04/07/2023
ተዘካሪ
በደል መንቀሊኦም: ወፅዓ ዝደወሎም ንክዝከሩ ከይኮኑስ ህዝቦም ከንብሩ ዝሓለፉ: ብግብርን ሓሳብን ኩሉ ጊዜ ምሳና ዘለዉ ህያውያን: ሽሞም እንክለዓሎ ሞራልና ዝላዓል: ከም ወርሕን ከዋኽብቲን ኣብ ሳሌዳ ልብና ደሚቖም ዝተሰቐሉ: ዝኽሮም ተነባብን ተሰማዕን ኣብ ውሽጥና ዝዝንቢ: ንዘልኣለም ተዘንታዊ ታሪኽ ዘበረክቱ: ክቡር መንነቶም ብኽቡር ታሪኽ ዝተሓፀረ: ኣብ ቃንዛ ህዝቦም ምንባር ዘይብህጉ: መጻኢት ትግራይ ሓሊሞም ኣብ ትማሊ ዝተረፉ: ወትሩ ዛንቶኦም ዝቕጅል: ቀንዴሎም ዘይቅህም: ንኩሎም ተጋደልቲ ትግራይን ብላፍይ ክኣ ንስዋኣት ተጋደልቲ ትግራይ መዘከርታ ትኹን። ስነ-ጥበባዊ ትግራይ ኩሉ ጊዜ ታሪኩም ከዘንቱ እዩ። ክብርን መጎስን ንሰማእታትና።
ውቅያኖስ