Jerry ጀሪ

Jerry ጀሪ ጥቅስታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን
ከምኡ ወን መሃርትን ኣዛናጋዕ?

31/12/2022
ኣብ መንገዲ ዓወት ምህላውካ ጥራይ ናይ ባዕሉ ሓይልን ብርሃንን ኣለዎ!!
11/12/2020

ኣብ መንገዲ ዓወት
ምህላውካ ጥራይ ናይ
ባዕሉ ሓይልን
ብርሃንን ኣለዎ!!

     ✳✳✳ኣብ'ቲ ንስኻ ዘለኻዮ ምህላውካ፡ ን'ድልድል ውሽጥካ ዝፈታትን ሓይሊ ክፍጠር ናይ ግድን 'ዩ።ምክንታቱ ኣብ'ቲ ዝሓለፍካዮ ባይታ ስለዘለዉ!!✳✳✳ሰማዒ የለን ኢልካ ካብ ምዝራብ ኣይ...
22/10/2020




✳✳✳ኣብ'ቲ ንስኻ ዘለኻዮ ምህላውካ፡ ን'ድልድል ውሽጥካ ዝፈታትን ሓይሊ ክፍጠር ናይ ግድን 'ዩ።ምክንታቱ ኣብ'ቲ ዝሓለፍካዮ ባይታ ስለዘለዉ!!

✳✳✳ሰማዒ የለን ኢልካ ካብ ምዝራብ ኣይትቆጠብ፡ እትምንታይስ እቲ ዝሰምዕ ደልዩ ስለዝረኽበካ!!

✳✳✳ራኢ ውሽጥኻ ድምቀት እንተልይዎ፡ መንገድኻ ዋላ ይኣሹኽ ጉዕዞኻ ዘይምቁራጽ!!

✳✳✳ነብሰ-ምህናጽ ኣብ እተካይደሉ ግዜ፡ ከም ጻዕዳ ወረቀት ናይ ምዃን ባህሪ ከተጥሪ ተገደድ!!

✳✳✳ክሳብ ዘይሓሰኻን፡ ዘይሰረካን፡ ርእስኻ ዘይምድናን!!

✳✳✳ለውጢ ለውጢ ካብ ምባል፡ ብኸመይ ከም ትልወጥ ምስ ነብስኻ ልዝብ ግበር!!

ጀርመን ጀሪ

https://bit.ly/3fj06gI

22/09/2020

ንዓኺ ከማን ይፈልጠኪ ኣለኹ ክክክክክ

 #ዕዉት  #ማዓልቲእቲ ኣንጻር ዕቤት ወይ ለውጢ ደቂ ሰባት ዓቢ ታራ ዝጻወት መመኽኔታ'ዩ!* ስለዚ ንመመኽነይታ ቁሩብ ኣይትኹን/ኑ።ንነገራት ብቁኑዕ መንገዲ ጠምቶም!* ስለምንታይስ ቁኑዕ ሰብ...
02/09/2020

#ዕዉት #ማዓልቲ

እቲ ኣንጻር ዕቤት ወይ ለውጢ ደቂ ሰባት ዓቢ ታራ ዝጻወት መመኽኔታ'ዩ!

* ስለዚ ንመመኽነይታ ቁሩብ ኣይትኹን/ኑ።

ንነገራት ብቁኑዕ መንገዲ ጠምቶም!

* ስለምንታይስ ቁኑዕ ሰብ ንጌጋ ደቂ ሰባት ከለሊ ስለዘየጸግሞ።

እምነትካ ኣብቶም ንእምነትካ ዋጋ ዝኸፍሉ ኣረክባ!

* ሽዑ ብዋጋ እምነትካ ዘይነጽፍ ፍቕሪ ክህሉ'ዩ ኣብ ዙራኻ።

ኣብ ስራሕኻ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ንሪኢቶ'ሰባት ከምዘለዎ ምቕባል'ዩ!

* ስለዚ ሪኢቶ'ሰባት ከም መመላእታ ደኣምበር ከም ማፕ ናይ ሂወትካ ኣይትውሰዶ።

ገለ'ሓገዝቲ ን'ሂወት✅✅✅ ኣይፈልጥን'የ እንዳበልካ ከይፈለጥካ ከይትነብር ተጠንቀቅ!! ✅✅✅ ግዜ እቲ'እንኮ ሃብቲ ወዲ ሰብ'ዩ'ሞ ግዜኻ ኣብ ግዝኡ ተጠቐመሉ!!✅✅✅ ለውጥን ፍርሕን ተጻረርቲ...
28/07/2020

ገለ'ሓገዝቲ ን'ሂወት

✅✅✅ ኣይፈልጥን'የ እንዳበልካ ከይፈለጥካ ከይትነብር ተጠንቀቅ!!

✅✅✅ ግዜ እቲ'እንኮ ሃብቲ ወዲ ሰብ'ዩ'ሞ ግዜኻ ኣብ ግዝኡ ተጠቐመሉ!!

✅✅✅ ለውጥን ፍርሕን ተጻረርቲ'የን ኣየንኤን ትመርጽ ግን ኣባኻ'ዩ ዝምርኮስ!!

✅✅✅ እምነት ኣብ ዕላማኻ ዓባይ ዓወት'ያ'ሞ ቅድሚ ምብጋስካ ከም ዝኣመንካ ኣራጋግጽ!!

✅✅✅ ንዝኾነ ነገር ከይፈለጥካዮ ዝኾነ ቃል ኣይትዛረብ ምክንያቱ ቅድሚ ምዝራብኻ እኹል ዝኾነ ኣፍልቶ ክህልወካ ስለዝግባእ!!

✅✅✅ እዚ'ዘለኻዮ ዘመን ዘመንካ ናብ ምቕያር ቶጓየ መኽሰብካ ፍልጠት ምዃኑ ክትዕዘብ'ኻ/ቢ'ኺ!!

✅✅✅ ኣብ ሕልምኻ ን'ምንባር ኣቀዲምካ ሕልምኻ ኣለሊ!!

✅✅✅ ኣብ ሎሚ ኮንካ ጽባሕኻ እንተዘይኣጣጢሕኻ ጽባሕ ካሊእ ማዓልቲ'ያ ንዓኻ!!

✅✅✅ እቲ መዋዳድርቲ ደይብሉ ኣታሓሳስባኻ ብግቡእ ንተ'ተጠቂምካሉ ንስኻ/ኺ ዕዉት ሰብ እኻ/ኺ!!


ጀርመን(ጀሪ)

13/01/2020

ወለዲ

06/01/2020
28/12/2019
28/12/2019

መግረፍቲ ልብያ

ዕድል ድየ :-ክብሎ ጽሕፍቶ
መግፋዕቲ ዓለም ኣብ :-ዝባኖም ኣጽሕያቶ
ክሳብ መዓስ'ዩ:-ዝኩሉ ዝመከራ
ይኣክሎም'ባ:-ግደፊ ሓደራ

ኣይትድንግጽን ዲኺ:-ክንድዚ ጭካነ
ህጻን ክውለድ'ዶ:-ኑቡር ምሰኣነ
ኣብ ክንዲ ብዓለባ:-ትክበልዮ ብኻራ
ዝፈልጦ ዘይብሉ:-ተዝንብሉ መከራ

ሕልምልም ሂወቶም:-ሽግር ዝቋደሱ
ትንፋስ ዘይህብ:- ንክህልዉ ዝግስግሱ
ስቃይ ዝቀለቦም:-እኽለማይ ዝሳኣኑ
ራህዋ ክምነዩ:-ብጸበባ ዝሳሓኑ
ኣብ ክንዲ እክሊ:-በትሪ ዝቆርሱ
ተስፋ ኣብዘብሎም:-ን'ምንባር ዝቃለሱ

ኣታ ኣይገርምን'ዶ ናይ'ዛ:-ልብያ ዕረ
ንዘለዎ ንዘይብሉ:- ተሳቒ ብማዕረ
ንጓል ኣይትብል:-ንወዲ
ንሓራስ ኣይትብል:-ንጠናስ
ንዓቡይ ኣትድንንጽ:-ንንእሽቶ
ንኩሉ ከቡድ :-ስቅያት ወጊኣቶ
ዓሕ ልብያ ጨካን!

እታ ሂዋን'ውን:-ኑቡር ሲኢና
ኣብ ክንዲ ሓጎስ:-ጓሂ ድራራ
ኣብ ክንዲ ፍቅሪ :-ንብዓት ኮይኑ ደበሳ
ኣብ ክንዲ ሓዳር ምስ መከራ ታ'ሓጻ
ግዝኣ ወዲኣቶ:-ኣብ ድቕድቕ ጸላም ታ'ዓጻ
መን'ዩ ተሓታቲ ነዚ ኩሉ መከራ?

ዓለም ግደፊ'ባ :-ግደፊ ራህርህሎም
ልቢ ዘይኾጸሪ ህጻናት:-ኣይትጨክንሎም
ብርሃኖም ጨዊኺ:-ጸልማት መጢውክሎም
ኣምሰያ ጽሩይ ማይ:-ክሰትዩ ተማቒሎም

እንዳሃለዎም: ዝጠምዩ
እንዳረከቡ:-ዝስእኑ
ብሓዎም ወዲ:-ዓዶም ዝሳቀዩ
ኣድማጺ ሲኢኖም :-ዝኩሉ ከእውዩ
ረዳኢ ዘይብሉ:-ጸላም ዝከበቦ
እንዳ ሃለካ:-ጥዑም ዘይርከቦ

ሎሚ'ዶ ጽባሕ:- ዝሕሸሉ
የሕዋተይ:-ዝገላገልሉ
እፎይ:-ዝብልሉ
ናጽነቶም :-ዝርኡሉ
ማዓልቲ ሓጎሶም :-ዝጽንብልሉ
ኣነስ ናፊቀያ :-ነዛ ማዓልቲ
ማኣዲ ፍቅርና:-ክንቆርስ ኣብ ሓንቲ

በሉ ፈጣሪ :-ይኩን ምሳኩም
ካብ ጸልማት:-ናብ ብርሃን
ካብ መከራ :-ናብ ራህዋ
ካብ ጭንቀት:-ናብ ሰላም
ካብ'ዛ ኩርዃሕ ስፍራ የውጽእኩም ባዕሉ!

ገጣማይ ጀርመን (ጀሪ)

::
09/12/2019

::

ኣይትክሰስዋፈትያ ኣይኮነትን ኣይትሕመይዋዘላቶ ይኣክላ በጃኩም ኣይትክሰስዋትገብሮ ዩ ጠፊእዋ ዓቅላ ጸቢብዋኣፍቂራ ከተብቅዕ ፍቕሪ ታሓሪምዋኣይምሰልኩም ከምዚ ሎሚ ትሪእዋትማሊ ካልእ'ያ ነይራ ብ...
12/11/2019

ኣይትክሰስዋ

ፈትያ ኣይኮነትን ኣይትሕመይዋ
ዘላቶ ይኣክላ በጃኩም ኣይትክሰስዋ

ትገብሮ ዩ ጠፊእዋ ዓቅላ ጸቢብዋ
ኣፍቂራ ከተብቅዕ ፍቕሪ ታሓሪምዋ

ኣይምሰልኩም ከምዚ ሎሚ ትሪእዋ
ትማሊ ካልእ'ያ ነይራ ብለሚ ኣይትፍረድዋ

ምርጭኣ ዘይኮነ ዕድላ'ዩ ሂብዋ
ኣንጻር ድልየታ ዘይሓሰበቶ ገጢምዋ

ከም ሰባ ምስፍቀረት ምስላጥ ኣቢዋ
ምስ መስተ ትውዕል ፍታሕ መሲልዋ!!

ጀርመን (ጀሪ)

።
03/11/2019

 #ኣስተውዕል1 👉🏿 ሰብ ማለት ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ    ፉጡር ስለ ዝኮነ ከተናኣእሶ ኮነ ከተጓንዮ    መሰል የብልካን !!2 👉🏿ኩሉ ሰብ ነናቱ ጽባቐ ተፎጥሮን   ውህብቶን ኣለዎ ስለዚ...
02/11/2019

#ኣስተውዕል

1 👉🏿 ሰብ ማለት ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ
ፉጡር ስለ ዝኮነ ከተናኣእሶ ኮነ ከተጓንዮ
መሰል የብልካን !!

2 👉🏿ኩሉ ሰብ ነናቱ ጽባቐ ተፎጥሮን
ውህብቶን ኣለዎ ስለዚ ብናይ ግዝያዊ
ጸገሙ ኣይትርሓቆ እንተ ኪኢልካ ሓግዞ !!

3 👉🏿ጸገም ደቂ ሰባት ተካፈል ክትገብሮ
ዝግባኣካ ከማን ካብ ምግባር ድሕር
ኣይትቀል እትምንታይስ ናይ ኢድካ ሓሊፋ
ስለ ትጸንሓካ !!

4 👉🏿ኣብ ሙቾት ስለ ዘለኻ ካብ ጸበባ
ዘምለጥካ ኣይምሰልካ !!

5 👉🏿ን ሂወት ገንዘብ ወይ ድማ ሃብቲ
ዘይኮኑ ዘድልይዋ ልዕሊ ማንም
ጥዕናን ሰብን ከም ዘገድስዋ
ኣይትዘንግዓዮ !!

6 👉🏿ሰብ ስለ ዝኮንካ ብግዝያዊ ረብሓ
ከይትታለል ሓደራኻ ግዝያዊ ረብሓ
ሒዝዎ ዝመጽእ ሳዕቤን ስለ ዝገድድ !!

7 👉🏿ጸዋር ሰብ ኩን ምክንያቱ እዚ ሒዝና
ዞሎ ስደት ብትዕግስቲ ጥራይ ስለ
ዝሳዓር !!

8 👉🏿 ንዘለካን ንዘለኻዮን ኣመስግን
ምክንያቱ ነዚ ናትካ ተመንዮም
ዝሳኣንዎ ብዚሓት ሰባት ከም
ዘለዉ ዘክር !!

9 👉🏿ዋላ ልዕሊ ኣቅምኻ ፈተናታት
እንተበዛሓካ ንፈተናታትካ ዘቃልል
ፈጣሪ ስለ ዞሎ ምሳካ ንኩሉ ብዓቅልን
ብተስፋን ክትብድሆ ፈትን !!

10 👉🏿ዕውት ሰብ መታን ንክትከውን
ወትሩ ካብ ፈጣሪኻ ኣይትርሓቅ !!

👇👇like & Follow ነዛ page 👇👇

https://www.facebook.com/Jerry-%E1%8C%80%E1%88%AA-100174321393406/

by ጀርመን (ጀሪ)

27/10/2019

ሰብኣይ እንድየ ንክሊቴክን ዶ ምዃን ከይስእን ክክክ

Adresse

Hamburg

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Jerry ጀሪ erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Teilen

Kategorie


#}