Rahena TV

Rahena TV Rahena TV is an INDEPENDENT Eritrean entertainment channel on youtube.

Rahena Tv`s main intrests are Eritreas culture, film, music, social media, media, societal problems and especially Eritreas future.

ESN ZIKRULLAH TV,,,,,,,,share and subscribe,,,,,
06/04/2024

ESN ZIKRULLAH TV,,,,,,,,share and subscribe,,,,,

ብስም ኣላህ ኣልራሕማን ኣዝዩ ሩህሩህምስጋና ነቲ ፍጹም ዝኾነ ጎይታ ዓለማት ! ካብ ዝሓለፈ ሓጺር ዘይባሃል እዋን ፡ ኣብ ጽዑቅ ስራሕን በዳህቲ መሰናኽልን ዝሓትት ፡ ኮታስ ጸጋ ናይ ኣላህን ...
10/03/2024

ብስም ኣላህ ኣልራሕማን ኣዝዩ ሩህሩህ
ምስጋና ነቲ ፍጹም ዝኾነ ጎይታ ዓለማት !

ካብ ዝሓለፈ ሓጺር ዘይባሃል እዋን ፡ ኣብ ጽዑቅ ስራሕን በዳህቲ መሰናኽልን ዝሓትት ፡ ኮታስ ጸጋ ናይ ኣላህን ራሕመቱን እንተዘይተሓዊስዎ ፡ ኣሹንካይዶ ዶ ክፍጸም ክሕሰብ’ውን ዘይክእል ፡ ዓቢ ዕላማ ተሓንጊጥና ክንጉዓዝ ጸኒሕና ኣለና ። ርዝነት ዕላማ ዝገሃድ ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ዝመላለስ ሓሳባት ፡ ኣብ ተግባር ክቕየር እንክሎ እዩ ። ብፍላይ ከኣ ፡ ኣብዚ ዘመነ ዘመን social media ፡ ነቲ ረባሽን ፍረ ዘይብሉን ትሕዝቶታት ፡ ከም ዓቢን ኣገዳስን ጉዳይ ተቖጺሩ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝርጋሔኡ ክብ ክብልን ፡ በንጻሩ ድማ ፡ እቲ መሃርን ንሕብረተ ሰብ ለዋጥን ዕላማታት ተሓንጊጡ ዝመጽእ ትሕዝቶታት ድማ ፡ ብናይ ዘመና ፈራዶ ፡ ከም ፎኪስን ወልሓንቲ ጥቅሚ ዘይብሉን እናተሓስበ ኣብ ዝነኣኣሰሉ እዋን ፡ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊን ኪንዮኡ’ውን ፡ ኣእምሮኣዊን ናይ መሬትን ሰማይን ርዝነት ፡ ድራኸ ፍጡራት ፍጹማት ሰባት (ነቢያት) ዝሓዘ ሰነድ ፡ ኩሉንትናዊ መዳያት ናይዛ ንነብረላ ዓለምን ነታ ናይ መጻኢት ዓለምን …. ንዘድሊ ስንቒ ዝገልጽ . . . ስራሕ ከተዳሉ ሓገዝ ናይ ኣላህ እንተዘይውሰኾ ፈጺሙ በይንኻ ክፍጸም ዘይክእል እዩ ። ጸጋ ረበል ዓለሚን እንተዘይኮይኑ ፡ ዝኾነ ፍጡር ቓሕን ደስን ኢልዎ ክሰርሖ ዘይክእል ስራሕ ሙዃኑ ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ዝግምቶ ሓቒ እዩ ።
ኣብ ጥበብ ዓለማዊ ስራሕ ፡ ብዙሕ ዓመታት እኳ እንተሕለፍና . . . ኣብዚ ግዜ social media’ውን ከምኡ ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ነብሱ ዝኸኣለ ናቱ ገምጋም እኳ እንተሃለዎ ፡ እቲ ዝሓለፈ ናብቲ ፍጹም ስራሕ ከመርሓና እንኮሎ ፡ ብብቕዓት ወይ ብዓቕሚ ወይ ብኽእለት ዘይኮነስ ፡ ፈጣሪ’ዩ ብፍጹም ለውሃቱ ንኽንፍጽሞ ደሪኹና ።
ብዝኾነ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ፡ ብ ፕሮፈሺናል መንገዲ ተሰሪሑ ፡ ብሰብ ሞያ ብብቕዓት ዝተኸፍተ ENS ZIKRULLAH TV CHANELL ፡ ንኣሰራርሕኡ ዝተሓልፈን ዝሕለፍ ዘሎ ዘሎ ብድሆን ፡ ኣብዚ ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን ። ኣብዚ ክንብሎ እንደሊ ግን ፡ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምና’ውን ሓበሬታ እምበር ፡ ዓሚቕ ፍልጠት ከምዘይብሎም ርዱእ እዩ ። ኪኖ ፍልጠት ዕምቖት ፡ ኣስተንትኖ ፡ እናበለ ዝቕጽል መሳልል ፍልጠት ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ኣቕጺሩ እዩ ። መንፈሳዊ ፍልጠት ድማ ፡ ነቲ ተራ ፈላጥ’ውን ዘይምችኣሉ ግዜ ኮይኑ ፡ ከየንበበ ዝመሃር . . . ከይተማሃረ ዘስተምህር . . . ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን , , , ጸጋ social media ብግቡእ ካብ ዘይምጥቓም ዝፈጥሮ ሳዕቤን ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ለባም ነቢዑ ንብዓቱ ኣብ ዝደርቀሉ ግዜ ፡ ESN ZIKRULLAH TV ናብቲ ቕኑዕ መንገዲ ክንምለስ . . . ቅዱስ ቑርኣን ብቛንቓ ዓረብ ከም ዝወረደ መጠን ነቲ ዓውዲ ዝተማሃርዎ እንተስተማሃርዎ እዩ ቀጻልነቱ ዝውሕስ ።
ንሃይማኖት እስልምና ዝገልጹ ፡ ካብ ቑዱስ ቑርኣን ትርጉም ብቛንቓ ትግርኛ ጀሚርካ ፡ ካልኦት መጽሓፍቲ ከምቲ ዝድለ ዝርገሐ ስለዘይብሎም ፡ እቲ ንቛንቓ ትግርኛ ከም መረዳድኢ ቛንቓ እናተጠቐመ ሕጽረት ቓንቓ ዓረብ ዘለዎ ዜጋ ከኣ ፡ ኣብ ቑርኣን ፡ ሓዲስን ካልኦት ትሕዝቶታት ናይቲ እምነት ዘለዎ ኣፍልጦ ድሩቱን ዉሑዱን ሙዃኑ ብምግንዛብ ፡ ረዲኤት እቲ እንኮን ሓያልን ዝኾነ ኣላህ’ውን ተሓዊስና ፡ ነዚ ስራሕ ክንሰርሕ በቒዕናስ ፡ እነሆ ናባኹም ከንብጽሖ በቒዕና. . . ኣልሓምዱሊላህ ።
1 ናይ መጀምርታ TIGRINYA AUDIO QURAN APP
2 ናይ መጀመርታ እስላማዊ ትሕዝቶ ዘለዎ CHANNEL
3 ንመጀመርያ ግዜ ዝተማልእ ታሪኽ ነቢዩላህ መሓመድ ሰላ ላሁ ዓለይሂ ወሰለም ፡ ብድምጺ ሒዝና ቐሪብና ኣለና ።

ኩሉ ምስጋና ፡ ስብሓትን ንጽህናን ነቲ ሓደን ካልኣይ’ኳ ሽርካ ዘይብሉን ሓደ ኣላህ ይኹን ። ካብ ዝተፈላላዩ ሰብ ሞያ ፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ሃገራት ኖርዋይ ፡ ሽወደን ፡ ኢስታንቡል ቱርኪ ፡ ፓኪስታን ብሙዃን ዝተሰርሐ ስራሕ ፡ ድሮ ተዛዚሙስ ብነጻ ተዘርጊሑ ኣሎ ። ሮሞዳን ሙባረክ እናበልና ፡ ኣብዚ ብዝኾነ ፍልጠት ዝኾነ ነገር ሓራ ክገብረካ ዘይክእል ግዜ፡ እሞ ከኣ ፡ ፍልጠት ኣብ ኢድካ ትምህርቲ እንተደሊኻ’ውን ኣብ ኢድካን ኣብ TV ኻ ኣብ ዝበጻሕናሉ ግዜ ፡ ብምርጫኻ ኣብ ድንቑርና ምንባር ፡ ነዚ ግዜ ክትበቕዕ ካብ ዘይምኻኣል ፡ ኣብ ዘመነ ቲክኖሎጂ እናስተነፈስካ ግና ኣብ stone age ; ምንባር ጥራይ እዩ ዝቑጸር’ሞ ተበራበር ፡ ኣስትውዕል ንቓሕ . . . . ግዜኻ ንጽባሕ ኣብ ዝጠቕመካ ነገራት ኣሕልፎ ።

Welcome to ENS Zikrullah TV, where enlightenment meets resonance! Tune in now to embark on a journey through the divine verses of the Quran, translated into ...

ዘሐጉስ ብስራት ን አፍቀርቲ ስነጥበብን ፊልምን ሃገርና 🎬 ጽባሕ ቀዳም 9 ታሕሳስ (Dec 9- 2023) ካብ 12›00 ቐትሪ፣ " አብ ጸላም ልቢ" ምልእቲ ፊልም  ብ ፉኣድ አላሚን ዝተዳለወት...
09/12/2023

ዘሐጉስ ብስራት ን አፍቀርቲ ስነጥበብን ፊልምን ሃገርና 🎬 ጽባሕ ቀዳም 9 ታሕሳስ (Dec 9- 2023) ካብ 12›00 ቐትሪ፣ " አብ ጸላም ልቢ" ምልእቲ ፊልም ብ ፉኣድ አላሚን ዝተዳለወት ፣ ብ ራሔና ቲቪ ዝተመወለት ስራሕ ጀባእ ንብለኩም ! 🙂
ከምኡ ድማ አብ ቀረባ እዋን ሓዳሽ ፊልም " እዝራ " ናብ ስኔማታት ኤውሮፓን ካልእ ክፋል ዓለማትናን አብ ቀረባ እዋን 🙂
አብ ዘዘለናዮን በብዘላናዮን ሰላምን ጥዕናን 😊
ከምኡ ድማ ርሑስ ቅናያት አውድኣመታት ንኹልና ☺️
Dont forget to share and subscribe 👍

We gonn misss you habibi
11/05/2022

We gonn misss you habibi

Adress

Gothenburg

Öppettider

Måndag 09:00 - 17:00
Tisdag 09:00 - 17:00
Onsdag 09:00 - 17:00
Torsdag 09:00 - 17:00
Fredag 09:00 - 17:00
Lördag 09:00 - 17:00
Söndag 09:00 - 17:00

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Rahena TV postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Dela