02/27/2026
ጃኪ ቻን ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድሚኡ፡ድሕሪ ሞቱ ጥራይ ክዝርጋሕ ዝተሓሰበ ናይ ስንብታ ደርፊ ከም ዝሰርሐ ኣፍሊጡ።እዚ ኣብ ታሪኽ ፊልም ገለ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ምርኢት ኣክሮባት ብምስራሕ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘሕለፈ ኮኾብ ናይ action ፊልምታት፡ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት'ዩ፡ነዚ ዜና ኣካፊሉ።
እዚ ኣብ ልዕሊ 150 ፊልምታት ብምውሳኡ፡ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ተዋሳኣይ ጃኪ ቻን፡ኣርእስቲ ይኹን ትሕዝቶ ናይታ ድሕሪ ሕልፈተ-ህይወቱ ክትዝርጋሕ ዘዳለዋ ደርፊ ኣይገለጸን፡፡እንተኾነ ግን ሓፈሻዊ ትሕዝቶኣ፡ንደገፍቱን ንዝፈትዎምን ውልቃዊ መልእኽቱ ዝሓዘለ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።እቲ ድሮ ተዛዚሙ ዘሎ ሙዚቃዊ ስራሑ፡ክሳብ ብህይወት ዘሎ ከይተለቐቐ ብስቱር ተዓቂቡ ንኽጸንሕ መምርሒታት ከምዝሃበ'ዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።እቲ ውሳነኡ፡ብድሕሪ ሞቱ፡ኣብዛ ዓለም ሓደ ትርጉም ዘለዎ ነገር ገዲፉ ንምሕላፍ ብምዕላሙ ዝመረጾ ውልቃዊ ተግባር'ዩ።ነዚ ኣደንጻዊ ዜና ብዙሓት ደገፍቱ፡ኣብ መንጎ ኣድናቖትን ሓዘንን ተቐርቂሮም'ዮም ሰሚዖሞ።
ጃኪ ቻን፡ጄይሲ ዝብሃል ተዋሳኣይን ደራፋይን ወዲ ክህልዎ ከሎ፡እዚ ወዱ ኣብ 2014 ኣብ ቤጂንግ ዕጸፋርስ ሒዙ ስለዝተረኽበ ናይ 6ተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ዝነበረ'ዩ፡፡እታ ኣብ ቃለ መሕትት ኣብ ልዕሊ ኣቦኣ ፡ዝኾነ ይኹን ስምዒት ከምዘይብላን ከም ኣቦኣ ከምዘይትቖጽሮን ገሊጻ ዝነበረት 2ይቲ ጓሉ ድማ፡ኤታ ንግ ቾክ ላም ትብሃል'ያ።
እዚ ኣብ ፊልምታቱ ንዝግበሩ ካብ በረኽቲ ምንጣርን ምዝላልን ካልእን፡ብህያው ዝገብሮ ብሰንኩ ብዝወርዶ መስበርትን ካልእን፡ክብረወሰን ዓለም ጊነስ ሒዙ ዘሎ
ጃኪ ቻን፡ኣምባሳደር ናይ ዩኒሴፍ ኮይኑ፡እቲ ዛጊት ኣኻዕቢትዎ ዘሎ 400 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቱ ድሕሪ ሞቱ ንወረስቲ ደቁን ካልእን ዘይኮነስ፡ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ክገድፍ'ዉን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
-----/////--------////////--------///////------//////-------
ናይ ጃኪቻን'ሞ ይጽንሓልና፡ወላ'ኳ ሞት መራር እንተኾነት፡ኩሉ ሰብ ግን ካብ ሞት ዘምልጥ ካብዘይሃለወ፡ምናልባት ድሕሪ ሞትኩም፡ከምዛ ድሕሪ ሞቱ ንኽትዝርጋሕ ኢሉ ጃኪቻን ደሪፍዋ ዝብሃል ዘሎ ደርፊ ክትደርፉ ዕድል 'ተዝወሃበኩምስ፡እታ ተሕትምዋ ደርፍስ እንታይ ዝዓይነቱ ኣርእስትን፡ትሕዝቶ ግጥምን ምሃለዋ እስከ ርእይቶኹም ሃቡና።
ተስፋልደት ኣሰፋው(ተኤምዳ)
27-02-2026