NaRa Bros

NaRa Bros ኣዛናጋዕን መሃርን ቪድዮታት፡ ግጥምታት፡ ዛንታታት፡ ጥቕስታት፡ ቃለ መጠየቃት፡ ፊልምታት፡ ሙዚቃዊ ስረሓት....ዝተፈላለዩ ጽሑፋት መደባት።

13/02/2023

" ድሕሪ 31 ዓመታት ወላዲኣ ብሂወት ዝረኸበት ሓፍትና ሳምራዊት....!! ናይ ምስጋና ቪድዮ።

"ድሕሪ 31 ዓመታት ወላዲየይ ብሂወት ረኺበዮ"     " ከ 31 አመታት ቦኋላ ወላጅ አባቴን አገኘሁት" !!
10/02/2023

"ድሕሪ 31 ዓመታት ወላዲየይ ብሂወት ረኺበዮ"
" ከ 31 አመታት ቦኋላ ወላጅ አባቴን አገኘሁት" !!

Subscribe (FREE) ››https://bit.ly/3upY1ch‹‹Copyright © NaraBros 2022An unauthorized use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without th...

ብሰንኪ ሄዋን ዝተበላሸወ ሂወት ወዲ ተባዕታይ!! ሓቀኛ ዛንታ፡ ብ ራሞን ንጉሰ !!
29/12/2022

ብሰንኪ ሄዋን ዝተበላሸወ ሂወት ወዲ ተባዕታይ!!
ሓቀኛ ዛንታ፡ ብ ራሞን ንጉሰ !!

Subscribe (FREE) ››https://bit.ly/3upY1ch‹‹Nara Bros - ብሰንኪ ሄዋን ዝተበላሸወ ሂወተይ! ሓቀኛ ዛንታ ብ ራሞን ንጉሰ 2022Copyright © NaraBros 2022An unauthorized use, distributio...

Shinfae part 9 - ሺንፋእ 9ይ ክፋል!!
28/12/2022

Shinfae part 9 - ሺንፋእ 9ይ ክፋል!!

''ሽንፋእ'' ተኸታታሊት ፊልም ብ ያቆብ ዳዊት 1ምዕራፍ 9ይ ክፋልነዛ ፊልም ምሉእ ብዘይ ኣድቨርታይዝ ንምክትታል ኣብ google play or App store ብምኻድ Jayo Ent App ዳውንሎድ ብምግባር ብነጻ ክንከታተል ን.....

04/12/2022

" እቲ ንኹሉ ፍጡር ዝሓስብን ዘይሓስብን፡ ዝደቀቀን ዝገዘፈን፡ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ፈጣሪ፡ ህንጻ ምህናጽ ንፈጣሪና ማዕረ ክንደይ ቀሊል ሙዃኑ ገና ክትሓስቦ ክትጅምር ከለኻ'ዩ ዝኸብድ፡......ግን ንዑ በረኸት ንቋደስ እምነትና ነሐይል!!!

(ነዚ ኣገልግሎት ብገንዘብ ንምሕጋዝ)
"ናይ ናቅፋ ቁጽሪ ሕሳብ"
ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ - ገዳም ደብረደናግል ሰማእት ቅድስት ድምያና፡ (Commercial Bank Of Eritrea) Monastery Of Saint Demiana,
C/A 14238-7

"ናይ ወጻኢ ባጤራ ዶላር ቁጽሪ ሕሳብ"
(ባንክ ኣባይትን ንግድን)
(Housing & Commercial Bank Of Eritrea
Monastery Of Saint Demiana
C/A Usd 236-7

" ናይ ወጻኢ ባጤራ ዩሮ ቁጽሪ ሕሳብ"
ባንክ ኣባይትን (Housing & Commercial Bank Of Eritrea Monastery Of Saint Demiana
C/A Euro 1024-9

ቴለ፡ 002917137059 // ወይ ውን 002917645358 //
ከምኡ ውን 1113211

ሼር ሼር ሼር ከይ ገበርና ኣይንሕለፈ!!!!!

go found me 👇👇👇👇

https://www.gofundme.com/f/uvycs?utm_campaign=p_lico+share-sheet&utm_medium=copy_link&utm_source=customer

" ነባዒት 3ይ ምዕራፍ" ብ ያቆብ ዳዊት።
03/12/2022

" ነባዒት 3ይ ምዕራፍ" ብ ያቆብ ዳዊት።

Subscribe (FREE) ›› https://goo.gl/GibN2T ‹‹NEBAIT | ነባዒት Eritrean Love Story by Yacob Dawit Season 3 Epsode 1 ነባዒት ፍቕራዊት ዛንታ Jayo Ent App ዳውንሎድ ንግበርDOW...

" ንዒ" ንዒ.....ንዒ.....ንዒ....ሃሪፈዮ ደርማስ ሓይልኺ፡ ሓወልቲ ሰሪሐሉክርእዮ ተመንየ ዘርእኺ ኣብ መንፈሰይ ቦቂሉ....ነብሰይ ምስ ስጋይ እንታይ ዝተረፎ ከይህሉእንታይ'ሞ ዘይ ናፍ...
29/11/2022

" ንዒ" ንዒ.....ንዒ.....ንዒ....

ሃሪፈዮ ደርማስ ሓይልኺ፡ ሓወልቲ ሰሪሐሉ
ክርእዮ ተመንየ ዘርእኺ ኣብ መንፈሰይ ቦቂሉ....
ነብሰይ ምስ ስጋይ እንታይ ዝተረፎ ከይህሉ
እንታይ'ሞ ዘይ ናፍቆትኪ'ዩ ከመይ ካልእ ከመኽንየሉ...

ብኣኺ መምስ ቆረርኩ ይጉተት ንድሕሪት
ትስፍው ራአይ ይስምዖ ድኽመት....
ከቢድ ሰዓታት ናብ ኣስተንትኖ ይንቆት
ይሃድም መንፈሰይ ምንባር ይስእነሉ መቀረት....

ኣይ ኪኢለዮ ካባኺ ተፈልየ
ኣይ ኪኢለዮ ኣብ ጎንኺ ሃልየ
ኩሉ ሓደ ኾይኑ እቲ ምህላው ዳርጋ ዘየለ
እቲ ምፍላይ ይገደደ ካብቲ ዝሃለወ

ይኹን እስኪ... ልኹት ዓባስ
እወ ንኹን ኩልና ልሳና ዘየዳምጽ....
በኣድማሳዊ ሓይልኺ ክንሳነ ክንመያየጥ
ጥዑም ካብ ተሳእኖ እዚ መሪር መልሓስ....

ኣባኺ ዝኣምኑ፡ እምነቶም ተግባር ዘውዕሉ
ናተይ መምሃራን ምበልክዎም ክኣልቲ ኩሉ....
ምነበርኩ ምስኦም ወላ ጊልኦም ኮይነ
ከኽትም ጉዕዞ ምንባረይ ጉዕዞኦም ተኸቲለ
ሕግኺ በካይድኦም ከኽብር፡ ዓቅመይ ካብ ዘይክኣለ...

ቂመኛ ልቢ እንከይ ቅሓረ
ሕነ ምፍዳይ ከይሳዕረረ
ሕሱም ጽልኢ ከይተሳወረ
ነስንስሉ ጸበልኪ ነዚ ልብታት ህድእ እንተ በለ

ንዒ እንዶ ቅረብኒ ንጽህናኺ ሒዝኪ
ኣውራጃ ቀቢላ ካብ ዝብል ገላግልኒ....
ንዒ እንዶ ምጽኒ ጸጋኺ ሒዝኪ
ትዕቢት ረብሓ ንዓይ ይጥዓመኒ
ካብ ዝብል ሰዊርኪ ኣርሕቅኒ....

ዘይትጓኒ፡ ዓልየት ሃይማኖት፡ ስኡን ሩኹብ ዘይትፈላሊ
ንዒ እንዶ ገላግልኒ ምስ ኣምሰሉታት ኣይተማስልኒ
ይናፍቀኪ'ኮኣሎ ዓሻ ልበይ፡
ክልብም ብልበይ....

ንዓኺ'ዩ እዚ ኹሉ ስቃይ እዚ ኹሉ መስዋእቲ
ንስሌኺ'ዩ እዚ ኩሉ ፊደል ዝመጨመ ካብ ጅማውቲ...
ወይ ኣነ ዓሻ ነብሰይ ከይረኸብኩ ጽላሎተይ ዝደሊ
ገለ እስከ በልኒ ተለመኒ ኣፍቅርኒ'ባ ፍቅሪ፡
ክነብር ብፍቅሪ !!!

ግጥሚ
ራሞን ንጉሰ

ኣነ ድኹም ፍጡር ፍቅሪ ምሳይ እንከላ ሲኢነያ፡
መን ኣሎ ኣፍቂሩ ዝኽእል?
ንይምሰል ዘይነብር....?
እዚ ናይ ኣንጻር ጾታ ፍቅሪ፡ ድሓን ንሱ ይጽንሓልና ካልእ እንተ ተረፈ ትረብሓሉን፡ ዘዕግበካን ነገር ስለ ዘሎ ትፋቀር ኢኻ፡ ንዝኾነ ፍጡር ንነብስኻ ኢልካ ተፍቅርዶ፡ ንረብሓኻ ኢልካ ዘይኮነ ከማኻ ፍጡር መታን ክጥሞ፡፡
ደቂ ሰባት ሎሚ ምፍቃር እያ ከቢዳትና ዘላ!!! እንተ ንኻልእ እሞ ባዕልና ደደሪስና ንዋስኦ ኣለና።

ልዕሊ ሃብታም ሙዃን ልዕሊ ፍሉጥ ሙዃን ልዕሊ ሙሁር ሙዃን እታ ተገድስ ፍቅሪ እያ፡ እቲ ዝገርም ክኣ ነዚ ገለ ዝተጠቅሰ ወላ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ፡ ወላ ውን እንተ ኾነ ሰሪቅካ ዲኻ ኣደናጊርካ ክትበጽሖ ትኽእል፡ ንምፍቃር ግን ወላ ሓንቲ ጊዜ ወላ ካሊኢታት ኣይድልየካ፡ ስልጠና ወይ ቤት ትምህርቲ ምኻድ፡ ኣየድልየካን በቃ ንሰባት ጽቡቅ ትገብር፡ ጽቡቅ ትሓስብ፡ ብዘለካ ትካፈል ትውዳእ። ነዚኣ ክንረክብን ዲግሪ ከነምጽእን ዘሎ ግዜ ግን ፍሉጥ እዩ፡ ንሕና ግን ዕላማና ናብ ፍቅሪ ዘተኮረ ዘይኮነ ናብቲ ዘይውዳእ ሃብትን ትምህርትን ስለ ዝኾነ'ዩ።

ከም መዛዘሚ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝበሃል፡ ኣምላኽ ፍቅርን ሰላምን ኣይኽልኣና ዘይኮንኩ ክብል፡ ንሕና ንፈጣሪና ፍቅርን ሰላምን ኣይንኽልኣዮ፡ ፈጣሪና ድኣ ፍቅርን ሰላምን ፈጢሩስ ብኡ ተናበሩ፡ ንሱ'ዩ ዘዋጻኩም ምስቲ ክፈጥሮኹም ከለኹ፡ ዝኸይድ ንሱ'ዩ እኮ ኢልና። ንሕና ኢና ምትግባሩ ኣቢና ልብና ኣትሪርና ነብስና ፈቲና ዘለና። ስለዚ ብፍቅርን ሰላምን ነንሕድሕድና ተጻጊብና ነመስግኖ።
ብድሕሪኡ ካልእ ንልምን፡ ኣይኮነን ግን ሓሩጭን መጎጎን ሒዝካ ባኒ ምልማን ጽቡቅ ኣይኮነን።

ኣነ ግን ድኽመተይ ከም ዝኣምን ይብለኩም ኣለኹ።
ግን... ፈቃር ንኽኸውን ደልየ ክልተ ጊዜ መጥባሕቲ ልቢ ጌረ ክብለኩም ኣይትጸበዩ። 😊

" ሓድሽ ሕማም "ኣብ ሞንጎ ክልተ የዕሩኽ ዝነበረ ኣጋጣሚ'ዩ ።ነጋሲ፡ "ኣታ የማነ፡ እቲ ክብሮም'ሲ ሓውዩ'ዶ? እንታይ እዩ'ኸ ሓሚሙ ኢሎሞ? የማነ፡ " ድሓን'ዩ ሒሽዎ እምበር ኣይሓወየን፡ ...
25/11/2022

" ሓድሽ ሕማም "

ኣብ ሞንጎ ክልተ የዕሩኽ ዝነበረ ኣጋጣሚ'ዩ ።

ነጋሲ፡ "ኣታ የማነ፡ እቲ ክብሮም'ሲ ሓውዩ'ዶ? እንታይ እዩ'ኸ ሓሚሙ ኢሎሞ?

የማነ፡ " ድሓን'ዩ ሒሽዎ እምበር ኣይሓወየን፡ ሕማሙ ኽኣ HII እዩ ዝብሃል ።"

ነጋሲ፡ " እንታይ HII፡ HIV ማለትካ ድዩ?"

የማነ፡ "ኖ እንታይ HIV ድኣ፡ H I I (ኣይ) እምበር።"

ነጋሲ፡ "ትጻወት ዲኻ ዘለኻ፡ HII ዝብሃል ሕማም ኣሎ ድዩ? እንታይ ማለት'ዩ ኸ?

የማነ፡ " እወ ብፍኑው ምጥምማት ዝመሓላለፍ፡ ሓድሽ
ሕማም'ዩ ኢሎሞ"። 😊😊

"ኢልዎ ንብለኩም፡ ላግጺ ምስ ሓቂ።"

ጸሓፊ፡ Ⓒ ራሞን ንጉሰ
...ስለዚ ዝኸበርኩም እንሓስብ ፍጡራት፡ ኩሉ እቲ ሰናይን ግናይን ዘበለ ብምርኣይ ብምጥምማት'ዩ ዝጅምር፡ ንሱ ካብ ኮነ ዘድልየና ሰናይ ዘበለ ንርአ፡ ትኹረት ኣጠማምታና ውን ንጽቡቅ ዝዓለመ ይኹን። ኣብ ልብና እከይ ከይቦቁል።

(ላግጺ ምስ ሓቂ)

ጸሎት እተን ኣደሓደ መዓልቲ'ዩ ሓንቲ ኣደ፡ ናብ ቤተሰባ ምብጻሕ ኢላ ሓንቲ መዓልቲ ሓዲራ ንገዝኣ እና ተመልሰት፡ ኣበይ ሙዃኑ ክትፈልጦ ዘይክኣለት ኣገዳሲ ወረቃቅትን ካልእን ዝሓዘ ዝነበረ ቦ...
14/11/2022

ጸሎት እተን ኣደ

ሓደ መዓልቲ'ዩ ሓንቲ ኣደ፡ ናብ ቤተሰባ ምብጻሕ ኢላ ሓንቲ መዓልቲ ሓዲራ ንገዝኣ እና ተመልሰት፡ ኣበይ ሙዃኑ ክትፈልጦ ዘይክኣለት ኣገዳሲ ወረቃቅትን ካልእን ዝሓዘ ዝነበረ ቦርስኣ ከም ዝጠፍኣ ኣረጋገጸት። እታ ኣደ ድማ ድሕሪ ኣብቲ ካብ ቀንዲ ጉዕዞኣ ርሕቅ ዝበለ እንዳ ቅዱስ ገብሪኤል በተኽርስትያን ከይዳ ድማ፡ ከም ወትሩ ተሳሊማ ቦርስኣ ንኽትረኽባ ብጸሎት ለመነቶ፡፡
እታ ኣደ ጉዕዞኣ ቀጺላ ኣብቲ ጥቃ ገዝኣ በጽሐት፡ ኣብ ጥቃ ገዝኣ ምስ በጽሐት እታ ካብ ገዝኣ ገለ ውሑዳት ሜትሮታት ርሕቀት ዝነበራ፡ ወትሩ ዳርጋ ንኽትሳለማ መብጽዓ ዝኣተወት ቅዱስ ሚካኤል በተኽርስትያን ውሽጢ ኣትያ ተሳሊማ እና ወጸት ኣብቲ ኣፍ ደገ እቲ በተኽርስትያን ምስ በጽሐት፡ "ቦርስኣ ረኸበታ!"
እታ ኣደ ድማ በዚ ተሓጉሳ፡ " ኣታ ገብሪኤል ኣቦይ ኣብዚ እንዳ ሚኪኤለይ ዲኻ ድኣ ክትበጽሕ ጸኒሕካ!!"

ኢላ ስለ ኣማላድነቶምን ረዲአቶምን ንኽልቲኦም መላእኽታት ኣመስጊና ገዝኣ ኣተወት ንብለኩም።
😊😊
ኣብ ንኸዶ ኩሉ ሓለዋ መላኢክታት ኣይፈለየና!!!

ጸሓፊ፡ Ⓒ ራሞን ንጉሰ 2022

13/11/2022

" ብ ኣምሓርኛ እዩ ዘሎ "
" ሼር ንግበረላ ኣሕዋት መታን ናብ ኩሉ ክትበጽሕ ድሃይ ወላዲኣ ክትፈልጥ !!!"
"ወላጅ አባቴን ለማግኘት እባካቹ ተባበሩኝ !!!"
ስም፡ ሳምራዊት ጌታቸው አበበ መሃመድ።
የሳምራዊት እናት ስም፡ ሸዊት ማና አባይ።
የአቧቷ ስም፡ ጌታቸው አበበ መሃመድ።
የአቧቷ እናቱ ስም፡ በላይነሽ ተሰማ።
የወንድሙ ስም፡ ደሴ አበበ መሃመድ።
ትውልድ ሃገሩ፡ ወሎ ደሴ።
ከነ ቤተሰቦቹ ሚኖርበት የነበሩ፡ ደሴ ጣና ገበሬ ማህበር።
# ወደ ኤርትራ መጦ የወለደበት ዓ/ም በፈረንጅ 1990.
# ከኤርትራ የወጣበት ዓ/ም በፈረንጅ 1991 ወደ ሱዳን ብሎ ከነጓደኞቹ እንደ ሄደ ናውቃለን።
# በኤርትራ የነበረበት ምክንያት፡ወትሃደር (personal) የቤት ጽፈት ጸሃፊ ሆኖ፡ ይማርም ነበር።
የሆነ መረጃ ካላቹ በዚህ ቁጥር ስልክ ጻፉልን፡ ዘቢብ የማነ 0031687385740
ወይም
ሳምራዊት ጌታቸው 002917665820
እባካቹ ሼር ሼር ሼር ሳታደርጉ አትለፉ !!!!

12/11/2022

" ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኣክል ድሃይ ወላዲኣ ንዘይብላ ሳምራዊት ድሃይ ወላዲኣ ክትፈልጥ ንተሓባበራ!!!"

ስማ፡ ሳምራዊት ጌታቸው ኣበበ መሓመድ።
ስም ወላዲኣ፡ ጌታቸው ኣበበ መሓመድ። (ኢትዮጵያዊ)
ስም ወላዲታ፡ ሸዊት ማና ኣባይ። (ኤርትራዊት)
ዓዲ ወላዲኣ፡ ወሎ፡ ደሴ
ምስ ስድርኡ ዝቅመጠሉ ዝነበረ፡ ጣና ገበሬ ማህበር።
ስም ወላዲቱ(ንጌታቸው ኣዲኡ)፡በላይነሽ ተሰማ።
ስም ሓው፡ ደሴ ኣበበ መሓመድ።
ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም፡ ዘቢብ የማነ፡ 0031687385740
ከምኡ ውን፡ ሳምራዊት ጌታቸው፡ 07665820

ሼር...ሼር... ሼር... ከይገበርና ኣይንሕለፍ ኣሕዋት። !!!!!!!

Address

Asmara

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when NaRa Bros posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Establishment

Send a message to NaRa Bros:

Share