ተካሩ - tekaru

ተካሩ - tekaru voice of ancient civilization !!!

መምህርን ፀሓፊ ታሪኽን ገብረኺዳን ደስታ ብዛዕባ ነባር መንነትን መሬትን ትግራይ ይዛረቡ፡፡
26/10/2020

መምህርን ፀሓፊ ታሪኽን ገብረኺዳን ደስታ ብዛዕባ ነባር መንነትን መሬትን ትግራይ ይዛረቡ፡፡

መስቀል ቤዛነ !!./ ብኢንጅነር ታደሰ የማነ/ ================ትግራይ መበቆል እምነት ክርስትናን እስልምናን ምስ ምዃና ከባቢና ዘለዉ ኣሓት ህዝቢ ሓዊሱ በብዓመቱ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ...
21/09/2020

መስቀል ቤዛነ !!.
/ ብኢንጅነር ታደሰ የማነ/
================

ትግራይ መበቆል እምነት ክርስትናን እስልምናን ምስ ምዃና ከባቢና ዘለዉ ኣሓት ህዝቢ ሓዊሱ በብዓመቱ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ዝሳተፉሎም ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ህዝባውን በዓላት ተኽብር። ስለዝኾነ'ውን ቱሪዝም በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ትግራይ ኣፀቢቓ ዘይረአየቶ ትሕቲ እግራ ዝርከብ በብዓመቱ ብቐሊሉ ቢልዮናት ክትሓፍሰሉ ትኽእል ዘይተጠቐመትሉ ዓብዪ ሽሻይ እዩ።

ሙቁር ባህላውን ሃይማኖታውን ኣከባብራ መስቀል ዓጋመ ድማ ኩላትና ክንኽተሎ ዝግባእ ብሉፅ ተሞክሮ ቱሪዝም በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ እዩ። ደቂ ዓጋመ በብዓመቱ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ፀይሮም እንተነኣሰ ሓደ ሰሙን በዓል መስቀል ምስ ስድረኦም የሕልፉ። ቅዱስ ጉዕዞ መስቀል ዓጋመ፣ ኣሓትና ምስ መረበቶም ዘለዎም ማሕበራዊ ርክብ ክድልድል ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ዓብዪ ሽሻይ ፍሰት ሃፍት'ውን የምፅእ።

ስለዝኾነ'ውን ዓለም ሙሉእ እንርከብ ተጋሩ ብውነ ኣሰር ዓጋመ ኣሓትና ተንኽተል ትግራይ ሰፈር ኹሎም ዓይነታት ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ጥበብ፣ ሃይማኖት ምስ ምዃና እንተወሓደ በብዓመቱ ዓድና ክንመላለስ ሽሕን ሚኢትን ዘይሙነዉ ሙቁራት ምኽንያታት ኣለውና።

1 - ኣኽሱም ማእኸል ዝገበረ ሃይማኖታዊ ምርኢት ኣከባብራ በዓል ሕዳር ፅዮን ምስ ዑደት በሪኽ ታሪኽ ስልጣነ ኣኽሱምን ካልኦት ከባብታትን ተኣሳሲሩ

2 - መቐለ - ዓብዪ ዓዲ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸ ምርኢት ካርኒቫል በዓል ኣሸንዳ ምስ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ተኣሳሲሩ

3 - ኢሮብ ሓዊሱ ባህሊ ዓጋመ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸ ምርኢት አከባብራ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል መስቀል

4 - ባህሊ ራያ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣከባብራ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል ጥምቀት

5 - ደደቢት/ሽረ ማእኸሉ ዝገበረ በብዓመቱ መላእ ትግራይ ዝዘውር ድሙቕ ኣከባብራ ወርሒ ለካቲት ምስ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ተኣሳሲሩ

6 - ጎቦታት ዓድዋ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸ ኣከባብራ ዓወት ዓድዋ ምስ ምንቅስቓሰ ፓን ኣፍሪካን ተኣሳሲሩ

7 - ክረምታዊ በብዓመቱ ዝኽበር ትግራይ ቱር ዓድኻ ፍለጥ ዓለም ለኸ ቕነ ዳያሰፖራ

8 - ዑደት ገዳማት ገርዓልታ ተሓሳቢ ዝገበረ ዓለም ለኸ ኣከባብራ በዓላት ኣብርሃ ወ ኣፅብሃን ኣቡነ ኣረጋውንን

9 - ዓለም ለኸ ካልኣይ መካ ዝኾነ ዓመታዊ ጉዕዞ መስጊድ ነጋሽ ኣፀቢቕካ ብደረጃ ዓለም ምፍላጥ

10 - ገርዓልታ፣ ጉንዳ ጉንዶ፣ ፅበት፣ ኣላጀ፣ ግራ ካሕሱ፣ ሶሎዳ፣ ጮምዓ ዝመሳሰሉ በብኸባቢና ዝርከቡ ጎቦታት ንሓኾርቲ ምችው ምግባር

11 - ዘለና ተሃራፊ ኣቀማምጣ መሬት ተሓሳቢ ዝገበረ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዉድድር Trekking & Biking Tigrai Mountains ምድላው

12 - ዑደት ዴስኣ/ኣርሖ ኣርታዕለን ዳሉልን ዝሓወሰ መቐነት ቱሪዝም ኣሓት ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን

13 - ገዳም ዋልድባ፣ ፀጋታት ሩባ ተከዘን ገነት በረኻ ሑመራን ተሓሳቢ ዝገበረ ዑደት ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ

14 - ቀዳም ወ ሰናብቲ ፕርግራማት ሕድሳት መንፈስ ኣብ ሓሸንገ፣ ማይ ሎሚን፣ ተከዘ፣ ዛሬማ፣ ገረብ ግባ፣ መረብን ካልኦት በብኸባቢና ዝርከቡ ሩባታትን ግድባትን

15 - ዘይተጠቐሱ በብኸባቢና ዘለዉ ታሪኻውን ሃማኖታውን በዓላት ብሕልፊ ገዳማትን ዓመታዊ በዓላት ቤተክርስትያንን

ዓባይ ትግራይ ዓበይቲ ፍልጠትን ክእለትን ብዝወነኑ ተጋሩ ትግለፅ። ወሰን ዳርቻ ትግራይ'ውን ብንሃንፆ ብራኸ ምዕባለ ትግራይ ልክዕ ይውሰን። ስለዝኾነ'ውን ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዝተለመደ ናይ ዘመናት ዕንኪሊል ተቓርኖ ፖለቲካ ኣውፂእና ውሽጥና ብዘይንሕስያ እንተሪኢና ዘመን ትግራይ ሐዚ እዩ ።

መስቀል ቤዛነ - 6831 OK 🌻🌻🌻

ተካሩ ቲዩብ ሰብስክራይብ ብምግባር ዓድኹም ፍተው!!
18/09/2020

ተካሩ ቲዩብ ሰብስክራይብ ብምግባር ዓድኹም ፍተው!!

የቐንየልና ንዳያስፖራ  ወገናትና====================ተጋሩ ዳያስፖራ  ትግራይ ተፅጊማ ሓጊዙኒ እንትትብል ኣብ ብዙሕ መዳያት ሕፁፅን ኣዕጋብን ድጋፍ እናሃቡ ፀኒሖም እዮም:: ዓሚ ጀ...
12/09/2020

የቐንየልና ንዳያስፖራ ወገናትና
====================

ተጋሩ ዳያስፖራ ትግራይ ተፅጊማ ሓጊዙኒ እንትትብል ኣብ ብዙሕ መዳያት ሕፁፅን ኣዕጋብን ድጋፍ እናሃቡ ፀኒሖም እዮም:: ዓሚ ጀሚሩ ንዘጋጠመና ናይ ኮሮና ሓደጋ ንምክልኻል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝገበረቶ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ተጋሩ ዳያስፖራ ዘወፈዩዎ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንዝክሮ ይግባእ:: ኣብ 38 ሃገራት ዝነበሩ ወገናትና ንኮሮና መከላኸሊ 990140 ዶላር ኣበርኪቶም:: ብዚ ግንዘብ እዚ ድማ ብርክት ዝበለ ናይ መመርመሪን መከላከሊ ናውትን ተዓዲጉ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ኣሎ:: ክብርን ምስግናን ዳያስፖራ ወገናትና::

ዶ.ር ኣክሊሉ ሃ/ሚካኤል

ዋና ዳይሬክተር ማልት

Address

Tigrai Satadium
Mekelle

Telephone

+251914722649

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ተካሩ - tekaru posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Establishment

Send a message to ተካሩ - tekaru:

Share