Nafqot Hsum Page

Nafqot Hsum Page #ናፍቆት #ሕሱም #ፔጅ Like this page !
ይምህሩን የዘናግዑን ዝበልናዮም መደባት ከነቅርበልኩም ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ንፈቱ ።
.

Congratulation ❤️ Bini
01/07/2024

Congratulation ❤️ Bini

ትሕቲ ዕድመ ንዝደፈሩ ብልዕቶም ክቝረጽ ዝወሰነት ሃገርኣፍሪቓዊት ሃገረ ማዳካስካር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝደፈሩ ብሕጊ ዝተኣመነሉም ሰባት ብልዕቶም ክቝረጽ  ሕጊ ኣጽዲቃ ኣላ።እታ ሃገር ህ...
08/02/2024

ትሕቲ ዕድመ ንዝደፈሩ ብልዕቶም ክቝረጽ ዝወሰነት ሃገር

ኣፍሪቓዊት ሃገረ ማዳካስካር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝደፈሩ ብሕጊ ዝተኣመነሉም ሰባት ብልዕቶም ክቝረጽ ሕጊ ኣጽዲቃ ኣላ።እታ ሃገር ህጻናት ከምዝዓመጹ ዝተረጋገጹ ውልቀሰባት ብልዕቶም ብከሚካል ወይ ብሕክምና ክቝረጽ ኢያ ሓጊጋ ዘላ።

ነቲ ሕጊ ሲዒቡ ቡዙሓት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ሕጊ ይኹንዎ ኣለዉ ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ሕጊ “ኢሰብኣውን፡ ጭካነ ዝተሓወሶን ንደቂ ሰባት ዘዋርድን’ዩ” ብምባል ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ ራጆሊካ ነቲ መቕጻዒ ናብ ኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣቅሪብዎ።ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት ዝበሎ እቶም ትሕቲ ዕድመ ዝደፈሩ ውልቀሰባት ብሕክምና ወይ ብከሚካል ብልዕቶም ክቁረጽ ዩ ሓጊጉ ፣ ብኣባላት ባይቶ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ድማ ክጸድቕ ክኢሉ ኣሎ።

ብወገንኩም ከ እንታይ ትብሉ ? ርእይቶኹም ኣካፍሉ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣሰካፊ ኩነታት........ሕጂ ዝጀመረ 'ካ ኣይኮነን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ዓርከይ እዚ ነገር ውሱናት ኤርትራውያን ጥራይ ከምዝፍጽምዎ ኣብ ሰማላውያን ግን! ፍጹም ከምዘይረአ ኣ...
03/02/2024

ኣብ ኡጋንዳ ኣሰካፊ ኩነታት........

ሕጂ ዝጀመረ 'ካ ኣይኮነን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ዓርከይ እዚ ነገር ውሱናት ኤርትራውያን ጥራይ ከምዝፍጽምዎ ኣብ ሰማላውያን ግን! ፍጹም ከምዘይረአ ኣዕሊልኒ ኔሩ።
ብዙሓት ኤርትራውያን እውን በዞም ኣሕዋቶን ክንሶም ግን ሕማቕ ግብሮም ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ይርከቡ።

ኣብ ኡጋንዳ ዘለኹም ገለ ሕልና ዝጎደለኩም ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ሓውኹም ኤርትራዊ ትገብርዎ ዘለኹም ዓመጽ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንሕና ዕጽፊ ናይዚኢም ዝከፍልኹም ከነምጻልኩም ኢና ነዚኦም ኣውጽዎም እናበልኩም ኡጋንዳውያን ዘይነበሮም ባህሪ ተጥርይሎም ኣለኹም ኣማሲኡ ንኩልኹም እዩ ዘይጥዑም። ወላ ስራሕኹም ድለላ ናይ ገዛ ይኹን እተን ቁሩብ ትረኽብወን ዶ ኣይመኣኸላኹምን፧ ንምንታይ ኣሕዋትን ኣዴታት ምስ ደቐንን ክንገላትዓ ትሰርሑ ኣለኹም፧ ሕሰቡሉ እሞ እዚ ነገር ብኣግኡ ደው ኣብልዎ። ንጅባኹም ከተህጥሩ ክትብሉ ርኹባት ክተሕጉሱ ነቶም ብዝከኣሎም ብዓቕሞም ዝነብሩ ኣመና ትብድልዎም ኣለኹም።

ሕድሕድና ንትሓላላ ኣቱም ሰባት ካልእ ሓላይ የብልናን።

ሰላም መዓልቲ
Jelesawi መራደደ/Art life/ ጀለሳዊ መራደደ

✅➓ብሉጻት ዝበልክወን ኣብ ሓዳር1.ገለ ገለ ሰባት ንፍቕሪ ብጸታዊ ርክብ ጥራሕ ገይሮም ንፍቕሪ ይድምድምዎ።ፍቕሪ ግን ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ ዝብል ቴማ እዩ ዘለዋ። 2.ምስ ተመርዓኻ ከ...
05/12/2023

✅➓ብሉጻት ዝበልክወን ኣብ ሓዳር

1.ገለ ገለ ሰባት ንፍቕሪ ብጸታዊ ርክብ ጥራሕ ገይሮም ንፍቕሪ ይድምድምዎ።ፍቕሪ ግን ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ ዝብል ቴማ እዩ ዘለዋ።

2.ምስ ተመርዓኻ ከም ዝተመርዓኻ እንተተረዲኢኻናትካ ናይ ብዓልቲ ቤትካን ጥራሕ ኣይኮንካን ተማሓድር።ናይ ዓለም ምሉእ ሓላፍነት ኢኻ ትስከም ዘለኻ።

3.ፍቕሪ ብቓል ዘይ ኮነ ብተግባር ምስ ዝግበር እዩ ፍቕሪ ተባሂሉ ዝስመ።ፍቕሪ ተባሂሉ ንኽስመ ክኣ ፍቕራዊ ዝኾነ ነገራት ከተተግብር ይገዝኣካእመነት ንፍቕሪ ምፍቃር።

4.ንፍቕሪ ክትገዝኦ ትኽእል ኢኻብኸመይ ንዝብል ክኣ እምነትን ንዘፍቅረካ ምቕርን ጥራሕ እዩ ዘድልየካ።

5.ቅድሚ ሓዳር ምምስራትካ ፍቕራዊ ዝምድና መስርትቅድሚ ፍቕራዊ ዝምድና ምምስራትካምስ ነብስኻ ዝምድና ጀምር።

6.ሓዳር ሙሉእ ብዘይ ጎዶሎ ክኸውን ኣለዎፍትሕ ክኣ ጎዶሎ ክኸውን ኣለዎሓዳር ጩራ ፍትሕ ምስ ዝረክብ ተዓዋቲ ፍትሕ ይኸውንፍትሕ ክኣ ዓባሲ ሓዳር ምስ ዝረክብ ጠቕሊሉ ይጠፍእ።ስለዚ ንሓዳር መፍቶ ፍትሕ ከይኸውን ቦታ ኣይንሃቦ።

7.መስረተ ዘለዎ ገዛ ንኸተፍርሶ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፦ምኽንያቱ ብመሰረት ስለ ዝተሃነጸብእምነት ዝተሃነጸ ሓዳር ክኣ ንኽፋላለ ከቢድ እዩ፦ምኽንያቱ እምነት ልዕሊ ዝኾነ ነገር ስለ ትድልድል።

8.ኣብ ሓዳር ንሕድ ሕድካ ምስጢር ትትሓባባእ እንተሃሊኻ መሰረት ሓዳር ንኽተፍርሶ ኢኻ ትግስ_ግስ ዘለኻ።

9.ምስቶም ንሓዳርካ ዘድንቑ ሰባት ተዓራረኽካብቶም ንሓዳርካ ዘናኣእሱ ሰባት ርሓቅ።

10.ዝበዝሑ ኣብ ሓዳር ምስ በጽሑ ዝፋትሑ...!
A.ኣጠቓቕማ ፍቕሪ ዘይ ምፍላጥ።
B.እምነት ኣብ ሕድ ሕዴኻ ዘይ ምህላው።
C.ካብ ቤትካ ወጺኻ ዘይ ጉቡር ምስ ትገብር።
D.ንሁሉ ቤትካ ብልክዕ ዘይ ምርዳእ።

ኣብ መርዓኡ ምሸት ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝሃባ ምኽሪ‼️✍️ፍቕረይ  ካብ ሎሚ ንድሓር ንስኺ ንዓይ  ናይ ምንባረይ ትርጉም ኢኺ ❤️ካብ ሎሚ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኽን  ዝኾነ ዓይነት ምስጢር ...
03/12/2023

ኣብ መርዓኡ ምሸት ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝሃባ ምኽሪ‼️

✍️ፍቕረይ ካብ ሎሚ ንድሓር ንስኺ ንዓይ ናይ ምንባረይ ትርጉም ኢኺ

❤️ካብ ሎሚ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኽን ዝኾነ ዓይነት ምስጢር የሎን ፡ ሕብእብእ ዝባሃል የሎን።

❤️ፍትውተይ ቀደም ንእሽቶይ ኔረ ፡ ሕጂውን ህፃን ክኸውን እየ ፣
ትዝ ይብለኒ ህፃን ከለኹ ምግቢ በሊዐ ድየ ወይስ ጠምየ ተኾይነ ትፈልጥ ኣደይ ወላዲተይ እያ ኔራ ፡ ንጉሆ ካብ ድቃሰይ ተበራብረኒ ኣደይ እያ ኔራ ።

ካብ ገዛ ቅድሚ ምውጽአይ ዝስተኻኸል ነገራት ኣስተኻኺላ ፡ ዝጎደለኒ መሊኣ ተፋንወኒ ኣደይ ያ ኔራ ። ካብ ሕጂ ግና ኣደይ ንስኺ ኢኺ ።

👉 ካብ ሕጂ ናተይ ድኹም ጎኒ ትፈልጥ ካልእ ኣደ የብለይን
ካብ ሕጂ ጥሜተይን ጽምአይን ትፈልጠለይ ካልእ ኣደ የብለይን ።
ሪኢኺ ፍቕረይ ፡ ቆልዓ ከለኹ ፡ ዝኾንክዎ ኩሉ ዘጋጠመኒ ፡ መጽየ ንኣደይ እየ ዝነግራ ኔረ ፡
ንሳ ድማ ምስጢረይ ንዝኾነ ሰብ ነጊራትለይ ኣይትፈልጥን
ስለዚ ሕጂ ድማ ኣደይ ንስኺ ኢኺ ፡ ምስጢረይ ዝነግረኪ ንዓኺ ጥራይ እየ ።

👉ንዝኾነ ሰብ ምስጢረይ ኣይትንገሪ ፡
ቆልዓ ከለኹ ብዙሕ ነገራት ፈጺመ እየ ናይ ነገር ቆልዓ፡ ኣደይ ድማ ንግዚኡ ትቑጣዓኒ ግን ምቑጣዓ ንግዚኡ እዩ ፡ ቀልጢፋ ሕድገት ትገብረለይ ሞ ፡ እንዳሰሓቐት እዚ ወደይ ከምዚ ኣይትግበር ኢላ ቀስ ኢላ ትምዕደኒ ።

👉ፍቕረይ ምናልባት ንዓኺ ውን ከኾርየኪ ይኽእል እየ በጃኺ ግን ቂምታ ኣይትሓዚ
ጥፍኣተይ ፡ ጉድለተይ ግን ሪኢኺ ሱቕ ኣይትበሊ ምኽሪ ሃብኒ ፡ ኣነ ድማ ተቐባሊ ምኽሪ እየ ።

መዓረይ ፡ ናብቲ ምውቕ ፡ ናይ ዓራት ጸወታና ቅድሚ ምኻድና ፡ ደጊመ ደጋጊመ ዝመኽረኪ ነገር እንተሃልዩ ፡ ናይ ሰብ ዘረባ ብፍጹም እዝኒ ኣይትሃብዮ
፡ ንስኺ ንገዛኺ መሲልኪ ጥራይ ኪዲ
ካብ ሕጂ ንድሓር ፡ ንዓኺ ካባይ ዝቐርብ ሰብ የብልክን ፡ ኣነ ኣካልኪ እየ ።
ንስድራና ውን ይኹኑ ፡ ብናተይን ብናትክን ስምምዕ ፡ ሓገዛት እንተሃልዩ ንሕግዞም ፡
ተዘይኮይኑ ፡ ንሶም ኣብ ሞንጎና ክኣትው ክንፈቕደሎም የብልናን ፡ እቲ ምንታይ ቃል ኣምላኽ ውን ከምዚ እዩ ዝብል
ዘፍጥረት 2
24፤ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

ፍቕረይ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓዳር ዝፈርስ ፡ ናይ ቤተሰብ ጉዳይ ምእታውን ፡ ናይ ጎረቤት ነገር ምርኣይን ፡ ዓርከ መሓዛ ምብዛሕን እዩ ።

ስለዚ ነዞም ኩሎም ዝበልኩኺ ፡ ሓልውዮም ፡
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቃል ይኣትወልኪ
ከም ኣቦኺ ክንከባኸበኪ ፡ ወትሩ ጎዶሎኺ ክምልእ ፡ ኣብ ጎንኺ ደው ክብል እየ ።
ልዕሊ ዝኾነ ድማ ንሰበይተይ ንደቀይ ዝብል ሰብኣይ ክኾነልኪ ቃል ይኣቱ ። !!

ናይዚ ሰብኣይ ምኽሪ ደስ ዝበለኩም ሼር በልዋ
እቶም ዘይተመርዓኹም ከም ምኽሪ
ነቶም ዝተመርዓኹም ድማ ከም መዘኻኸሪ
ኣብርሃም ናይዝጊ እየ ፡ ካብ እስራኤል
ምንጪ ካብ ዘንበብክዎ

# ፍቕሪ ይሰስን_
እግዚኣቢሄር ጎይታ ሰራዊት ዘይውዳእ ፍቕሪ ይሃብኩም ፡ ኩሎም ቅዱሳት ብጸሎቶም ኣይፈለይኹም ኣሜን ።

ስእሊ ካብ Google ዝተወስደ ኢዩ ፣

💝•════•••🍃🌺🍃•••════•💝 ❣️ቃል ዕዳ'ዩ ስለዚ ዝመሓልናዮ ማሕላ          ንምትግባር እሙናት ንኹን።🌹❣️ ሓቀኛ ፍቕሪ ዕዳጋ ወሪድካ ዝሽመት ንብረት       ዘይኮነስ ሓልዮት ...
24/11/2023

💝•════•••🍃🌺🍃•••════•💝

❣️ቃል ዕዳ'ዩ ስለዚ ዝመሓልናዮ ማሕላ
ንምትግባር እሙናት ንኹን።🌹

❣️ ሓቀኛ ፍቕሪ ዕዳጋ ወሪድካ ዝሽመት ንብረት
ዘይኮነስ ሓልዮት ዝሰረቱ ፍቅሪ እዩ።🌹

👩‍❤️‍👨ከምዚ ዓይነት ፍቅሪ ፈጣሪ ይሃበና ይሃብኩም❣️
ኣሜን
💝•════•••🍃🌺🍃•••════•💝

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!                    "ዝርርብ ኣቦን ውሉድን"ሓደ ቆልዓ፡ ኣብ ሓደ ገዳም ብዝነበሩ መነኩሴ፡ ግብረ ዲቁና ይመሃር ነበረ። ከም...
24/11/2023

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

"ዝርርብ ኣቦን ውሉድን"

ሓደ ቆልዓ፡ ኣብ ሓደ ገዳም ብዝነበሩ መነኩሴ፡ ግብረ ዲቁና ይመሃር ነበረ። ከም ኩሉ ግዜ እቶም ኣቦ ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ዝኾነ ሕቶ 'ተለዎ ንክሓትት ዕድል ሃብዎ። እቲ ቆልዓ "ኣባ ጸሎት ክገብር እንከለኹስ ኣብ ሞንጎ ጸሎት ናብ ካልእ ይሓስብ'ሞ፡ እንታይ ይብል ከም ዘለኹ ከይተረድኣኒ ጸሎተይ ይውድእ። ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ንኽጽልይ ይህከየኒ። ስለ'ዝስ እንታይ እንተ ገበርኩ ይሓይሽ፧" ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ኣቦ ብቕልል ዝበለ መገዲ ከረድእዎ ስለ ዝደለዩ፡ ቁሩብ ድሕሪ ምሕሳብ " 'ዚወደይ፡ ቅድሚ ጸሎት ምጅማርካ፡ ኣብ ቅድሜኻ መንበር ኣቐምጥ። ሽዑ ኣብታ መንበር ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮፍ ኢሉ ከም ዘሎ ኣብ ኣእምሮኻ ቅረጾ። ብድሕር'ዚ፡ ከምቲ ባዕሉ ጎይታና ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ ዝበለና፦

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡
ስምካ ይቀደስ።
መንግስትኻ ትምጻእ።
ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡
ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።
ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡
በደልና ሕደገልና።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡
ናብ ፈተና ኣይተእትወና።
መንግስትን ሓይልን ክብርን
ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።
(ማቴዎስ 6 - 9፡13)
ኢልካ ተዛረቦ፡" በልዎ።

ኣስዒቦም " 'ዝወደይ ጸሎት ማለት፡ ልክዕ ከም ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን ዝግበር ናይ ፍቕሪ ዝርርብ እዩ። እግዚአብሔር ብኣምሳሉ ዝፈጠረናን ኣመና ዘፍቅረናን ኣቦና እዩ፡ ንሕና ከአ ውሉዱ ኢና (ሮሜ 8፡14-15)። ከም'ቲ ክዓርግ ከሎ "እንሆ ድማ፡ ኣነ ።" (ማቴ 28፡19-20) ዝበለና ኩሉ ግዜ ምሳና እዩ። ብምብዛሕ ዘረባና ንስማዕ'ዩ ዝመስና፡ ነገር ግን እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር፡ ኣብ ሕልናናን ሓሳብናን ዘሎ ዝፈልጥ ኣቦናስ፡ ከይተዛረብና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኹሉ ይፈልጦ እዩ። ስለ'ዚ ከምዚ ምሳይ ትዛረቦ ዘለኻ፡ ልክዕ ከምኡ ሰማያዊ ኣቦና ምሳኻ ከም ዘሎን፡ ይሰምዓካ ከም ዘሎን፡ ኣሚንካ ተዛረቦ፡" በልዎ።

ብድሕር'ዚ እቲ ቆልዓ ነዛ ምኽሪ ናይ'ዞም ኣቦ ንዝተወሰነ ግዜ ደጋጊሙ ምስ ተለማመዳ፡ ትጉህ ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ክኢሉ።

• ። ፡ ። (ማቴዎስ 26:41)

• እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ #ንቕሑ፡ (ኤፌሶን 6:18)

•ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ #ኣእምሮን #ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም #ኣየብኰርናን። (ቆሎሴ 1:9)

ስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!

ብህጹጽ ይነበብ ህጹጽ መጠንቀቕታ ንኹሉ ተጠቃሚ ሞባይል & facebookPlease  Read and share it.~~~~~~~~~~~~~~~~~~ 254 ናይ ዓይኒ ስፐሻሊስት ሓካይም ዘመሓላለፍዎ...
10/11/2023

ብህጹጽ ይነበብ
ህጹጽ መጠንቀቕታ
ንኹሉ ተጠቃሚ ሞባይል & facebook
Please Read and share it.
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
254 ናይ ዓይኒ ስፐሻሊስት ሓካይም ዘመሓላለፍዎ ሓደራ እዩ። ሞባይል ዘምጽኦ ጣጣ ወይ ሳዕቤን
ክሳብ,ዚ ቀረባ ግዜ ናይ ዓይኒ ማኩላር እርጋን ዕድሚኦም ኣብ ዝደፍኡ ሰባት ጥራይ እዩ ዝርአ ኔሩ። ሕጂ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ30 ክሳብ 40 ዕድሚኦም ዝኾነ መናእሰይ ማኩላር ዲጀነሬሽን ዝተበሃለ ናብ ዓይኒ ስውርና ዘብጽሕ ሕማ ዳተጸንዖም ይመጽእ ኣሎ ይብሉ ቀንዲ ናይ ሲግናፖር ናይ ዓይኒ ሕክምና ሆስፒታል
ዳይረክተር ኘሮፌሰር ሊሊ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ምሸት መብራህቲ ድሕሪ ምጥፍኡ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ከፊቶም ኣብ ጸልማት ሞባይል ን30 ደቒቕ ምጥቃም እዩ እዚ ማለት ተደጋጋሚ ምስ ዝኸውን ናይ ዓይኒ ሕማም ካታራትክት ዓይነት ሕማም ምኽታል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዓይኒ ካንሰር የኸትል። እዚ ድማ መድሃኒት ዘይብሉ ብምዃኑ ዓይኒ ዳጠፍአ ኮፍ ኢልካ ምምልካት ኢዩ ይብሉ ሓካይም። እዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ 254 ዝኾኑ ናይ ዓይኒ ስፐሻሊስት ሓካይም ብሓደ ብምዃን እዮም።
ብዙሓት ሰባት ምሸት ኣብ ዓራቶም ኮይነም መብራህቲ ኣጥፊኦም ወይ ደብዛዝ መብራህቲ ጌሮም ተንቀሳቃሲ ስልኮም or መባይሎም ከምዝጥቀሙ ስለንፈልጥ ሓደራ ዓይንኹም ካብ ዘይድሕን ሕማም ሓልው ክብሉ ተማሕጺኖም።

ልቢ ዘለዎ ልቢ ይበል!
___________________


መባይል ቻርጅ እንዳገበረ ከይትጥቀሙ ተጠንቀቑ። ናይ ዓለም ደኳትር ኣጠንቂቖም " ካንሰር ዝብሃል ቫይረስ ኣብ ውሽጡ ከምዘለዎን ተተኲሱ ህይወት ከጥፍእ ከምዝኽእልን ይመኽሩ እዚ ናይ ሞባይል ቫይረስ ኣብ ዓለምና ብጣዕሚ ሓደገኛ ቫይረስ እዩ ናይ ምቕታል ተኽእሎኡ ዝለዓለ ምዃኑ ውን ይሕብሩ በጃኹም Share ብምባል ንፈተውትኹም ብምክፋላ ህይወት ወይ ህይወታት ኣትርፉ
ኣነ ብጽሒተይ ተዋጺአ ኣለኹ ሕጂ ናትኩም ተራ እዩ በሉ ሼር ግበርዋ ናብ ካልኦት ክበጽሕ
ገሌና ኣነ ተሞይተ ዳንደር ኣይትብቆላ ኣይንኹን
ናይ ሓብትኻን ሓውካን ሓዘን ዘየሐጉሰካ/ኪ ተኾይንካ/ኪ እዚ ትምህርቲ ሓዘል ጽሑፍ ብውሕዱ ናብ 5, ሰባት
ሼር
ሼር ብምግባር ተወሓደ ሓደ ሰብ ካብዚ ሓደጋ እንተድሒንካ ጽባሕ በቲ ልኡል እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ዝበልጽ ክፍሊት ክሓስበልካ ይኸውን!!!
ሰብ ክጎድእ ዝኽእል ኩሉ ኣወግድ
ኣነ ብጽሒተይ ተዋጺአ ኣለኹ
ንስኻትኩም ውን ብጽሒትኩም ተዋጽኡ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ሸር ግበርዎ ካልእ ሰብ ክመሃረሉ

🔺ኣምላኽ ቁኑዕ ዓርኪ ይሃብኩም🔺updated ሓደ ወዲ ናብ ዓርኩ ቴለፎን ብምድዋል"  ህውኽ ኢሉ  ኣበይ ኣለኻ !  ሓተተ ንሱ ከኣ ድሓን ዲኺ ኣብ ገዛይ ኣለኩ፥ ብምባል መለሰ! ትቕብል ኣቢሉ...
20/10/2023

🔺ኣምላኽ ቁኑዕ ዓርኪ ይሃብኩም🔺updated

ሓደ ወዲ ናብ ዓርኩ ቴለፎን ብምድዋል" ህውኽ ኢሉ ኣበይ ኣለኻ ! ሓተተ ንሱ ከኣ ድሓን ዲኺ ኣብ ገዛይ ኣለኩ፥ ብምባል መለሰ! ትቕብል ኣቢሉ፣ እንታይ ክድሕን ደኣ ሓደጋ ገጢሙኒ ኣብ ሕክምና ኣለኹ፣ ተሓቲተዪ ዘለኹ ሰልዲ ከኣ 3000 ናቕፋ ኢዩ ሕጂ ሒዝካለይ ምጻእ ይብሎ!

እንታይ ትብል በል 30 ደቒቅ ተጸበየኒ ኢሉ ይፍለዮ ፥ ሕራይ ብምባል ቴለፎን ይዓጽዎ፥ድሕሪ እዚ ነገር ኣዝዮ ደንጉዩ እንታይ ኢዩ ደንጉዩ 30 ደቒቅ ሓሊፉ'ስ 1 ሰዓት ኢዩ ኮይኑ ብምባል ፣ እንደገና ቴለፎን ደወለሉ፣ ቴለፎን ግን ኤሪቴል ኣቢሉዋ ! ደጋጊሙ እንተፈተነ ክትሰርሕ ኣይከኣለትን !

በዚ ነገር ብጣዕሚ ዝተቃጸለ ወዲ!
እዚ ዝብለካ ዘለኹ ሓሶት ኢዩ ንዓኻ ንምምዛን ኢለ ዝገበርኩዎ ፊልም ኢዪ፥ ስለዚ ካብ ሕጂ መካይዲ ኣይኮንናን ጠቕሊለ እዉን ክሪኤካ ኣይደልን ኢሉ መልእኽቲ ናብታ ቴለፎን ሰደደሉ።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እቲ ዓርኩ ናብ ሆስፒታል ይመጽእ፥ ብማዕዶ ምስ ርኣዮ ገንዘብ ኣይህበካን ዘይትብለኒ ስለምንታይ ቴለፎን ትዓጽወኒ! ነዛ ምዓልቲ ዘይትከውን ዲኻ ካብ ቅድመይ ርሓቅ በሎ፥
እቲ ዓርኩ ከኣ ከምዚ ክብል መለሰ፥ 🤕ዓርከይ ቴለፎነይ ኣይዓጸኩዋን ኣብዚ ግዜ እዚ ዝኮነ ገንዘብ ኣይነበርንን' ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት ኩሎም ሓቲተዮም ዉን የብልናን ኢሎሙኒ።

ዝኮነ ኣማራጺ ኣይነበረንን እታ ሓንቲ ዝነበረት ቴለፎነይ ሸይጠ እቲ ዝበልካኒ ሰልዲ ሒዘልካ ክመጽእ ኢዩ ስለዚ ከኣ 3000 ናቕፋ ሒዘልካ መጽየ ኢሉ ሃቦ ። ሕንቕንቕ እንዳበለ ከኣ ይቕሬታ ሓተቶ !

እዚ ሰብ ንዓርኩ ክብል ላዕልን ታሕትን ኢሉ ዋጋ ከፊሉሉ፥ ነገር ግን' ዘለዎ ኮነታት ከይፈለጠ እቲ ዝደልዮ ነገር ብቕጽበት ስለ ዘይረከቦ ናብ ኣዝዮ ዘጣዕስ መደምደምታ በጺሑ!

ተጠንቀቅ፣ ኣብ ግዜ ሽግርን ሓጎስን ምሳኻ ኮይኖም ዝካፈሉ ኣዕሩኽ እንበር" ኣብ ግዜ ሓጎስካ ምሳኻ ዝስዕስዑ ኣብ ግዜ ሽግርካ በይንኻ ክትስዕስዕ ዝፈርዱን ሰባት።

ትርጉም Simon Naizghi

  1√ ሰብ ከ እንታይ ይብለኒ ካብ ምባል ሓሳባትካ ኣይተወንዝፍ ።2√ ሂወት ኣብ ኩሉ መዳያት ሕልኽላኽ ስለ ዝኾነት ብዙሕ ኣይትረበሽ ።3√ ንክትነብር እንበር ንክትበልዕ ኢልካ ኣይትንበር ።...
19/10/2023



1√ ሰብ ከ እንታይ ይብለኒ ካብ ምባል ሓሳባትካ ኣይተወንዝፍ ።

2√ ሂወት ኣብ ኩሉ መዳያት ሕልኽላኽ ስለ ዝኾነት ብዙሕ ኣይትረበሽ ።

3√ ንክትነብር እንበር ንክትበልዕ ኢልካ ኣይትንበር ።

4√ ብዙሕ ለውጥታት ክትገብር መጀመርያ ምስ ፈጣሪኻን ነብስኻን ምኸር ።

5√ ሓወይ ሂበዮ ኣይመለሰለይን ኣይትበል ከምቲ ዝሃብካዮ ዕጽፊ ካብ ፈጣሪ ክትቅበል ኢኻ ።

6√ ጠባይካ ኣብ ጉዕዞኻ ሂወትካ ቡዙሕ ክሕግዘካ ዪ ኣመዓራርዮ ።

7√ መወዳእታን ዘይብሉን ሓሊፉ ዘይርሳዕን ሽግር የለን ስለ'ዚ ብዙሕ ኣይተማርር ብዘለካ ኣመስግን ።

8√ እቶም ትጸልኦም እንተ ዘይፈተኻ ፈጣሪ ኣይሕጎሰልካን'ዩ ።

9√ ንደቂ_ሰባት ከም ሰብ መጠን ማዕረ ነብስኻ ኣኽብሮም እንተ ዛይዱ ግን መንዓቂኻ'ዪ ።

10√ እትገብሮም ነገራት ንነብስኻ እንበር ሰብ ክሪኤልካ ኣይትግበር ፡ ባዕልኻ እምበር ሰብ ከንብረካ ኣይክእልን'ዩ ።

11√ ብዓቅምኻ ተኸደን ተሰለም ግን ኣብ ውድድር ኣይትእቶ ።

12√ እቲ ብርቱዕ ዝመስል ውሑጅ ከይማልኣካ ኣብ ቤት ኣምለኽ ተዓቆብ ።

13√ ቀለልቲ ነገራት ኣካቢድካ ኣይትርአ ኩሉ ማዕረ ኣተሓሳስባኻን ርእስኻን'ዪ ዝፍታሕ ።

14√ ሰብ ጸሊኡኒ፡በዲሉኒ፡ንዒቅኒ፡ኣይትበል ኩሎም ደቂ ሰባት ሓደ ኣይኮኑን ።

15√ ካብ ብግዳምካ ጸሪኻ 10000 ሰብ ሃነን ተብል ውሽጥኻ ጸርዪ በይንኻ ኮለል ምባል ይሕሸካ ።

16√ ማዕረ እቲኣ ነብስኻ ኣፍቅሮ ንብጸይካ ።

17√ ካብ ቡዙሕ ትዛረብ እንታይ ከም ዝዝረብ ንኽትፈልጥ ሰማዒ ኩን ።

18√ መብዛሕትኡ ናይ ሎሚ ሰብ ሓቂ ስለ ትዛረብ ክጸልኣካ'ዩ ግን! ኣጆካ ።

19√ ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ ንዓይ ዝመስል ሰብ ኣይረክብኩን ኢልካ ግዜ ኣይትባክን ንስኻ ውን ክትመሳሰል ናትካ ሜላ ፍጠር ።

20√ ሓደ ወዲ ሰብ ከም ሰብ መጠን ዝተራእዮ ከማክረካ ደኣ ዕድል ሃቦ እምበር ንውሳነ ዕድል ኣይትሃቦ ።

Adimo Media

07/08/2023

Address

Asmara

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Nafqot Hsum Page posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share