ደሃይ ተጋሩ

ደሃይ ተጋሩ Despite politics being serious, this page tries to find a political satires in all aspects of government to make our lives much easier. We Lough, We Learn.

12/24/2025

ቅድሚ ኹሉ ህወሓት ክትድሕን ኣለዋ!!!
. . . . ድዮም ዝበሉና ዞም ከንቱ መንቱ

12/22/2025

..ሕዚ, ዞም ሰባት ብሰንኪ ለማስ መሪሕነቶም ልዕሊ ሚሊዮን ተጋሩ ዘወደኡ'ዶ ይመስሉ, . . ክስዕስዑ ከለዉ?!

ትግራይ ተስፋ ቑረፂ; ብህወሓት ኣይትድሕኒን:: ብዛዕባ ተመዛበልቲ ኾነ ብዛዕባ ኣካሎም ዝተጎድኡ ነበር ሰራዊት ደንታ ዘየብሎም መራሕቲ ሒዝኪ ፊሒት የላን::

ሰብ ከም ቆፅሊ ናረገፈ ዕጅብ ዘይብሎም መራሕቲ:: ማስቃ ዝህዝቢ ጎይታ ከርእየና እዩ!

12/19/2025


ናይ ግዘ ጉዳይ እምበር; እቲ ንውልቀ ግለሰባት ህወሓትን ጉጅለአሙን ፈልዩ ክረብሕ ዝተሓንፀፀ መስመር ብህዝቢ ቃልዕ ክወፅእን ክፍንፈንን ግድን እዩ:: ልዕሊ 30 ዓመታት ብዓይኒ ዕሙተይ ዝሰዓብናዮ "መስመር ህወሓት' ኾብኪቡ ናብ ፅንተት እዩ ኣእትዩና::

በዓል ግዘ, ኣታ ናይ ሎሚ መንእሰይ ንቓሕ! ነዚ ድርዕቶ ዝኾነ በጣጢስካ: ነዓኻ ዝምጥን መስመር ሓንፅፅ:: ምእንተ "መስመርን ዕላማን" ኢሎም ዝተሰውኡ ደመ-ከልብ ኮይኖም እዮም ተሪፎም:: ካብኦም ተመሃር:: መፈተኒ ጥይት ዳህወሓት ኸይትኾን ሓደራ::

ተኺኢልካ, ንሱር-በቆል ለውጢ; ተዘይኾይኑ ኸዓ ንወለድኻ ኹን; ተነኣሰ ግን ንበዓልኻ ኣድሕን:: ብፍላይ ሕዚ, ካብ ሞይትካ ብህይወት ተሃሊኻ ኢኻ ንትግራይን ንወለድኻን ትጠቅም::

12/06/2025

ኣነ'ለኹ ዘሐሽኩ ባርያ

መቸም ዛስልጣ ካብ ኢድኩም ትወፅእ ከምዘላ ምስፈለጥኩም ናብ ዕቡድ ከልቢ ኢኹም ተቐይርኩም::

" . . . ንጌታቸው ስልጣን ኣብይ እዩ ሂብዎ" ይብሉ'ሞ ደሓር ከዓ ስልጣን ክትኮበሎም ሶኽ-ሶኽ ናብ ኣብይ:: እሞ ደብረፅዮን ደኣ እንታይ ክዓይ እዩ ዝኸድ ዘሎ ነዲስ ኣበባ??! እሬቻ ከኽብር?!

ወዮ ደኣ ሓሳብ ህዝቢ ትግራይ ዘይተረደአኩም ኮይኑ እምበር:: ስልጣንኩም ካብ ዝመፀ ይምፃእ, ጥራሕ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣውዕልዎ::
- ግዝኣዊ ሓድነቱ ኣምልስሉ
- ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ምለሱ
- ሰላም ሃብዎ

ኣብይ ዕድለኛ መራሒ እዩ:: ብሕመቕ መራሕትና ዝረኽቦ ዘሎ ሞሣ ብገንዘብ ዓዲጉ ዘይረኽቦ እዩ:: ውግእ ብምኽፉቱ ክንደይ ይናሳሕ ይህሉ; "ነዚኦም ከምዚኣ ገይረ ብስልጣን ሕድ-ሕድ ከባልዖም ናኸኣልኩ" . . . ናበለ::

12/06/2025

ኣቤት ንዕቐት, ኣቤት ብደዐ . . .

Basically እንታይ እዩ ዝብለና ዘሎ ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ,
- ህወሓት ተድሒና ትግራይ ትድሕን
- ህወሓት ተጠፊኣ ትግራይ ትጠፍእ
---> እግዚኦ መሃረነ ክርስቶስ
ኣንታ ህዝቢ እንታይ መዓት እዩ ተደፊኡካ?! ካብ ማህፀንካ ዝወፀ ፍጡር'ውን ከምዙይ ገይሩ ይጭክነልካ?! አረ ፈጣሪ ሓዲኡ በል! አረ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ በዲልኩም?! ን 30 ዓመት ዝፀሞቕክሞ ዕረ ተገዲዱ ሰትይዎ (ፀኒቱ) ሕዚ'ኸ እንታይ ግበር ትብልዎ?!
. . ንምንታይ ናይ ህወሓት ድሕነት ሓላፍነት ናይ ኣባላታ ጥራሕ ዘይኾን! እንታይ ኣቢሱ ዝህዝቢ?! ዘልኣለሙ እናሞተ ነዓኹም ናድሐነ ክነብር በቃ ተፈሪድዎ?! . . . ዓገብ!

ቅድሚ ህወሓት ዝነበረ, ድሕሪ ህወሓት ውን ብሰላም ክነብር ዝብህግ ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ::

30 ዓመት ተሞኪሩ ዝኸሸፈ ውድብ ህወሓት: መድሕንኩም ኣነ ጥራሕ እየ ናበለ ኮብኪቡ ናብ ፅንተት ኣእትዩናስ ሕዚ'ኸዓ መሊስኩም ሞይትኩም ኣድሕኑኒ ይብል . . . ደፋራት!

መንእሰይ ኣስተውዕል: ዘዝቐደመ ኣድግኻ ኣጥፊኡልካስ; ካልኣይ ትድህለል ኢኻ ዝብል እምነት የብለይን:: ንሰላም ዘምር! ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሰላም ክነብር ኣይኽእልን!!!

Address

DMV Area
Springfield, VA
22151

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ደሃይ ተጋሩ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share