ማእለማ

ማእለማ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ማእለማ, Performance Art, Addis Ababa.

Fort simpson  today night 🌙
13/09/2025

Fort simpson today night 🌙

18/01/2025
06/01/2024

ናበይ ኢኻ?

ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ኣሜሪካ ሓንቲ መንእስይ ብሓደጋ ሞቶር-ሳይክል እግራ ሰንከለት፡፡እዛ ኣዝያ ጽብቕትን መስተውዓሊትን ከምኡውን _ ስድራኣ ብዙሕ ተስፋ ዝገበሩላ መንእሰይ ነዚ ኣብ ዓሰርተው ሾውዓተ ዓመት ዕድሜኣ ዘጋጠማ ጉድኣት ረሲዓ ክትነብር ትኽእል'ያ ኢሉ ዋላ ሓደ ሰብ ዝግምት ኣይነበረን።እቶም ናብ መንፈሳዊ ህይወት ዘነቓቕሕዋ ወለዳ'ውን ካብ ንብዓቶም ተገላጊሎም ናይ ጓሎም መጉዳእቲ ንኸብሪ እግዚኣብሄር ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም ይግምቱ ኣይነበሩን።እዛ ጓል ግን ቅድሚ ምስንካላ ዝሰምዓቶ ፍቕሪ- እግዚኣብሄር_ንኹሉ ኣረሰዓ፡፡ቅድም ኣብ ግዜ ንእስነታ ከምቶም ብኸመይ ከምዝኸዱ ዝጭነቑ ዝነበሩ መንእሰያት ተሳሒባ ነበረት፡ሕጂ ግን ናበይ ክትከይድ ከም ዘለዋ ጥራይ ኣብ ልባ ተስፋ ኣትረፈት።

እዛ መንእሰይ ንጉድኣታ ብምጉርምራም _ ክትልውጦ _ ከምዘይትኽእል ተረዲኣ፡ነቲ_ምልውዋጥ ናይ መዓልትታትን ናይ ኩነታት ምቅይያርን _ ዘየጉድሎ _ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ጽላት ልባ ብምቕማጥ ንዓቢ ዕላማ ተለዓዓለት።ሓደ መዓልቲ ከኣ ሰባት ፍሉይ ከእለቶም ኣብ ዘርእዩሉ መድረኽ ሃንደበት ተሲኣ ደው በለት፡እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ እንታይ'ያ _ ከተርእየና፧ኢሎም እናተጸበዩዋ፡ቀጺላ እቲ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ከእለታ ክትዛረብ ጀመረት።ኩሎም _ ከኣ _ ብንብዓት እናተሓጸቡ ይሰምዑዋ ነበሩ።ንሳ ኸኣ፦“ሓቂ ንምዝራብ ናተይ _ ፍሉይ ክእለት እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን'የ_ኔረ"፡ሕጂ ግን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቂመ ሓደ ነገር ክነግረኩም እደሊ ኣለኹ በለት።ኣስዒባ በቲ ዘጋጠመኒ ናይ ሞተር-ሳይክል ሓደጋ ሓደ እግረይ ስኢነ'የ፡ዶከተር ንሾውዓተ ኣዋርሕ ብዝገበረለይ ክንከን ከኣ ቁስለይ ክሓዊ ክኢለ ኣለኹ።ኣብ ዕድመይ ዝተማሃርክዎ ሓደ ፍሉይ ክእለት ኣሎ፡ንሱ ከኣ ካብቲ ሓደጋ ዝወረደኒ ግዜ _ እምነተይ እናዓበየ _ ምምጽኡ ኢዩ።መብዛሕቲኹም ብነጻነት ክትንቐሳቐሱ _ እሪአኩም'የ፡ኣነ'ውን _ ከማኹም ከንቀሳቐስ _ እንተዝኽእል – ሓጎስ ምተሰምዓኒ፡እንተኾነ ኣብዚ ደው ኢለ ዘለኹ ኣብ ሂወተይ ዝተማሃርኩዎ ነገር ክነግረኩም ስለዝደለኹ ኢየ፡፡እቲ ቀንዲ ነገር''ብኸመይ ከም እትንቀሳቐሱ ምፍላጥ ኣይኮነን፡እቲ ዝበለጸ ምስ መን ከም እትኸዱን ምሳኹም መን ከም ዘሎን" ምፍላጥ እዩ።እግዚኣብሄር ምሳይ ኮይኑ ይመርሓኒ፡ይዛረበኒ ድማ፡ኣነ ናቱ ምዃነይ ከኣ ይነግረኒ።“ናበይ ከምእትኸዱ ኣብ ዝፈለጥኩሙሉ ግዜ እግሪ እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ከምዘይምዃኑ ክትርድኡ ክትክእሉ ኢኹም” ምስበለቶም ኩሎም ብዋሕዚ ንብዓት ተሓጸቡ። ብኸመይ ከምዝስጉሙ ዝጭነቑ ዝነበሩ መንእሰያት ከኣ ናበይ ከምዝኸዱ ምሕሳብ ጀመሩ'ሞ እቲ ዝዓበየ ከእለት ተረደኡ፡''

ራኢ ዘለዎ ወልዶ

04/04/2022

ነብስካ ሕተት!

ሰባት ኣቀይሞሙኒ ኢልካ ቅድሚ ምሕራቅካ ንደቃይቅ ንነብስካ ሕተት ሰባት ዶም ኣቀይሞሙካ ወይስ ናተይ ሕጊ ኩሉ ሰብ ከክብሮ ኣለዎ ዝብል ናይ ውሽጢ ድምጺ ኡ ዘቀየመካ ?

ዝበዝሐ ግዜ ዝሕርቀካ ነገር ሰባት ብናተይ ሕጊ ክምርሑ ኣለዎም ብምባልካ ሰባት ነቲ ሕጊ ምዘይ ቅበልዎ ክትቅየም ክትሓቅ ዘይ ኮነ ዘለካ ክትርዶኦም ይግባኣካ።

ናይ ሓጎስ ምስጥር

ሑጉስ ሙካን ዓቢ ምስጥር ገና ብዝመጽእ ምሕሳብ ጥራይ ኣይ ኮነን፣ ናብ ህወትና ዝመጸና ምሕሳብ ኡ። ናብ ህወትና እተ መጹ ምስጥር ህያብ ሓደ ናይ ሎምዓቲ ምዓልቲ ኣ።

ናይ ሎምዓንቲ ምዓልቲ ቅድሚ ሕጂ ኣቀዱሙ ዝራኣያ ኣሎዱ? የለን! ስለዚ ሓድሽ ህያብ ኡ። ንሃብታምን ድካን፣ ንዓብን ንንእሽተይን፣ ንጋልን ንወድን ብማዕረ ዓባይ ህያብ ካብ ፈጣሪ! ዝተውሃበና እዛ ማዓልቲ ኣ እዚ ዝገበረ ፈጣሪና እተ ኣመስግና ሓቀኛ ሓጎስ ልብና ክመሉኡ።

@ ማእለማ

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማእለማ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share