Kaleb Tube

Kaleb Tube giving of truth information to the community

27/05/2020
09/12/2019
What A proud Effort!!!
09/12/2019

What A proud Effort!!!

24/02/2019

ስልጣን ኮነ ውልቀ ክብሪ ትሕቲ ትግራይን ትግራዋይን’ዩ።

ሰላም! ከመይ ኣለኹም?
ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዘለናሉ መድረኽ ክበፅሕ ዝኸኣለ፣ ኩሉ ዓይነት ሽርሒታትን ውዲታትን ብብልሓት እናምከነ፣ ፀግዒን ዘራይን ዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ እንከይኣለሸን ከይተፀበየን እናተበራረዩ ምስ ዝመፁ ጎብለላት ኢና በሃልቲ ገጢሙ፣ ክምህ እንከይበለ በዘካየዶ ተጋድሎ፣ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ሕብረቱን ሓድነቱን ኣሐይሉ፣ ኩሎም ከይዲታቱ ሳይንሳዊ ብዝኾነ ኣገባብ እናተንተነ፣ ናይ ምእማት ብቕዓቱ እናጎልበተን ፀገማት ከይፍጠሩ ተጠንቂቑ እናሰጎመ ፣ ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ንዘጓነፉ ጌጋታት ብዘየዳግም እናኣረመን ኣብ ሓቀኛ መስመሩ ዓሲሉ ሳለዝተጋደለን፣ ኣብ በቢ ምዕራፉ ንዘገጠሙዎ ኣዝዮም ፅንኩራት መድረኻት ብፅንዓትን ብብልሓትን ክሓልፎም ስለዝኸኣለን’ዩ ሰብኣዊ መሰሉን ሓርነቱን ከውሕስ ዝኸኣለ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ’ውን መፃኢ ዕድሉ፣ ኣብ ሕብረቱን ሓድነቱን፣ ኣብ ፖለቲካዊን ድፕሎማሲያዊን ብቕዓቱን ብቐንዱ ከኣ ኣብቲ ዝጀመሮ ወፍሪ ኣንፃር ድሕረትን ድኽነትን ብዘመዝግቦ ዓወት’ዩ ዝምስረት። ሕዚ’ውን ሰብኣዊ መሰሉን ሓርነቱን ውሕስን ድልዱልን ሰረት ዝህልዎ፣ ከምታ ናይ ቀደም ሕብረቱን ሓድነቱን ኣጠናኽሩ፣ ኩሎም ካልኦት ኣተሓሳስባታት ትሕቲ ሃለዋት ህዝቢና ጌርካ ብምርድእ፣ ኣብ ፅላል ውድቡ ዓሲሉ እንትቃለስ ጥራሕ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶን ብዝኸፈሎን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ እዛ ሃገር ንፈለማ እዋን ብሕገ መንግስቲ እትምራሕ፣ ፌዴራላዊትን ዜጋታታ ብማዕረ እትሓቁፍ ዓዲ ክትህነፅ ርኡይ እጃም ተፃዊቱ’ዩ። ይኹን’ምበር ደንበ ምድሕርሓር ሕዚ’ውን ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ሕገ መንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን እዛ ሃገር ንምፍራስ 24 ሰዓት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ብምዃኑ ኣብዚ ዘለናሉ መድረኽ ናይ ጥፍኣትን ህውከትን ሓደጋ ኣንፀላልዩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀሩ ናይ ፀለመ ተኸታታልቲ ወፍሪታት ክካየዱ ፀኒሖምን ኣለዉን።

ስለዚ ከም መንግስቲን ውድብን ቅድሚ ድሕንነት ህዝቢና ምርግጋፅን ውሕስ ምግባርን እንሰርዖ ኣጀንዳ የብልናን። ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ መስዋእቲ ከፊሉ ዓዲ ክትቀንዕ ጌሩ’ዩ። ሕዚ ግን ዳግም ሕልፊ መስዋአቲ ዝኸፍለሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን። ስለዚ ድሕንነት ህዝቢና ኣብ ምርግጋፅ እጃም ክፃወት ምስ ዝኽእል ዝኾነ ኣካል ኩሉ ተረዳዲእና፥ ተደጋጊፍናን ተሓባቢርናን ክንሰርሕ ግድን’ዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዋና ናይ ኣሰላልፋ መዐቀኒ፣ ድሕንነት ህዝቢና ኣብ ምውሓስ፥ ሕገ መንግስትናን ፌደራል ስርዓትናን ካብ ዝተነፀሩ ስርዓታት ወፃኢ ከይቕየር ኣብ ምሕላው ምስ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ይኸውን ማለት’ዩ። ናይ ውድብን መንግስቲን ዋኒን እውን ጠለባትን ድሕንነትን ህዝቢና ምርግጋፅ’ዩ። ኣብዚ መሰረታዊ ናይ መንግስቲን ውድብን ልኡኽ ኣስተዋፅኦ ክገብር ምስ ዝደሊን ዝኽእልን ኩሉ ተደጋጊፍካ ምስራሕ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ። ስልጣን ኮነ ውልቀ ክብሪ ትሕቲ እዚ መሰረታዊ ልኡኽ’ዩ።

ብፍላይ ኣንቱም መናእሰይ፣ ከምቲ ጀምርኩሞ ዘለኹም ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን ብግቡእ ክትርድኡ፣ ብኹሉመዳይ ድልዋትን ብቑዓትን ክትኮኑ ይግባእ። ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድብ ህወሓትን ከምቲ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ብዕምቆት ክትፈልጡ፣ ካብዚ ውህሉል ተሞክሮ ክትመሃሩን፥ ናይ’ዚ ዘለናሉ መድረኽ ባህሪን ትሕዝቶን ብዝርዝር ተረዲእኹም ነቶም ዘለዉ ዕድላት ፀንቂቕኩም ኣብ ረብሓ ክተውዕልዎምን ነቶም ክህልዉ ዝኽእሉ ብድሆታት ከኣ ብብቕዓት ክትምክትዎምን ክብሪታት ህዝቢ ትግራይ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ክትምርሹን ይግባእ። እዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ናይ ቃልሲን ዓወትን ምዕራፍ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ብዝለዓለ ድሲፕሊንን ብዝለዓለ ኣድማዕነትን ኣብ በቢዝተዋፈርናሉ ለይቲን መዓልቲን ክንሰርሓናሉ ዝግባእ’ዩ፡ ከም ተቐበልቲ ሕድሪ መጠን ከምቶም ኣያታትኩም ኣብ ግዜኹም ድኽነትን ድሕረትን ብምቅባር ኣቢልኩም ነባሪን ሓዱሽን ታሪኽ ክትሰርሑ ይግባእ። ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ኣባኹም ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ልዕሊ ኹሉ ሓድነትን ሕብረትን ዝዘርጉ ምንቅስቓሳት ክተወግዱ፣ ሓድነትኩም ኣስጢምኩም ንቓልሲን ዓወትን ድልዋት ኩኑ።

ሰላም!

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kaleb Tube posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share