03/24/2026
ሴነጋል ዋንጭኣ ንግዜኡ ተመሊሳትላ ዳግማይ ቻሞዮን ኮይና!
ቤት ፍርዲ ስፖርት ዓለም፡ ነቲ ብኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ተመሓላሊፉ ዝነበረ፡ ንሴነጋል ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ዝኸልእ ኣሰሓሓቢ ውሳኔ ብግዜያዊነት ኣደስኪልዎ።
እቲ ጉዳይ ብሕጽር ዝበለ፦
ኣብ ሜዳ፦ ሴነጋል ንሞሮኮ 1 ብ 0 ስዒራ ሻምፕዮን ኮይና ነይራ።
ውሳኔ ካፍ፦ "ተጻወትቲ ሴነጋል ን17 ደቃይቕ ካብ ሜዳ ወጽዮም" ብዝብል ምኽንያት፡ ካፍ ነቲ ዓወት ሰሪዙ ንሞሮኮ ናይ 3 ብ 0 ፎርፌ ዓወት ብምሃብ ዋንጫ ክትምለስ ወሲኑ።
ውሳኔ ቤት ፍርዲ ስፖርት፦ ፈደሬሽን ሴነጋል "ውጽኢት ኣብ ሜዳ እዩ ዝውሰን" ብምባል ዘቕረቦ ጥርዓን ተቐቢሉ፡ ነቲ ናይ ካፍ ውሳኔ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
ክሳብ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 9-12 ኣዋርሕ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝህብ፡ ሴነጋል ከም ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ትቕጽል ኣላ!
እዚ ጉዳይ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዓቢ ነውጺ ፈጢሩ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዙሓት ነቲ ናይ ካፍ ውሳኔ "ንኽብሪ ስፖርት ዘበላሸወ" ክብሉ ይነቅፍዎ ኣለዉ።
ሴንጋል ኩሉ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2025ያ ኢልኩም ዶ ትኣምኑ?