22/11/2020
ታሪኽ ምፍላጥ ካብ ድሒሩ ዝስዕብ ሓደጋ የድሕን!!!
------------------------------------------------------------------
ታሪኽ ምፍላጥ ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ዕንወትን ክሳራን፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ክስተታት ምርኩስ ብምግባር ሕሉፍ ዝነበረና ጌጋታት ኣጉሊሑ ብምርኣይ ካብኡ ተማሂርና ሕሉፍ ኣበራትና ወጊድና ንዝመጽእ ሂውትና ጥጡሕ ባይታ ኣምቢርና ዝሓሸ ሂወት ንኽንመርሕ ይሕግዘና። እዚ እንካብኮነ ጥቕምን ትርጉምን ታሪኽ፡ ንሕና ከም ኤርትራዊያን 'ታይ ዝመስል ታሪኽ' ዩ ኔርና፡ እንታይ ዓይነት በሰላታት 'ዩ ኸ ኣብ ሕሉፍና ኔሩ። ንመጻኢ ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ተማሂርና ክንገብሮም ዘለና ምምሕያሻት ከ እንታይ እንታይ ኢዮም ክኾኑ ዘለዎም ብምባል ብሓፈሻ ክንመራመረሉ ዝግባእ ኣምር' ዩ።
ነቶም ምስ ካብ መላዝብቲ ሓውና ምስ ስግር ርሑቕ ጓና ሕውነት ይሕሸና እትብሉ ግሩሃት ኤርትራዊያን፡ እቲ ሎሚ ሰቲ ነስኒስና ንህዝቢ ትግራይ ንበይኑ ብምጉናይ ናብ ምድሪ- ቤት ገዛና ክኣቱ ከበሮ ሓምሓም እናሃረምና እንቕበሎ ዘለና ሕብረተ-ሰብ ብሄረ ኣምሓራ ገለ ካብ ታሪኽ ትማሊኡን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ንኸባቢ 40 ዓመታት ዘውረዶ ሰፍ ዘይብል መቕዘፍቱን እንታይ ከምዝመስል ክጽሕፍ ፍቐዱለይ። ወራርን በደልን ምልካዊ ስርዓት ናይ ሕጂ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ ቀደም ድማ ፋሺሽታዊ ስርዓት ደርግ(ንሃጸያዊ መግዛእቲ ሃይለ ስላሴ ንጎኒ ገዲፍና ማለት' ዩ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ካብ 1970ታት ኣትሒዙ' ዩ ዝጅምር። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ድማ ሰፍ ዘይብል ሞራላውዊ፡ ስነኣእምሮኣዊ፡ ንዋታውን ብዓቢኡ ድማ ሰብኣዊ ዝምታታት ከካይድ ጸኒሑን የካይድ ኣሎን። ገለ ካብቲ ካብ መፋርቕ 1967 ጀሚሩ ክሳብ ምምጻእ ናጽነት ብተኸታተልቲ(ካብ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ጀሚሩ ክሳብ ስርዓት ደርግ ማለት' ዩ) ምልካዊያን ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ስዒብና ክንሪኦ ክንፍትን ኢና። እዚ ግን ነቲ ኣብዚ እዋን ብስርዓት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን ቀንዲ ኣባጓይልኡን ብዓሌት ውን ዘርኡ ዝኾነን ስርዓት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ረአዩለይ ዘየድሊዮ ከቢድ ሰብኣዊ ግፍዕን ግህሰትን ንጎኒ ገዲፍና ማለት' ዩ።
እዚ ትሕት ኢለ ዝገልጾ ፍጻሜታት ብምልካዊያን ገዛእቲ ሓይልታት ሃይለ ስላሴን ደርግን(ብጥቕሉሉ ንምዝራብ ብሓይልታት ሕብረተ-ሰብ ብሄረ ኣምሓኣራ) ኣብ ልዕሊ ብኣሺሓት ዝቑጸሩ ንጹሃን ኤርትራዊያን ደቀባት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት' ዩ፡ ሰናይ ንባብ...........................................
ሃዘሞ
------
ዕለት 27 ሓምለ 1967 ዓመተ ምህረት:- ዝተፈላለያ ዓድታት ብምቅጻል ኣስታት 172 ዝኾኑ ኤርትራዊያን ኣቦታት ድማ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ተ. ሓ. ኤ. ምትሕብባር ትገብሩ ኢኹም ብዝብል ምስምስ ንዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ትምርቲ ንክኸውን ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣንስቶምን ደቆምን ብስሕለት ካራ ከምዝሕረዱ ተጌሩ።
ኣቑርደት
----------
ኣብ ምዝዛም ዓመተ ምህረት 1967 ልዕሊ 50 ዝኾኑ ተምሃሮ ከተማ ኣቁርደት ምስ ተ. ሓ. ኤ. ትተሓባበሩ ኢኹም ብምባል ኣብ ማእከል ሕምብርቲ እታ ኸተማ ህዝቢ ብሓይሊ ከካብ ገዝኡ ወጽዩ ከምዝርኢዮም ብምግባር ብገመድ ተሓኒቖም ከምዝሞቱ ተጌሩ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ንስድራቤት እቶም ሕኑቓት ሬሳታት ደቆም ባዕሎም ካብ ዝተሓንቁሉ ኣውሪዶም ንገዝኦም ከምዝወስድዎም ተጌሩ።
ዒላበርዕድ
--------------
ዕለት 17 ጥሪ 1970:- ንዓበይቲ ዓዲ እታ ዓዲ ምስ ተ. ሓ. ኤ. ኢድ ኣለኩም ብምባል ኣኪቦም ረሺነሞም።
በሲግዲራ
-------------
ዕለት 30 ሕዳር 1970:- ንብምልእታ እታ ዓዲ ኣብ ከበባ ብምእታው 120 ሰባት ድሕሪ ምሓዝ ኣኪቦም ኣብናይቲ ዓዲ ዝግልገሉላ መስጊድ ኣእትዮም ኩሉ ማዓጹኣ ብምዕጻው ብ ፍኒስትራታት ብሬናት ኣጻዊዶም ንብምሉኦም ብምርሻን፡ ነቶም ብ ጠያይቲ ብሬናት ተሃሪሞም ተወጊኦም ክሞቱ ዘይከኣሉ ድማ ንውሽጢ ብምእታው check እንዳገበሩ ብካላሺናቶም ኣዳጊሞም ቀቲሎሞም።
ዑና
-----
ብዕለት 1 ታሕሳስ 1970:- ወተሃደራት ሃጸያዊ ሃይለ ስላሴ ነታ ዓዲ ኣብ ከበባ ብምእታው ንልዕሊ 800 ሰባት ረሺኖም ንብምልእታ እታ ዓዲ ድማ ኣቃጺሎማ ከይዶም።
ኦምሓጀር
------------
ብዕለት 10 ሓምለ 1974:- ወተሃደራት ደርጊ ንልዕሊ 170 ሲቪላዊያን ሰባት ኣኪቦም ረሺኖሞም።
ኣስመራ
----------
ብዕለት 28 ወርሒ 12, 1974:- ልዕሊ 45 መንእሰያት ተምሃሮ ኣስመራ ብናይ ፒያኖ ኣውታራት ጌርካ ከምዝሕነቑ ተጌሩ። እዚ ከይኣክል ድማ ሬሳታቶም ኣብ መንገድታት፡ ካናለታትን ፈቐዶ ኣፈፌት ማዕጾ ናይ ዝተፈላለያ ስድራቤታትን ከምዝድርበ ተጌሩ።
ከረን
------
ኣብ 1971 ዓመተ ምህረት ልዕሊ 70 ዝኾኑ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ተ. ሓ. ኤ.)ከምዝተሓባበሩ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮን መንእሰያትን ከተማ ከረን ህዝቢ ከተማ ከረን ብኣስገዳድ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተሓኒቖም ከምዝሞቱ ተጌሩ። ኣብቲ ናይ ማሕነቕቲ ግዜ ስድራቤቶም ብኣካል ተረኺቦም ሞት ደቆም ከምዝሪኡን ድሕሪ ሞቶም ውን ካብ ዝተሓንቁሉ ገመዳት ባዕሎም ከምዘውርድዎም ተጌሩ።
ኣስመራ
----------
ብዕለት 14 ለካቲት 1975:- ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህ. ግ. ሓ. ኤ) ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣሃዱታት ስርዓት ደርጊ ድሕሪ ዘካየዶ ከቢድ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከባቢ 3000 ዝበጽሑ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ብዝዓይነቱ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ቤት-ትምርትታትን ውልቃዊያን መምበሪ ገዛታትን እንዳኣተወ ሰለማዊ ህዝቢ ቀቲሉ።
ወክድባ
----------
ብዕለት 2 ወርሒ 2, 1975:- ሰራዊት ደርጊ ኣብ ቤተ- ክርስቲያን ኣቲዮም ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ካብ 80 ክሳብ 103 ዝበጽሑ ሰለማዊያን ሰባት ቶኽሲ ብምኽፋት ቀቲሎም።
ኣቑርደት
-----------
ብዕለት 9 ወርሒ 3, 1975:- መጥቃዕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣቑርደት ዓሪዱ ዝነበረ ጸላኢ ስዒቡ ዝተገብረ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝተፈነወ ናብ ህዝቢ ዝዓለመ ጸረ መጥቃዕቲ ኣስታት 258 ሲቪላዊያን ሰባት ሞይቶም።
ሕርጊጎ
---------
ብዕለት 17 ሚያዚያ 1975:- ካብ ኣስታት 235 ክሳብ 470 ዝግመቱ ሰለማዊያን ሰባት ብሓደ ብምእካብ ከም ዝርሸኑ ተጌሩ።
ኦምሓጀር
------------
ነሓሰ 1975:- ነታ ዓዲ ብምልእታ ብኸበድቲ ብረታት ብምድብዳብ ኣስታት 250 ሰባት ቀቲሎም።
ሕርጊጎ
----------
ብዕለት 30 ታሕሳስ 1976:- 105 ሰባት ካበየከባቢታት ሕርጊጎ ኣኪቦም ብሓደ ከም ዝርሸኑ ጌሮም።
ሞጎራይብ
--------------
ብዕለት 19 ጥቅምቲ 1985:- ኣብ ሞጎራይብ ውን ምስ ናይ ሕርጊጎ ብዝመሳሰል ኣገባብ 39 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣቑርደት
-----------
ሚያዝያ 1988:- ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምኪያድ ኣብ ልዕሊ 50 ኣባላት ተቓለስቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን(ህ. ግ. ሓ. ኤ.) 3 ሲቪላዊያን ሰባትን ናይ ሞት ክሳራ ኣስዒቦም።
ሸባሕ
--------
ብዕለት 4 ጉምበት 1988:- ኣብ ልዕሊ ብቑጽሮም ዘይተፈለጡ ሲቪላዊያን ሰባት ናይ ሞት ጉድኣት ኣኸቲሎም።
ሽዕብ
--------
ብዕለት 5 ነሓሰ 1988:- ዝበዝሑ ኣዴታት ምስ ህጻውንትን ዕሸላትን ደቀን ዝርከብኦም፡ ሰብኡተን ንዕለታዊ እንጀርኦም ዝኸውን ስራሕ ከሳልጡ ናብ ከተማ ወሪዶም ከለዉ ተጸናትዮም ናብ ዓዲ ብምእታው ሰራዊት ደርጊ ኣብ ኣስታት 400 ዝኾኑ ቆልዓ ሰበይቲ ዘሰቅቕ ናይ ሞት ሞግዳእቲ ኣስዒቦም።
ኣፍዓበት
-----------
ካብ ዕለት 3 ክሳብ 4 ሚያዚያ 1990:- ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምግባር ኣስታት 67 ሰባት ክቐትሉ ከለዉ 125 ሰባት ድማ ኣቑሲሎም።
ምጽዋዕ
-----------
24 ሚያዝያ 1990:- ስርዓት ደርጊ ኣብ ኣጋ ስዕረቱ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ እኩባት ኣጽዋር ብምጥቃም ከምኡ ውን ብዓለም ለኸ ናይ ኣጽዋር ምቁጽጻር ኣካል ዝተወገደ መርዛም ጋዛት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል 50 ሰባት ክቐትል ከሎ 110 ሰባት ድማ ኣቑሲሉ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ንከተማ ምጽዋዕ ውን ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ብምጥቃም ንብርክት ዝበሉ ከባቢታታ ብምጥቃዕ ኣብ ንዋታዊ መዳይ ውን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣውሪዱ።
እዚ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ማእለያ ዘይብሉ ጭካነ ዝመሎኦ ግፍዕታት ከምቲ ወዮ' ኮ መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣብ ናይ ሓደ እዋን መደሩኡ "ኤርትራ መሬታ ምበር ህዝባ ኣየድሌናን' ዩ!" ክብል ዝተዛረቦ ኣብ ህዝቢ ኣጽኒትካ ባሕርን መሬትን ኤርትራ ናይ ምውናን ጥሙሕ ሕልሚ ዝተመስረተ ሰራም ተልእኾ' ዩ። ስርዓት ኣቢ ኻኣ መቐጸልታ ናቱ ሙኻኑ ከይተርፍ ንትልማዊ ኣካይዳ ኣንድነታዊ ክልሰ ሓሳብ ተድላ ባይሩ ከም framework ወሲዱ ምስናይ ክፍኣት መተዓይይቱ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ. ደ. ፍ. ብምትሕብባር ብሰላሕታ ንኤርትራ ብሙግባጥ ተረባሒ ናይቲ ኣቐዲሙ መንግስቱ ሃይለማሪያም ዝጠቐሶ ብህሎ ንሙኻን' ዩ ዝጽዕር ዘሎ። ነዚ እኹል መርትዖ ክኾነና ዝኽእል ነቲ ኣብ ሓደ ግዜ ካብ ቃሉ "ምስ ወዲ ኣፌ ዓሰብ ክንማቐል ኢና" ክብል ዝተዛረቦ ክንምልከት ንኽእል ኢና።
እዚ ሕጂ ስቦው ሌጋ እዳበልና ብዕሙት ዓይኒ ናብ ሃገርና መርሓባ እንብሎ ዘለና ህዝቢ ጭፍራ ኣምሓራ እምበኣር ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ታሪኹ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ወደባት ነዚ ይመስል። ልክዕ' ዩ እዚ ክብል እንከለኹ ምስ ህዝባዊ ውድብ ሓርነት ትግራይ(ህ.ው.ሓ.ት.) ውን ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ኣይተጋጨናን ማለተይ ኣይኮነን። የግዳ ኣብዚ ክንስሕቶ ዘይብልና ግን፡ ባዕሉ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ውን ኣብ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ከምዝተዛረቦ፡ ኣብ ናይ ጽልእና ግዜ ዘጋውሖ ዝነበረ መበገሲ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ጉዳይ ዶብ' ዩ ዝብል ንፍሖ መለኸቱ ሻቡ ረሲዑ፡ ድሒሩ ዝመጸ ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ መንቀሊ ዝነበሮ ኲናት ከምዘይነበረ 'ዩ ተዛሪቡ። ብግልጺ ውን ኣብ ዘረቡኡ እቲ ኲናት ምስ ዶብ ዘተኣሳስር ከምዘይነበሮ ኣስፊርዎ' ሎ። እዚ ዘርኤካ ድማ ሕሉፍ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ከምቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝበሎ መበገሲኡ ጉዳይ ዶብ ዘይኮነ ብቐንዱ ውልቃዊ ጽልኢ ክልቲኡ መንግስትታት ህ. ው. ሓ. ትን መንግስቲ ኢሰያስን' ዩ ኔሩ። ብዶብ ብምምስማስ ድማ' ዩ ስርዓት ህ. ግ. ደ. ፍ. መጋበሪያ ውልቃዊ ጽልኡ ክገብረና ፈቲኑ።
ሰምበት 22 ሕዳር 2020
ጸሓፊ - ኣስመሮም ገብሪሂወት(Simu)