24/04/2026
ሰብ ዋና ወልዋሎ፡ ኣብ ማእኸል ፈተና ዘርኣኽምዎ ፅንዓት ክምስገን አለዎ!
ጋንታ ወልዋሎ ገና ካብቲ ዘጋጠማ ናይ ፋይናንስ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ከይተናገፈት ን ፅባሕ ታይ ከም ዝፍተጠር አይዘይተፈለጠሉ እዋን፣ እዛ ታሪኻዊት ጋንታ ደው ኢላ ንክትቕፅል ብዝገበርኩምዎ ዘይሕለል ደገፍ Kora Sport ልባዊ ምስጋና የቕርብ።
እቲ ፀገም ከየሐለለኩም ኣብ ጎኒ ጋንታኹም ተሰሊፍኩም ዘለኹም ኩላትኩም
ሙሉእ ኮችንግ ስታፍን ተፃወትን ንዘርኣኹምዎ ትብዓትን ሞያዊ ተኣማንነትን: ክብሪ ይግበአኩም ::
ናይ ልቢ ደገፍቲኣብ ፅቡቕን ሕማቕን ብተስፋ ካብ ጎኒ ጋንታኹም ስለዘይተፈለኹም ክብሪ ይግበአኩም
ሰብ ሃፍቲ እዛ ጋንታ ከይትፈርስ ኩሉ ዓቕምኹም ንእትገብሩ ደቀባት ክብሪ ይግበአኩም።
ፀገማት እናጋጠሙ ከለዉ ኣብ ጎኒ ምዃን ናይ ሓቀኛ ናይ ተኣማንነት መግለፂ እዩ። ክብሪ ይግበአኩም! ሐዚ እውን ኩላትኩም ደገፍቲ ት ፀገም ክፍታሕ ን ዝምልከቶ አካል ተፅዕኖ ብምፍጣር ጋንታኩም ካብ ፀገም ክተላቅቅዋ kora sport ፃውዒትና ነቅርብ ።