይ ይገብሮ፡፡ባልደንጓን፡ዓይኒ-ዓተርን፡ጨልቂዑ ንባሃጊኡ ዘተሃራርፈሉ፡ገዳኑ ብበሪህን፡ሻግያን፡ተቖሊሉ ጭሕምታቱ ሰይቡ እናተቖጻጸየ ናብ ጠማቲኡ ዝላሃየሉን፡ኣስጋመ-ስርናይ ዝሕሰይሉ፡ገለ ዝተጸበለ ኻአ ንዓጺድ በጺሑ ንተጸባይኡ ዝዕንግለሉ፡ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ።ቅዱስ ዮዉሃንስ እቲ ዘመነ-ብሉይ ኪዳን ሓሊፉ፡ብዘመነ-ሓድሽ ኪዳን ከምዝተተከአ፡ዓመተ-ምሕረትን፡ዓመተ-ሰላምን፡ዘበስረ እዩ፡፡

ይቕጽል....
ምንጪ፡መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ
ብሓው ክፍለማርያም ገብረሚካኤል ዝቐረበ
ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡13-10-2026
ኣስመራ

ካብ ጓል ኣዉቲስታ ዓባይ ኣዉቶቡስ ናብ ተሰላሚት ሽልማት ኖብል ሰላምኣብ ዱርባን ኣብ ምብራቕ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 85 ዓመት ዳኛ ናቪ ፒለይ ኣብ 20...
11/10/2026

ካብ ጓል ኣዉቲስታ ዓባይ ኣዉቶቡስ ናብ ተሰላሚት ሽልማት ኖብል ሰላም

ኣብ ዱርባን ኣብ ምብራቕ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 85 ዓመት ዳኛ ናቪ ፒለይ ኣብ 2026 ተሰላሚት ሽልማት ኖብል ሰላም ኮይና፡፡እዚአ ኣብ ሃገራ እታ ንመጀመርያ እዋን ነዚ ክቡር ሽልማት ኖብል ዝዓተረት ጓል ኣንስተይቲ ክትከዉን እንከላ፡ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ሽልማት ኖብል ሰላም ዝዓተሩ ደቂ ዓዳ ሓምሸይቲ ነዚ ሽልማት ዝበቐዐት ዳኛ እያ፡፡

እዛ ኣብ 1941 ኣብ ክላየርዉድ ዱርባን ዝተወልደት ጓል ኣዉቲስታ ዓባይ ኣዉቶቡስ፡ዋላ እኳ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእትው ነጥቢ እንተረኸበት፡እቲ ወጻኢታት ናይ ዩኒቨርሲቲ ብስድራአ ክሽፈን ዓቕሚ ኣይነበረሙን።እቲ ሓለቓ ቤት ትምህርታ ዝነበረ ንኹሉ ዘለዋ ብሉጽ ዓቕምታት ኣብ ትምህርቲ ብምልላይ ምስቲ እትነብረሉ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምዃን ንናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርታ ዝኸዉን ወጻኢታት ሰልዲ ተዋጺኡ እያ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርታ ዛዚማ፡፡

እቲ ሕብረተሰብ ሓደ መዓልቲ እታ ኣብ ዓለም ዝኸበረት ንመሰል ወዲ ሰብ ትጣበቕ ዕዉቲ ሰብ ምዃና ከይፈለጠ እዩ ሕልምታታ ንምድጋፍ ብሓባር ብምዃን ነታ ጎርዞ ጓል ክሕግዝ ገንዘብ ዘዋጸአ፡፡

ንመጀመርያ እዋን ኣብ 1967 ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጊ ተተግብረሉ ኣብ ናታል ትካል ኣቖመት፡፡ነቶም ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝጉስጉሱ ኣክቲቪስት ኣብ ክንደኦም ብምዃን ትከላኸለሎም፡ንናይ ፖሎቲካ እሱራት ንመሰላቶም ትጣበቕ፡ኣብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝላዓሉ ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣህጉራዉያን ኣብያተ-ፍርዲ ከም ዳኛ ኮይና ክትሰርሕ ጀመረት፡፡

ኣብ ናይ ርዋንዳ ጆኖሳይድ ስርሓ ብምቕጻል ምግሳስን፡ጾታዊ ዓመጽን ኣካል ጆኖሳይድ ምዃኑ ዝሕግዝ ሕጊ ኣቑማ፡፡ንመሰል ደቂ ሰባት ንምጥባቕ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ኮይና ተመዚዛ ብተወፋይነት ኣገልገለት፡፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ለኻዊ ፍትሒ ልዑል ተሳትፎ ትገብር ዘላ እያ፡፡

እቶም ነርወያዉያን ኮሚቴ ሽልማት ኖብል፡ንናቪ ፒለይ ሙሉእ ሂወታ ንሰላምን፡ንዓለም ለኻዊ ሕግን፡ዘርአየቶ ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ እዮም ተሸላሚት ሽልማት ኖብል ሰላም ከም እትኸዉን ዝረቑሕዋ፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቶም ቅድሚአ ነዚ ሽልማት እዚ ዝዓተሩ ከም ሎዉሬታት ኣልበርት ሉቱሊ፡ደዝሞን ቱቱ፡ኔልሰን ማንዴላን፡ፍው ዲ ኬርክ ብምዃን ሓምሸይቲ ተሰላሚት ሽልማት ኖብል ሰላም ኮይና ኣላ፡፡ልዕሊ ኹሉ ናብዚ ደረጃ ንክትበጽሕ ዝሓገዙ ዳይሬክተር ናይ ካልአይ ደረጃ ቤት ትምህርታን፡እትነብረሉ ዝነበረት ሕብረተሰብ ሰልዲ ብምዉጻእ ዘምሃርዋ ልዑል ምስጋና ዝግበኦም እዩ፡፡

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡11-10-2026
ኣስመራ

ቅያ መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ተራእምኒመብራህቱ ወደባ ሃይባይ ኩሉ ስርሑ ዘበለ መስተንክር እዩ ኔሩ፡፡ጓልኩም ሃቡና ብምባል ካብ ዓዲ ዃላ ጓል ራእሲ ወልደገርግስ ወሰደ እሞ፡25 ከብቲ ተገዚሙ ...
11/10/2026

ቅያ መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ተራእምኒ

መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ኩሉ ስርሑ ዘበለ መስተንክር እዩ ኔሩ፡፡ጓልኩም ሃቡና ብምባል ካብ ዓዲ ዃላ ጓል ራእሲ ወልደገርግስ ወሰደ እሞ፡25 ከብቲ ተገዚሙ ንዓዱ ተመልሰ፡፡ግና ኣቦይ መብራህቱ ነተን ከብቲ ብብሓደ ክሸጠን ጀመረ እሞ፡ባዓልቲ ቤቱ ንዓዲ ዃላ መልእኽቲ ሰዱዳ ኣፋቱሑኒ፡ነተን ከብቲ ብብሓደ ይሸጠን ኣሎ በለት፡፡ሽማግለ ካብ ዓዲ ዃላ ብምምጻእ ጓልና ክንወስድ ኢና መጺና እተን ገዝሚ ዝተዋሃብካየን ጥሪት ሸጥካየን በልዎ፡፡"ኣነ ሸጥኩን ዝብኢ እዩ በሊዕወን" ብምባል ኣቦይ መብራህቱ ኣሉ ቀጣን በለ፡፡እቶም ሽማግለ"ዝብኢ ከምዝበለዐን ዓረም ኣቕርበልና"በልዎ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ከምኡ ክብሉኒ እዮም ብምባል ኣቐዲሙ ዝአከቦ ናይ ዝተሓርዱ ከብቲ ቀርኒ ቀሪቡ ጸኒሑ እነሀ በሎም፡፡እቶም ሽማግለ ፍትሓያ ኢሎም ጓሎም ሒዞም ከዱ፡፡

ብድሕሪ እዚ መብራህቱ ካብ እንዳ ራእሲ ኪዳነ-ማርያም ዓረዛ ጓል ከምጽእ ከደ እሞ ገዝሚ ኣመና ወሓዶ፡፡መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ሕርቕ ኢሉ ብድድ ብምባል ማሰ በለ፡
ኣንታ እዛ ኣርሒ፡እዛ ኣርሒ
ካብ ከዉሒ ወጺአስ ናብ ሰዉሒ
ንዓዲ-ዃላ ጌርናዮም መጻንሒ፡ምስበለ እቶም እንዳባ ዓረዛ ኣብቲ ዉራይ ዝነበሩ፡ስንብድ ኢሎም ንወስኮ፡ንወስኮ በሉ እሞ ወሲኾሞ ዓሰርተ ኣሓ ሒዙ ምስ መርዓቱ ንተራ እምኒ ኣበለ፡፡ብድሕሪ እዚ ራእሲ ወልደገርግስ ዓዲ ዃላ ጌርናያ መጻንሒ ኢሉ ማሰ ከም ዝበለ ሰምዑ እሞ፡ንሕናስ መጻንሒ ኮይና ኢሎም ብሓቂ ሓሪቖም ሓኒቕኩም ናብዚ ኣምጽእዎ ኢሎም ንተራእምኒ ሰብ ላአኹ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ግና ይደለ ከምዘሎ ምስፈለጠ ሃዲሙ ኣምለጠ፡፡ጥርሙዝ ኣረቅን፡ገመድን፡ሒዙ ናብ ዓዲ ዃላ ከይዱ ናብ እንዳ ራእሲ ወልደገርግስ ኳሕኳሕ ኣበለ፡፡ራእሲ መን ኢኻ በሉ፡፡ተኸታሉኦም ሰብአይ ጓልኩም ዝነበረ መብራህቱ እዩ በሎም፡፡ራእሲ ብሰቐላ ተቐልቂሎም ሓኒቕኩም እሰርዎ በሉ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ጎይታይ ብሓቂ ተጋግየ እየ፡እንሆ ኣረቂ መቐርዓይ ኣፍኩም፡መሕነቕየይ ገመድ ከይትሽገሩ ድማ እንሆ ገመድ መሕነቕየይ በሎም እሞ፡ራእሲ ሰሓቑ ኪድ ምሒረካ ኣለኹ በልዎ፡፡

ኣቦይ መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ኣብ ተራ እምኒ ሰበይቲ ተወሺሞም ዝብል ተናጣሪ ወረ ኣብ እዝና በጸሐ ንባዓልቲ ቤቶም እሞ፡ባዓልቲ ቤቶም ነቦይ መብራህቱ ከይሓበረት ናብ እንዳቡአ ንዓረዛ መልእኽቲ ሰደደት፡፡ሽማግለ ነዚ ምስ ሰምዑ ኣፋቲሕና፡ኣኸለ-መሰል ግቡአ ኣዉሂብና ሒዝናያ ክንመጽእ ኢና ብምባል ኣእዱጎም ጽዒኖም ናብ ተራእምኒ ጠበቕ በሉ፡፡ነቦይ መብራህቱ ኣብ ዳኛ ኣቕሪቦም "ጓልና ብአኻ ተበዲላ እያ፡ካልእ ማልእ ዘረባ ከይወሰኽና፡ፍትሕ ንሓትት ኣለና፡ግቡአ ድማ ክዋሃባ"በሉ፡፡ኣቦይ መብራህቱ በሉ ብሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ሰበይቲ ክትፈትሕ እንተኼንካ ስዋይ ጸሚቐ፡ጣይታይ ጋጊረ ክጸንሓኩም መዓልቲ ይዋሃበኒ"ብምባል ስምዕተኦም ኣቕረቡ፡፡እቶም ሽማግለ የለን እኳ እንተበሉ፡ዳኛ ዓዲ ግን እቲ ኣቦይ መብራቱ ወደባ ሃይባይ ዘቕረቦ ምጉት ዘይስገር ኮይንዎ መዓልቲ ይወሰኽ ብምባል ንወርሒ እቲ ጉዳይ ተቖጽረ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ንሰበይቱ ብምድስዳስ ስለ ዝአባበዳ ነቲ ዉሽማ ሓዲገያ ኣለኹ ስለዝበላ፡ሰበይቶም ድማ ንዓአ እንተሓዲጋያ ፍትሕ ገዲፈዮ ኣለኹ በለት ሓዳሮም ተሳንዮም ቀጸሉ፡፡ሽማግለ ወርሒ ምስ ኣኸለ ከፋትሑ እንተመጹ፡ሰበይቲ ነዲራ ሓዳረይ ክትብትኑ ዲኹም መጺእኩም በለት እሞ፡ሽማግለ መልሓሶም ቆርጢሞም ንዓረዘኦም ተመልሱ፡ሓዳሮም ብስኒት ቀጸሉ፡፡

ብድሕሪ እዚ ወዲ ተቦኮረት ሰበይቶም፡ነቲ ወዶም ላይነ ዝብል ስም ሃብዎ፡፡ነዚ ዝሰምዕኡ ደግያት ላይነ መኪና ገቢሮም ንዓረዛ ብምምጻእ፡ንሓደ ቆልዓ "ንዓ እስከ ኣቡኻ መብራህቱ ኣብዚ እንዳ ስዋ እንተሎ ርአዮ"ብምባል ልአኽዎ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ወደባ ሃይባይ ፈታው ስዋ እዩ ዝነበረ፡ነቲ ቆልዓ ኣብቲ እንዳ ስዋ ጸንሖ።እቲ ቖልዓ"ኣቦይ መብራህቱ ኣጋይሽ ይጽዉዕኹም ኣለዉ፡፡"ምስ በሎም፡ኣቦይ መብራህቱ"ስዋይ ከይሰቲ እንታይ ዝኾኑ ኣጋይሽ እዮም"ብምባል ስዉኡ ምስታይ ቀጸለ፡፡ደግያት ላይነ ሕርቕ ኢሎም፡"ኣታ ቆልዓ ጸዋዓዮ እስከ እንታይ ኮይኑ ደንጉዩ"ብምባል ዳግማይ ልአኽዎ፡፡እቲ ቆልዓ ዓበይቲ ኣጋይሽ እዮም ምስ በሎ፡ኣቦይ መብራህቱ ነጸልኡ ገፈፍ እንዳበለ እንተረአየ፡ደግያት ላይነ፡ስንብድ ብምባል እምኒ ኣልዒሉ"ኣታ ቆልዓ ኣጋይሽ መጺኦምኹም ትብለኒ፡እንታየዴኻ ኬንካ ምኪኤል ገብሪኤል መጺኦምኻ ዘይትብለኒ"ብምባል ንደግያት ላይነ ሰሓቕ-ፍንሽር ከምዝስሕቁ ገበሮም፡፡ሽዑ ደግያይ ላይነ"ንምንታይ ንወድኻ ላይነ ኢልካ ስም ኣዉጺእካሉ"ዝብል ሕቶ ሓተትዎ፡፡"ከማኹም ጅግና ክኾነለይ እምበር በዚ ሎሚ ዶ ላይነ ኢልካ ስም ይዉጻእ እዩ"ብምባል ኣቦይ መብራህቱ ዳግማይ ንደግያት ላይነ ኣስሓቖም፡፡

ቅያ ኣቦይ መብራህቱ ንበይኑ እዩ፡፡ምስ ሓደ ዓርኩ እንከሎ፡እቲ ዓርኩ ዝፈልጦ ባዓል ጸጋ መጸ እሞ፡ሰላምታ ተለዋወጡ፡፡እቲ ባዓል ጸጋ መንገዱ ምስ ቀጸለ እቲ ዓርኩ"እዚ ትርእዮ ዘለኻ ክልተ በትሪ ጥሪት ዘለዎ እዩ፡ማለት ወናኒ 80 ከብቲ እዩ ግና ተመርዕዩስ ክሳብ ሎሚ ዉላድ ኣይረኸበን"ምስ በሎ ነቦይ መብራህቱ፡ኣቦይ መብራህቱ"ኣነ ፈዉሰ መዉሲ ጌረ ሰባት ከምዝወልዱ ይገብር እየ ንዓ በሎ"በሎ ንዓርኩ፡፡እቲ ዓርኩ ነቲ ባዓል ጸጋ ተዳህይዎ፡እቲ ባዓል ጸጋ ተመሊሱ ንዘረባ ኣቦይ መብራህቱ ሰሚዑ ተሓጎሰ እሞ፡እንዳ ሜስ የእቲ ሐሐደ ፊያስኮ ሜስ ኣዉረደሎም፡፡ኣቦይ መብራህቱ ክሰቲ ደልዩ እምበር ንዘይወለዱ ፈጺሙ ፈዊሱ ኣይፈልጥን እዩ።መጻኹ ብምባል ናብ ግርሁ መሸላ ኣትዩ ነቲ ማሸላ ካብ ስሩ ብምምሓው፡ነቲ ሱሩ ቁርጽርጽ ኣቢሉ ብጨርቂ ብምቁጻር ነቲ ባዓል ጸጋ "እዚ ፈዉሲ እዩ ክልቴኹም ኬንኩም ምስ ሰበይትኻ ንሸዉዓተ መዓልታት ተዓጠኖ።ተተዓጢንኩም ድማ ንእድኹም ደይቡ"ብምባል ነቲ ባዓል ጸጋ ሃቦ፡፡እቲ ባዓል ጸጋ ኣመስጊኑ ከደ፡፡ከምቲ ዝበሎ ገበረ፡፡ተመሲልሉ ሰበይቱ ጥንሲ ኣይትሕዝን፡ወዲ ምስ ወለደ ከመስግኖ ነቦይ መብራህቱ ናብ ተራ እምኒ መጸ፡፡ኣቦይ መብራህቱ ንዕኡ ምስ ረአየ ሃደመ፡፡ዓዲ ገሪምዎም እንታይ ኮይኑ መብራህቱ ይሃድም ኣሎ በሉ፡፡ኣቦይ መብራህቱ በቲ ዝገበሮ ንፖሊስ ነጊሩ ከየእስሮ እዩ ዝሃድም ዘሎ፡፡እቲ ባዓል ጸጋ ኣኳሊሙ ሓዞ እሞ፡"ከመስግነካ እየ መጼ፡ሸዉዓተ መዓልቲ ብሓባር ምስ ተዓጠና፡ሰበይተይ ድቂ ሒዛ፡ወዲ ተገላጊላ"በሎ እሞ፡ኣቦይ መብራህቱ"ኣነ ኣይኮንኩን ስላሴ እዮም ሂቦምኻ" በሎ፡፡እቲ ባዓል ጸጋ ተረፍ ታሕጓሱ ነቦይ መብራህቱ ድልዱል ጣዓዋ ህያብ ሃቦ፡፡

ነዚ ሓበሬታ ዝሃበኒ ሃብቶም ተወልደብርሃን(ወዲ ዓየ) ኣመና የመስግኖ፡፡

ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡11-10-2026
ኣስመራ

Address

Asmera Estate
Sandton
00291

Telephone

+2917136816

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Quada quadinoy posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category