14/03/2019
90
1) ኣብ ጃፓን ንሰለስተ መዓልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ክነሱ ኢለትሪክ ግን ኣይተበላሸወን ይሰርሕ ኔሩ, ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ሓንቲ ርግቢት ኣብ ፓሎ ብምዕላባ ክልተ ሰሙን ምሉእ ዓዲ ይጽልምት።🙄
2) ኣብ ህይወት ቀዳማይቲ ክትፈልጣ ዘለካ ንሰባት ጽቡቅ ግበር እምበር ካብ ሰባት ጽቡቅ ክምለሰካ ኣይትጸበ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማን ንዝሓመሙ እንዳሕወየ ንዝለመሱ እንዳፈወሰ እንከሎ እዮም ኣይሁዳውያን ኣብ መስቀል ሰቂሎሞ።😒
3) ደቂ ኣንስትዮ ንዝሃብካየን ነገራት ዕጽፊ ጌረን እየን ዝመልሳልካ
* ፍቅሪ ምስ ትህበን..... ምዉቅ ሓዳር ይህባኻ
* ዘርኢ (s***m) ምስ ትህበን..... ቆልዓ ይህባኻ
* ኣስቤዛ ምስ ትህበን..... ጥዑም መግቢ ይህበኻ
* ፍሽክታ ምስ ትህበን..... ምሉእ ልበን ይህበኻ
* ገንዘብ ምስ ትህበን..... ERROR 404
ደቂ ኣንስትዮ ገንዘብ ምስ ትህበን ክመልሳልካ ኢልካ ኣይትጸበ።🙄😅
4) ኣብ ናይጀርያ ካብ ምሒር ብዝሒ ሰረቅቲ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተላዕለ ኣብ ገዛኻ ዋላ ኩዕሶ እንዳረኣኻ ጋንታኻ ጎል ምስ ዘመዝግቡ ዓው ኢልካ ሓጎስካ ክትገልጽ ኣይትኽእልን ኢኻ ምኽንያቱ ጎረባብትኻ ተለቪዥን ከም ዘላትካ'ውን ክፈልጡ እዮም።🙄
5) ምስ ሓንቲ ኩነታት ጥዕናኣ ዘይትፈልጣ ጓል ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ፈጺምካ ንገዛኻ ክትከይድ ከለኻ ኣብ መንገዲ ዋላ ናብተን ዝሓልፋ ዝነበራ መኻይን ታርግአን ከተንብብ ቁሊሕ ምስ ትብል Aids3421 , HIV6754 , Death4981, Rip1036.... ኮይኑ እዩ ናይ ኩለን ዝረኣየካ።😕
6) ኣብ ኣፍሪቃ ሰባት ሓዳስ መኪና ምስ ገዝኡ "ሞንስተር ፡ ጃጓር ፡ ኢራብ ፡ ጥይት ፡ ሓየት " ገለ ዝብል ኣስማት እዮም ነታ መኪንኦም ዝጽሕፉላ ኣብ ወርሓ ምስ ፓሎ ተጋጭያ ገርማዕማዕ ክትብል ምስ ትጅምር ድማ "ኣምላኸይ ሓላዊየይ እዩ ፡ ኣምላኽ ጸግዐይ እዩ ፡ ኣምላኽ ደጋፍየይ እዩ " ዝብል ጥቅስታት የንጠልጥሉላ
ካብ ኩለን ኬፍ ዝሃበትኩም ኣብ ታሕቲ ጽሓፍዋ።