Axum Architectural Heritage conservation

Axum Architectural Heritage conservation Axum /Aksum is ; The Cradle of Civilization .

ውፅኢት ኢደጥበብ ስፌት ኣኽሱም ኣብ ድሮ በዓል ሆሳእና !!
13/04/2025

ውፅኢት ኢደጥበብ ስፌት ኣኽሱም ኣብ ድሮ በዓል ሆሳእና !!

06/12/2023


!
-------
ወለድኻ ፅቡቕ እንተሰሪሖም ትኾርዐሎም ጥራይ ዘይኮነስ ከምኦም ክትከውን ኢልካ'ውን ትሕልን። ከምኦም ምዃን እንተኣበየካ ዝሰርሑልካ እንዳኣካረይካ ወይ እንዳኣጎብነይካ በቲ እትረኽቦ ኣታዊ ትናበር።

ኣብ ዕፅዋን ከበባን ከምዝነበርና ኣይረሳዕኹዎን። ዘይርሳዕ ኣይርሳዕን'ሞ። ሎምቅነ ብምኽንያት በዓል ሕዳርፅዮን ኣብ ኣኽሱም እየ ቀንየ። ርኢኻ ዘይትመንዎን ደገምካዮ ሰለስካዮ ዘይምነውን ፀጋታት ኣለዋ ኣኽሱም።

ብዙሕ ነገራታ ዳግማይ ተመሊሰ ርእየዮ። ከምታ ቀደም ዝራኣይኩዎ ኮይኑ ዝፀንሐኒ ነገራት ኣሎ። ዓንዩን ተበላሺዩን ዝረኸብኩዎ ኣሎ። ሓዱሽ ነገር እንተሎ ኣብቲ ዘይሓዱሽ ከባብታት እዩ። ንስ'ውን ዝፈረሰን ብዙሕ ዝተጎሳቖለን ኮይኑ ረኺበዮ። ኩሉ ይምነይ እዩ'ሞ ኣኽሱም ሰላም ዘይተመነየት ከ መን ይምነይ? ካሊእስ ይትረፍ ቤተክርስትያን ፅዮን ማርያም'ኳ ሹድሽተ ጊዜ ተሰሪሑ ብኲናት ነዲዱ እቲ ናይ ሎሚ ጥንታዊ እንብሎ ንመበል ሻውዓይ ጊዜ ዝተሰርሐ እዩ። ሻውዓይ ምፍራስ ኣየጋጠሞን'ምበር ሻዕብያ ደፊሩዎ ብዙሓት ኣመንቲ፣ቀሳውስቲ፣ መናእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብግፍዒ ረሺኑ ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ ጨፍጫፍን ዕዩን ታሪካዊ ግብሪ ወረርትን ዘኪርና ኢና።

ድሕሪ'ዚ ኩሉ ተመክሮ ፖለቲካ ኣኽሱም ከም ኩሉ ጥዑይ ህዝቢ ስለ ሰላም ጥራይ እዩ። ኣኽሱም ብዙሕ ጊዜ ፈሪሳን ተሰሪሓን እያ። ኣብ ልዕሊ ዝፈረሰ ገዛታት ዝተሰርሐ ገዛታት መሊኡ እዩ። ወረ እንተደሊኹምስ ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝተሰርሑ ገዛታት'ውን ኣይሰኣኑን። ለባማት ዓዲ ጥልያን መቓብር ወለዶም ወለኢሎም ዑና ኣቦሓጎታቶም ጨጊኖም "ኣንቲካ" ኢሎም እንባኣጎብነዩ እዮም ጥዑም ምግብን መስተን እንዳሸጡ ብቱሪዝም ዝናበሩ። ኣባና ጥንታዊ ቅርስታት እንዳደፈንካ ይንበር። እቲ ሓወልቲ ዙርያኡ ብኣጉዶ ገዛታት ተኸቢቡ ከምዝነበረ ናይ 1906 ዓ.ም ጀርመናውያን እኒ ኤኖ ሊትማን ( ካዕቲ ጥንታዊ ቅርሲ ዘካየዱ) ዝገደፉልና ፎቶግራፍ ይምስክር።ስለዚ ኣብ ኣኽሱም ቀረባ በዓል ነፀላ መንድቕ ጎረቤትካ ሓወልቲ ጌርካ እትነብረሉ ዘበን ነይሩ እዩ።

ኣጉዶታት ቅድም ኢሎም ተላዒሎም እቲ ቦታ ብሳላ ልኡል መንገሻ ስዩም ተፃራርዩ "መናፈሻ ሓወልቲ" (Stele Park) ተባሂሉ ዝተፀወዐ፣ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣክሱም ክጉብንያ ክመፅኣ እየን ምስተብሃለ እዩ። (ሽዑ ቦይ ስካውት ተባሂልና ዩኒፎርም ተኸዲንና ኣብ ቅድሚት ተሰሊፈ ከምዝተቐበልናየን ይዝከረኒ።) ዳህሳስ ጥንታዊ ስፍራ ኣክሱም ብድሕሪኡ በብጊዜኡ ይካየድ ነይሩ። እኒ ዳቪድ ፊሊፕሰን፣ ፋቶቪችን ካልኦትን ዘካየዱዎም ዳህሳሳት ካብቶም ተጠቀስቲ እዮም። እዞም ናይ 1970ታት ዳህሳሳት ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ መቓብር ዝርከቡ ዓበይቲ ክእመን ብዘፀግም ጥበብ ዝተሰርሑ መካነ መቓብራት እዮም ከምዘለው ኣግሂዶም። ኣብ ትሕቲ እቶም ብቅውሞምን ወዲቖምን ዝርከቡ ሓወልትታት ገዛታት ኣለው ዝብል "ኣፈታሪክ" እዮም ትኽክል ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም። ብዙሕ ሰብ ፅውፅዋይ ብዝብል ኣይኣምኖን ነይሩ።

ኣክሱም 'ፅውፅዋይ' እያ ብዝብል ዝገልፁዋ ሰባት ነዚታት ስለዝዕዘቡ እዮም። ሳላ ተረኺቡ ዝተኸፈተ ብዙሕ ሰብ ኣድናቖቱ ወሲኹ። እዚ ግርም ኢልና ተመላሊስና ሪኢናዮ።
ሎምዘበም ከም ቀደመይ ክርእዮ ኢለ ከይደ። ለላዕሉ ጥራይ'ምበር ክርእዮ ከምዘይክእል ተገሊፁለይ። ንምንታይ? ኢለ ሓቲተ። ብቅድሚት እቲ ናብ መቓብር ሮምሃይ ገፅ ዘሎ ትሕተ መሬት መቓብር መእተዊኡ ፈሪሱ ስለዘሎ ብገመፍ ተሓፂሩ ኣሎ። ስለዚ ከም ቀደሙ ኣይእተውን።

Source Tigray Tribune

14/05/2022

Our cultures are our identities.

09/10/2020

ናይ ቅርሲ ከባቢታት አክሱም ከመይ ይልምዑ??ከመይ ይፅረዩ?? ከመይ ምንጪ እቶት ይኹኑ??

1, ኣብ ናይ መንግስቲ ኪሒሱ ዝረኸቦ መሬት?
🔨1.1, ዝተረኽበ ቅርሲ ልዕሊ መሬት እንተኾይኑ
➖ባህላዊ ፅገናን ሓፁርን ብምጥቃምን ፍልፍል እቶት ምግባር
➖ሓባሪ ፅሑፍ ምቅማጥን guide ቢሮ ምህናፅን
1.2, ዝተረኽበ ቅርሲ ትሕቲ መሬት እንተኾይኑ
▶ክሳብ ዝኴዓት ን ናይ ባህላዊ ደኣንት ማሕበራት ምክራይ ወይ ምዕዳል (ባህላዊ ምንፃፋት ዝሰርሑ,ጥልፊ,እንዳ ጣውላ,Art...)፣ሕ/ሰብ ኣብ ዘለዎ ክፀንሕ ምግባር (ካብ ኣደዳ ጓሓፍ ንምንጋፍን ሰለጤን ኣገልግሎት ንክህሉን) መሰረት ዝገበረ እዩ።
2, ሕ/ሰብ ከመይ የልምዕ/ይንገድ?
🔧2.1, ኣብ "Core Zone" ዝርከቡ
2.2, ኣብ "Buffer Zone" ዝርከቡ
2.2.1, ካብ 'old town' ወፃእ ዝርከቡ ናይ 'ባህላዊ ንግዲ ኣገልግሎታት' ምድብ ፕላኖም ብምቅያር
✔ባህላዊ ምግቢ ኣደራሻት/ኣንቲካ/
✔ባህላዊ ናይ ስብሰባ ኣዳራሻት
✔ባህላዊ መጋየፅታት
✔ባህላዊ መፃሕፍቲ
✔ባህላዊ ክዳውንቲ
✔ባህላዊ ምንፃፋት
✔እንዳ ቡና,ጀበና,ዕትሮ,ስፈታት(መሶብ,ሌማት,ሰፍኢ,መሽረፈት ወዘተ)
🌁ባህላዊ መግጔዓዝያታት ምትትታው All over the old town/to decrease sound & other disturbances & to increase trade transaction & tourist mobilization/
🌁Movable ሽንት ቤት ምትትታው/to protect grabbed heritages & to benefit the Society .

ብ ሙኡዝ ኣስገዶም / by Muez Asgedom /

✔🔐ቅርስታትና ክዕቐቡን ፍልፍል እቶትን ክኾኑ ይግባእ።🔐✔   ከተማ አክሱም ኣብዚ ሕዚ እዋን ፭ ጣብያታት ዝሓዘት እንትኸውን ማለት 'ውን ከም ጣብያ ሓወልቲ ፣ ንግስተ ሳባ፣ክንደያ፣ሓየሎምን ...
24/05/2020

✔🔐ቅርስታትና ክዕቐቡን ፍልፍል እቶትን ክኾኑ ይግባእ።🔐✔

ከተማ አክሱም ኣብዚ ሕዚ እዋን ፭ ጣብያታት ዝሓዘት እንትኸውን ማለት 'ውን ከም ጣብያ ሓወልቲ ፣ ንግስተ ሳባ፣ክንደያ፣ሓየሎምን ማዕበልን ከም ዝኾና ዝፍለጥ ኾይኑ ብፍለይ ከዓ "ጣብያ ሓወልቲ" አብዚ ሕዚ እዋን ክሊ ጥንታዊ ከተማ ኣክሱም ዝሓዘት እያ። ስለ ዝኾነ 'ውን ኣብአ ዝርከቡ ትሕቲ ምድርን ልዕሊ ምድርን ዝኾኑ ታሪኻዊ ትሕዝቶታታ መፍለዪ መነትናን መግለፂ ዕብየትናን ጅግንነትናን ዝለዝኾኑ ብፍሉይ ክዕቐቡን ፍልፍል እቶትን ክኾኑን ይግባእ።

https://youtu.be/Tyd0tvoxtIk
20/04/2020

https://youtu.be/Tyd0tvoxtIk

Subscribe ይግበሩ! ©Copyright: Dimtsi Weyane Television Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited. ----------------------------- Webs...

Axum Was The Capital City of Ethiopia Throughout Much of The First Millennium.
19/04/2020

Axum Was The Capital City of Ethiopia Throughout Much of The First Millennium.

Address

@Axum
Aksum

Telephone

+251914227925

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Axum Architectural Heritage conservation posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share