Maico Zecca Wedi Bayto

Maico Zecca Wedi Bayto I love Eritrea in its entirety. I love the people, the culture, the food, the weather, the peace

ፈዳይን ኤርትራደቒ ኤሬይብዛዕባ ኣብ ሱዕድያ ዝነብር ሓርበኛ ህዝብና ነቲ ኣብ ጊዜ ሰውራን ድሕሪ ነጻነትን ዘካየዶ ቓልስን ዘበርከቶን ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ዝኾነ ጽሑፍ ከምዘየለ ሓቲተ ዝረኸብክዎ...
20/10/2024

ፈዳይን ኤርትራ

ደቒ ኤሬይ

ብዛዕባ ኣብ ሱዕድያ ዝነብር ሓርበኛ ህዝብና ነቲ ኣብ ጊዜ ሰውራን ድሕሪ ነጻነትን ዘካየዶ ቓልስን ዘበርከቶን ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ዝኾነ ጽሑፍ ከምዘየለ ሓቲተ ዝረኸብክዎ መልሲ እዩ። ከም ተወሳኺ እዉን ዝረኸብክዎ ኣገዳሲ ሓቤሬታ ብዙሓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፈዳይን ዝነበሩ ድሕሪ 1982 ኣብ ሱዕድያ ብብዝሒ ከምዝነበሩ ተሓቢሩኒ ኣሎ፡

ገለዶኾን ካብዞም ፈዳይን ነበር ብዛዕባ ታሪኽ ፈዳይን ኤርትራ ዝጽሓፍዎ መጽሓፍ ይህሉ ይኸዉን? ኣብ ስዑድያ ትነብሩ ዜጋታትና ገለ ናተይ ናይ ፈይስቡክ የዕሩኽተይ እንተለኹም እባ እዛ መልእኽቲ ኣብጹሑለይ።

ካብ ጊዜ ቑልዕነትና ኣትሒዝና ብዙሕ ታሪኽ ናይ ፈዳይን ንሰምዕ ኔርና ግን ዝኾነ ጽሑፍ ክንረኽብ ኣይክኣልናን። ድሓን ይእተዉ ቢቢና ኢንተርተይመንት ካብቲ ዉቕያኖስ ዝኾነ ታሪኽ ፈዳይና ብጭልፋ እዛ ትስዕብ ዘወፈዩልና፡

FEDAIN - ERITREA 🇪🇷 ( Based on True Story )

ክቡር ስነጥበበኛ ተጋዳላይ ኣርኣያ ሃይለ ክብሪ ይሃብካ!!! ከምኡውን ክቡር ስነጥበበኛ ተጋዳላይ ኣሚነ ወዲ ሻዉሽ"ክራር ኣያይ ክራር በረኸትኽራር ፍቕሪ ክራር ሕዉነትክራር ገድሊ ክራር ነጻነት...
10/10/2024

ክቡር ስነጥበበኛ ተጋዳላይ ኣርኣያ ሃይለ ክብሪ ይሃብካ!!! ከምኡውን ክቡር ስነጥበበኛ ተጋዳላይ ኣሚነ ወዲ ሻዉሽ

"ክራር ኣያይ ክራር በረኸት
ኽራር ፍቕሪ ክራር ሕዉነት
ክራር ገድሊ ክራር ነጻነት
ሒዘያ ኣለኹ እንተኺኢለዮ
እንተደጊመዮ ከምቲ ናቱ ዕዮ

ኣቦ ባህሊ ንያታ ዝሓዞ
ብሕደማ ዜማ ብሃገር ዝቑንዞ
ዕቤት ሙዚቓና ብዘመን ክሕንበብ
ጥበብ ስርሑ ጎሊሑ ዝንበብ
ኮሎ ጌና ጌና ብሂዎት
እዛ ደርፊ ናተይ ከም ገጸ በረኸት
ትኹን ንበረኸት

ብዓል ሽራራ ኸራሪ
ድምጺ መረዋሕ ከናሪ
ካብ ንእሽቶ ፍጥረት ንእሽቶ ፈጣሪ
ሓወልቲ ጥበብ ኣብ ልቢ ነባሪ

ኣብቲ መቓን ምስሉ ምስሉ ክህሉ
ክዝይም'የ ክኽርር ሒዘ ኽራሩ
ረጊጸ ኣሰሩ

እዚ ረሃባ በረኸት ዓይኒ ጥበብ ዘይነጽፍ ዒላ
ዱሙቕ ኾኾብ ናይ መቓልሕ ጓይላ
ጉዕዞ ጥበቡ ዘይዓንቖፎ ዕድመ
ምስ ደቒ ደቒ ደቑ ሕልፊ እናሰጎመ
ዘይሕለል ኒሑ ኣለኹ ዝብል
በረኸት መወከሲ ማህደር"

06/08/2024

ደቒ ኤሬይ

ሓደ ህዝብን መንግስትን ጥዑይ እዩ ዝብሃል ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ኣካላዉን ኣእምሮኣውን ስንክልና ዘለዎም ዜጋታቱ ብዘርእዮ ሓልዮት እዩ። ኣብ ኤርትራ ጥዑይ ህዝብን መንግስትን ከምዘለና ድማ ኣፍና መሊእና ክንዛረበሉ እንኽእል ብዙሕ ኣብነታት እዩ ዘሎ። ምናልባት ኣብ ካልእ እዋን ብሰፊሑ ክገልጾ እየ፡ ንሎሚ ግን ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን ኣብርሃ ባህታ ዝድህስስ ሰነዳዊ ፊልም ክጋብዘኩም። ናብ ኹሉ ጉዱስ ዜጋ ክበጽሕ ድማ ብወገንኩም እቲ ዝድለ ምትሕብባር ክትገብሩ ብትሕትና ንመሓጸን።
https://www.youtube.com/watch?v=oFmf_dHQBgk&t=1903s

ደቒ ኤሬይባሩኹልና'ሞ ንቐደም በሉ፡ ባህልናን ወግዕናን ድማ ይዓምብብ!!!
05/08/2024

ደቒ ኤሬይ

ባሩኹልና'ሞ ንቐደም በሉ፡
ባህልናን ወግዕናን ድማ ይዓምብብ!!!

30/07/2024

ደቒ ኤሬይ

እስከ በሉ፣ ብቢንያም ግርማይ ዝጀመረ ዓወትና ቐጺሉ ድማ ዕዉት ሃገራዊ ፈስቲቫላትና ብሓጎስ ከም ብተይ ተሰራሲርና ዘሊልና ተቖጻጺና ኢናሞ ሕጂ ድማ "ሳዕስዕ ስራሕካ ግን ኣይትረስዕ" ስለዝኾነ እቶም ምእንታና ዝሓለፉ ሰማእታትና ወትሩ እንዳዘከርና ከምቲ ተባዕ ስዉእ ወዲ ገብሩ "ኣንታ ህዝቢ ሃየ ብዙሕ ኣለኻ ዝዕየ" ኢሉና ዝሓለፈ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ኣለና ዝዕየ'ሞ ኣጆኹም ኣጆና!

https://www.youtube.com/watch?v=zrHc2b8BdMo

ኹልኻ ብሳዋ ዝሓለፍካ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቐዳማይ ዙር (ዙር ቕጭን) ዝኾንካ ንስለ ኽብርኹም ስነጥበበኛ ኤፍሬም መኮንን (ደልሃመት) እዛ ቪድዮ ኣዳልይልኩም ኣሎ። ሼር ሳብስክራይብ ...
30/07/2024

ኹልኻ ብሳዋ ዝሓለፍካ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቐዳማይ ዙር (ዙር ቕጭን) ዝኾንካ ንስለ ኽብርኹም ስነጥበበኛ ኤፍሬም መኮንን (ደልሃመት) እዛ ቪድዮ ኣዳልይልኩም ኣሎ። ሼር ሳብስክራይብ ኮመንት ላይክ ድማ ካባኹም ደቒ ኤሬይ!!!!

ኣንቱም ደቒ ኤሬይ ስምዑስከ'ባ ክሓተኩም? ገለ ቫይናኽ፣ ኣብርሃም ዓንደል፣ ተስፋይ በላይ፣ ክብሃልሲ ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ?ግዚኡ ኣይኣኸለን እናተባህለ ጊዜ ሓሊፉ እምበር ክጽሓፍን ክንገርን ዝነ...
29/07/2024

ኣንቱም ደቒ ኤሬይ ስምዑስከ'ባ ክሓተኩም? ገለ ቫይናኽ፣ ኣብርሃም ዓንደል፣ ተስፋይ በላይ፣ ክብሃልሲ ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ?

ግዚኡ ኣይኣኸለን እናተባህለ ጊዜ ሓሊፉ እምበር ክጽሓፍን ክንገርን ዝነበሮ ንዓለም ዘገርም ጅግንነታዊ ፍጻሜታት ናይዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ተብዓት ፈዳይን ታሪኽ እዩ ኔሩ። ቢቢና አኢንተርተይመንት ክብረት ይሃብኩም ብዛዕባ ጀጋኑና ገለ ክትብሉ ዝፈተንኩም።

ኹሉኹም ሃገራዊያን ብሓፈዳ ተኸታተልቲ ማይኮ ረከርድስ ድማ ብፍላይ ነዛ ሃገራዊት ዩቱብ ቻነል ከምቲ ዝብሃል Subscribe, Like, Share and Comment ክትገብሩ ብትሕትና ይላወበኩም።

FEDAIN - ERITREA 🇪🇷 ( Based on True Story )

Address

Downtown
Asmara

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Maico Zecca Wedi Bayto posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Establishment

Send a message to Maico Zecca Wedi Bayto:

Share